ድለ

Papa, contro crisi climatica imparare dalle popolazioni indigene Papa, contro crisi climatica imparare dalle popolazioni indigene  (ANSA)

ቅልውላው ክሊማ ንምፍታሕ ንመበቆላውያን ደቀባት ጽን ቢልና ክንሰምዕ ኣለና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መድረኽ 6ይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ መበቆላውያን ደቀባት ንዝተሳተፉ ጉጅለ ልኡኻት መበቆላውያን ደቀባት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ፣ መሰላቶም ክሕለዉ ብምጽዋዕ መበቆላውያን ደቀባት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ዘለዎም ወሳኒ ተራ ኣረጋጊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ባህልታትን ክብርን መሰላትን መበቆላውያን ደቀባት ከኽብሩ ድሕሪ ምምሕጻን፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ቅልውላው ከባቢ ንምፍታሕ ኣብ ምሕጋዝ እዞም ሰባት እዚኦም ወሳኒ ተራ ከምዘበርክቱ ኣፍልጦ ሂቦምዎ።

እዚ ትማል ዓርቢ ዝቀረበ ጻውዒት ቅዱስነቶም፡ ነቶም ኣብዚ ሰሙን’ዚ ምስ ኣመሓዳሪ ቤት ምኽሪ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻዊ ልምዓት (IFAD) ብምትሕብባር ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ መድረኽ 6ይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ መበቆላውያን ደቀባት ንዝተሳተፉ 40 ልኡኻት መበቆላውያን ደቀባት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ነበረ።

እዚ መድረኽ’ዚ ብ2011 ከም መድረኽ ምምኽኻርን ዘተን ኮይኑ፡ ወከልቲ መበቆላውያን ደቀባት ድኽነትን ጥምየትን ዓለም ንምጥፋእ ምስ ቤት ምኽሪ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻዊ ልምዓት  ዘለዎም ቀጻሊ ሽርክነት ንምምሕያሽ ስክፍታታቶምን፡ ሕቶታቶምን ለበዋታቶምን ዘመሓላልፉሉ መድረኽ እዩ።

ኣመራርሓ ክሊማ መበቆላውያን ደቀባት!

እዚ ክሳብ ዝመጽእ ሰኑይ ዕለት 13 ለካቲት 2023 ዓም ዝቕጽል ናይ ሎም ዘመን ጉባኤ፡ ኣብ ኣመራርሓ ክሊማ መበቆላውያን ደቀባት፡ ዘተኮረ ኮይኑ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመርኮሰ መፍትሒታት ንምድንፋዕን ጽንዓትን ብዙሕነት ህይወትን ኣብ ምዕቃብ ዘጥምት ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ንበጻሕቶም ኣብ ኣዳራሽ ኮንቺስቶርዩም ናይ ቅድስት መንበር ተቀቢሎም ሰላምታን ምስጋናን ምስ ተለዋወጡ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን፡ ከምቲ መሪሕ ቃል ናይቲ ጉባኤ ‘መበቆላውያን ደቀባት ኣብ ምሕላው ከባቢ ዘለዎም ወሳኒ ተራ ኣፍልጦ ንምሃብ’ ዝብል ዘመልክቶ “ለውጢ ክሊማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘስዕቦ ዘይተኣደነ ብድሆታት ዓለማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዘለዎም ጥበብ ንምጉላሕ ዕድል ዝህብ እዩ’ ብማለት ነቲ ኣብ ዝኽተል ዕለታት ክገብርዎ ዘለዎም ዕማም ከምዚ ክብሉ ኣውኪኦም።

“ንመበቆላውያን ደቀባት ብዝያዳ ክንሰምዖምን ካብ ኣነባብራኦም ክንመሃርን ኣሎና፡ ብስስዐ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ምብላዕ ክንቅጽል ከም ዘይንኽእል ብግቡእ ክንርዳእ እዋኑ ምኻኡና ክንግንዘብ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ከኣ ‘ምድሪ ንዓና ኣደ ምእንቲ ክትከውን፡ ንነፍሲ ወከፍና ንክንነብር ዘድልየና ክትህብ ዓቕሚ ኣለዋ’። ስለዚ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ኣበርክቶ መበቆላውያን ደቀባት ኣገዳሲ እዩ።”

ንቅልውላው ክሊማ ንምፍታሕ ምዕራባውያን ሞዴላት ምቕያር የድሊ!

ቅዱስነቶም ነቲ ንመላእ ዓሊም ሸሚሙ ከጥፍእ ቀሪቡ ዘሎ “ንምዕራባውያን ሕብረተሰባት ዘመሓድሩ ዝተጠርነፉ ናይ ስልጣን መሓውራት ዘጻወድዎ መጋበሪታት ንምቕያርን፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ብመግዛእትን፣ ምግላልን ኣድልዎን ዝተለለየ ታሪኻዊ ዝምድናታት ገዛእትን ተገዛእቲ ነበርን ሃገራት ንምቕያር ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ ስለዝኾነ፣ ጉባኤኛታት  ፍታሕ ዝኾኑ “ሓባራዊ ተግባራትን” ዘተን ኣጽኒዖም፣ ምናዳ ነቲ ካብ 2019 ዓ.ም ኣትሒዙ ዘጋጥመና ዘሎ ከባብያዊ ብድሆን ኣብ ሱር መሠረት ሰብኣውነትን ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ንዝግበሮ ጽልዋ መፍትሒ ከናዲ ኣለዎ” ኢሎም። ነዚ ዝሕግዝ ከኣ ነቲ እዞም መበቆላውያን ደቂባት ካብ ዘመናት ዝውንንዎ ባህላዊ ቅርስታት ዳግም ዋጋ ብምሃብን ብምብርባሮምን ብምስዓቦምን ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም።

ንባህላዊ ቅርስታት ደቀባት ዋጋ ምሃብ!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ ክግበር ዘተሓሳሰብዎ ኩሎም መንግሥታት ነዞም ሃብቲ ዓለምናን መጋበሪ እርማት ቅልውላው ክሊማን ዝኾኑ መበቆላውያን ደቀባት “ምስ ባህልታቶምን፡ ቋንቋታቶምን፡ ልምድታቶምን መንፈሳውነቶምን” ክቅበልዎምን ኣፍልጦ ክህብዎምን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክብረቶምን መሰሎምን ከኽብሩ ምስ ጸውዑ፡ “ኣብ ምሕላው መሬት ነቶም መበቆላውያን ማሕበረሰባት ሸለል ምባል ከቢድ ጌጋ ስለዝኾነ ሸለል ዘይምባል፣ እንተደኣ ሸለል ኢሎም ግን ከቢድ በደል እዩ’ እንክብሉ በዘን ዝስዕባ ቃላት ርእይቶኦም ኣቕረቡ።

“ንባህላዊ ቅርስታትን ውርሻታትን መበቆላውያን ደቀባት ከማኡ እውን ንሜላታት ኣቦሓጎታቶም ዋጋ ምሃብ ንዝሓሸ ምሕደራ ከባቢ ዝሕግዙ መንገድታት ንምጅማር ክሕግዝ እዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻዊ ልምዓት ማሕበረሰባት መበቆላውያን ደቀባት ንርእሰ-ምሕደራ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕርታት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ብፍላይ ድማ ንመበቆላውያን ደቀባት ዝድግፍ ገንዘብ ዝነኣድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እዚ ጻዕርታት እዚ ግን ን“ፍትሓዊ ምስግጋር” ክሕይልን ብርሑቕ ዝጥምት ውሳኔታት ከሰስነን ኣለዎ ኢሎም።

ንምቹእ ናብራ ምስ ፍጥረት ዝግበር ስኒት ወሳኒ እዩ!

ቅዱስነቶም ካብቲ ሒዞም ዝነበሩ ጽሑፍ ወጻኢ ምኽሮም ብምቕጻል መበቆላውያን ደቀባት ምስ ፍጥረትን ኣብ ማሕበረሰቦምን ስኒት ንምስዓብ ከም መፍትሕ "ምቹእ ናብራ፡ ወይውን ጥዑም ህይወት" ዝገብርዎ ጸኒዖም ክቅጽልዎ ብምትብባዕ፡ ኣንጻር እቲ ንመሬት ዘጥፍእ ዘሎ ህሉው እወጃ ፖሊሲታት ንዝገብርዎ ቃልሲ ብምሉእ ልቦም ከምዝድግፍዎ ገሊጾምሎም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ብርግጽ እቲ ጽቡቕ ህይወት ወይውን ምቹእ ናብራ ከም ኣምር በይኑ “ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን’ዩ፣ ከመይ ብዙሕ ግዜ ተግባራዊ ኣይኮነን እቲ ዝበለጸስ ምስ ከባቢና ስኒት’ዩ ካብ ዝኾነ  ሚዛን ንላዕሊ ከም ዝሕግዘና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሰባት ንጽቡቕ ከባቢ እንተዘይሓልዮም፡ (...) ናይ ሓባር ረብሓና እንተዘያኽቢሮም፡ ኢሰብኣውያን ይኾኑ፡ ምኽንያቱ ምስታ ኣደና እንብላ ምድርና ርክብ የቋርጹ፣ ነዚ ብኣጉል ትርጉም ዘይኮነስ፡ ባህሊ ስኒት ይህበና ብዝብል ትርጉም ይግብርዎ። እንተ መበቆላውያን ደቀባት ነዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም።”

ድሕሪ ቢሎም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብከላ ዘመናዊ ምዕባለ ባህሊ ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ትርር ብዝበለ ቃና “ባህልታት መበቆላውያን ደቀባት ናብ ዘመናዊ ባህሊ ክቕየሩ የብሎምን”፣ እንታይ ደኣ “ክኽበሩ ኣለዎም”፣ ከማይ ናይ ገዛእ ርእሶም መንገዲ ምዕባለ ስለዘለዎም ነዚ ክኽተሉ ክፍቀደሎም፣ ጥበቦም ድማ ክስማዕ ኣለዎ’ እንክብሉ ቃሎም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 Feb 2023, 13:09