ኣጆኹም ተስፋ ኣይትቑረጹ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓካይም:
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ቅድሚ እቲ ንዝመጽእ 11 ለካቲት ዝዝከር ዓለማዊ መዓልቲ ሕሙማት ምስ ሓካይምን ሕሙማትን ተራኺቦም፡ ገጽ ኢየሱስ፡ ኣብቶም ዘገልግልዎም ስለ ዝኾነ፡ ንሓካይም ተስፋ ከይቆርጹ፡ ኣብቶም ዘገልግልዎም ሕሙማት ምናዳ ኸኣ ኣብቶም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ጎይታ ቀረባኦም ምዃኑ ሓቢሮምዎም።
ቅዱስነቶም ነዚ ዘጸናንዕ መዘኻኸሪታት ዘቕረቡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወከልቲ ዓውዲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ጉስነት ክንክን ጥዕና ሃገረ ስብከት ሮማ ቃሎም ኣብ ዘስምዑሉ እዋን ነበረ።
ዓለምለኸ ዕለት ሕሙማት ዓመት መጸ ዕለት 11 ለካቲት ክኽበርን ኩሎም ምእመናን ስለሕሙማንን ዝሳቀዩን ክጽልዩ ብማለት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከምዝኣውጅዎ ዝዝከር እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ንዅሎም ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብተወፋይነት ዘገልግሉ ኣብ ድሮ እዚ ዕለት እዝን መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጒዕዞ ሲኖዶስ ኣብ እተካይደሉ ዘላ ግዜ ምዃኑ ምናዳ ከኣ ንሎምዘመን ኣብ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን መሪሕ ቃል ወንጌል ‘ተከናኸኖ’ ንዝብል ኣዘኻኺሮም ምስጋናኦም ኣቅረቡሎም።
ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ!
ቅዱስነቶም እታ ‘ተኸናኸኖ’ ትብል ቃል ካብ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝተወስደት ኮይና ቃል ብቃሉ እኳ ነቲ ብጻየይ መን እዩ ክብል ዝተወከሰ ሰብ ኢየሱስ ነቲ ምሳሌ ምስ ኣቅረበሉ ነቲ ዝቈሰለ ብጻይ መን ኮይንዎ ምስ በሎ እቲ ዝራሕራሓሉ ወይውን ዝተኸናኸኖ ምስ በለ ኪድ በል ንስኻ እውን ከምኡ ግበር ማለት ንጽጉም ተኸናኸን ራሕራሕ ተስምዕ ምዃና ብምግላጽ ንሶም እውን ወትሩ ነዚኣ ዘኪሮም ንሕሙማት ክከናኸኑ ሓደራ ቢሎምዎም።
ቅዱስነቶም ንስራሕ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዝካር፡ ሳላ እዚ እናማዕበለ ዝኸድ ቅደም ተኸተል ከኣ ዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን ከምዝተወልደ እዚ ከኣ "ንተመኩሮ ስቓይ ናብ ቅርበት ምስ ቃንዛ ካልኦት ክትቅይሮ፡ ንነብስኻ ናይ ምዕጻው ፈተና ምብዳህ፡ በዚ ከኣ ነቲ ሕሙም ርእሱ ሓፍ ክተብለሉ ወይውን ብርኪ ክትዓጽፈሉን ኣእዳው ክዝርጋሓሉን ከሎኻ ዓቢይ ምክንኻን ምዃኑ ገሊጾም።
ሰለስተ ሓገዝቲ ኣተሓሳስባታት!
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ንምኽንኻን ሕሙማት ዘድልያ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣተሓሳስባታት ናይዚ ጉዕዞ ጠቂሶም ማለት፡ ቀዳማይ፡ ምስቶም ዝሳቐዩ ምቅርራብ፤ ካልኣይ ንዘይተሰምዐ መከራ ድምጺ ምሃብ፤ ሳልሳይ፡ ንካልኦት ዘሳትፍ መባዂዕቲ ምግባረሠናይ ምዃነን ከምዚ ክብሉ ኣነጺሮም።
ቅድሚ ዝኣገረ ምስቶም ዝሳቐዩ ምቅርራብ፡ ምስማዖም፡ ፍቕርን ተቐባልነትን ምውፋይ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዘክር። ነዚ ንምግባር ግን፡ ኣብ ቃንዛ ሓውና፡ ኣብ ውሽጢ ልብና ደው ክንብል ዘገድደናን ካብዚ ንላዕሊ ክንከይድ ዘየፍቅደልናን "ምልክት ቀዳምነት" ክንርኢ ክንመሃር ይግባኣና።
እዚ ድማ ምስቶም ዝሳቐዩ ሰባት ኣብ ዝግበር ርክብ ክንሳተፍ ብዝፈቐድናሉ መጠን መጠኑ ዝውስኽ ሠናይ ስምዒት እዩ ኢሎም።
ከምዚ ጌርካ ብሓባር ምጉዓዝ፡ ንኹላትና ነቲ ሓቀኛ ትርጉም ህይወት፡ ማለት ፍቕሪ ንምርዳእ ይሕግዘና ምስበሉ፣ ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ "ዘይተሰምዐ መከራ ንክስማዕ ድምጺ ምሃብ" ማለት ናይቶም ኣብ ሕማሞም "ቁጠባውን ሞራላውን ደገፍ ዝጎደሎም፡ እሞ ብቐሊሉ ንተስፋ ምቑራጽን እምነት ምጥፋእን" ዘጋጥሞም ከምቲ ብሕማም ፋይብሮማያልጅያ ዝሳቐዩ ሰባት ከምኡ’ውን ሕዱር ቃንዛ ንዘለዎም ከጋጥም ዝኽእል፡ በይኖም ዝተረፉ ድምጺ ከምዝስማዕ ምግባር ኣድላይነቱ ኣስሚሮምሉ።
ገዓር ዝሳቀዩ ከምዝስማዕ ምግባር!
ኣውያት ዝሳቀዩ ከምዝስማዕ ምግባር ቀንዲ ናይተን "ሓንሳብ ሓንሳብ ካብ ሰብኣውነት ምድረበዳ" ዝኾና ከተማታትና ከማኡ እውን ንርህራሄ ጸማማት ዝኾና ምፍታሽ ዘጠቓልል እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም፣ "ናይቶም ዝሳቐዩ ኣውያት ወሲድና ንካልኦት ነስምዕ" ኢሎም።
ናብታ ሳልሳይ ኣተሓሳስባ ምልስ ብምባል ከኣ፡ መባዂዕቲ ምግባረ ሰናይ ምዃን ማለት 'መራኸቢ መርበብ' ምዃን ማለት እዩ ኢሎም። እዚ ክግበር ዚከኣለሉ ከኣ "ኩሉ ሰብ ክቅበልን ክህብን ድሌት ስለዘለዎ ዋላ ፍሽኽታ ጥራይ ትኹን ናብ ቅዲ ምስ ኩሎም ምክፋል ነጻነትን ምትሕግጋዝን ብምኽታል ጥራይ እዩ" ክብሉ ገለጹ።
ተስፋ ኣይትቑረጹ!
ቅዱስነቶም ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ብምውሳድ ቅድሚ ኩሉ ኣብነት ብምዃን፡ እዚ ካልኦት ብህላወኦም ዝምስክሩሉ፡ "ኩሎም ኣብ ናይ ሓባር ተወፋይነት ንጽቡቕ ሰባት ተጠርኒፎም" ንኽሳተፉ ትብዓት ንኽረኽቡ'ውን ይሕግዞም ኢሎም ።
ኩሎም ደቂ ሰባት ሰብ ከም ኣባላት ሓደ ኣካል ኮይኖም ብሓባር ክሰርሑ ከለው "ስቓይ ናይ ሓደ ስቓይ ናይ ኩሉ ይኸውን፡ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከም በረኸት ብኹሉ ተቐባልነት ይረክብ፡’’ ኢሎም።
ምስቶም ኣብ ቃንዛ ዘለዉ ምቅርራብ ቀሊል ኣይኮነን፡ እዚ ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። ስለዚ ድማ እየ ተስፋ ኣይትቑረጹ! ዝብለኩም ዘለኹ! ዕንቅፋታት ወይ ዘይምርድዳእ እንተ ኣጋጢሙኩም ድማ ኣብ ኣዒንቲ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ሓውኹም ወይ ሓፍትኹም ጠሚትኩም ነቲ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳሌ 'ተከናኸኖ' ትብል ቃል ዘክሩ።
ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ዝሕልወኩም!
ቅዱስነቶም ኣብ ገጽ ነፍስወከፍ ዝሳቀ ሕሙም ገጽታ ኢየሱስ ከምዘሎ ንምብራህ "በቲ ገጽ እቲ ሕሙም ገቢሩ ዝጥምተካ ዘሎ ባዕሉ ኢየሱስ እዩ፡ ንሱ ድኻምና ክሳብ ሞት ክካፈል ፍቓደኛ ዝነበረ ኮይኑ ካብ ዝተንሰኤን፡ ፈጺሙ ዘይሓድገናን ስለዝኾነ! ኣብኡ ኢና ኢድና ንዘይምሃብ ሓይሊ እንረኽቦ። እዚ ከኣ ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ እዋናት ከይተረፈ እዩ ዝፍጸም’’ ኢሎም።
ናይ መወዳእታ ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ "ሕሙማት ኣሕዋትን ኣሓትን" ብምንባሩ፡ ነዚ ኣገዳሲ ህሞት ንኽካፈሉ ብሓደ ዘራኸቦም ብቀንዱ እቲ ብእምነት ዘሕለፍዎ ስቃይ ምዃኑ ነገርዎም።
ኣብ ተኣፋፍነትካ ናብ ልቢ ኣምላኽ ትቐርብ እንክብሉ ከኣ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ኩሉ ግዜ "ክርድኡን" "ክሕብሕቡን" "ንተኣፈፍቲ ድኽመታት ከጸናንዑን ሓደራ ቢሎም። ቀጺሎም ከኣ "ምስቶም ዝሳቐዩ ምቅርራብናን ንሰናይ ተግባር ብጭቡጥ ተወፋይነት ኣብ መንጎና ንክዓቢን ዝኾነ ናይ ቃንዛ ኣውያት ከይተሰምዐ ከይተርፍ ፍሉይ ጸሎት ናይቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ሕሙማት ሓቲቶም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።