ር.ሊ.ጳ.፥ ንኻልኦት ምእንቲ ከነካፍል እግዚኣብሔር ኣብዚሑ ጸገወና
ዕለት 24 ለካቲት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር ሓልዮ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም፥ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝገብርዎ ልግሲ ኣመስጊኖም፡ ሎሚ ዓለም ኲናትን ድኽህነትን ምግላልን ኣብ ዝገጥመሉ ዘሎ እዋን እዚ ልግሲ ህጹጽ ምዃኑ የጉልሑ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን መወዳእታ ኣብ በልጂምን ሆላንድን ሉሰምበርግን ዝተመስረተ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉስነታዊ ተልኾን ምስ ንጥፈታት ቅዱስ መንበርን ዓሚዩቕ ምትእስሳር ዘለዎ ማሕበር ግብረ ሰናይን ሓገዝ ዘተኣኻኽብን ማሕበር ሓልዮ መንበረ ጴጥሮስ ኣባላት ኣብ ክልተ ዓመት ናብ ሮማ ብዝገብርዎ መንፈሳዊ ንግደት ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቐጻሊ ገንዘባውን መንፈሳውን ደገፍ ብምሃብ ትማልን ሎምን ንዝገብርዎ “ልግስን ምጽዋትን” ስለ ምስክርነቶም የመስግኑ።
ዓቢይ ጾም ካብ ባርነት ርእሰ ፍትወት ናብ ናጻ ፍቕሪ ክንልወጥ ይጽውዓና
ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብኲናት ዓመጽ ምግላል ንዋታውን መንፈሳውን ድኽነት ይሳቐዩ ከምዘለዉ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ “ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ዘሎና ፍቕሪ ተበጊስካ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝቐርብ ጻውዒት ሎሚ ዝያዳ ህጹጽ እዩ” ቢሎም፥ ብተወሳኺ እቶም ኣባላት ናይቲ ማሕበር ሓልዮ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሮማ ዘካይድዎ ንግደት ምስ ምጅማር ዓቢይ ጾም ብዓቢዩ ዝጋጠም ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ “ዓቢይ ጾም፥ ካብ ባርነት ኢጎነት ናብ ናጽነት፡ ንእግዚኣብሔርን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምፍቃርን ንምግልጋልን ዝጽውዓና ምቹእ ግዜ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኩሉ እንውንኖ ውህበት ኣምላኽ እዩ
ልግሲ ናይቲ ማሕበር ምስቲ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ መንጎኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን ኵሉ ናይ ኵሉን ዝብል መሰረተ ህይወት ኣነጻጽሪም፥ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን “ነቶም ኣዝዮም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ህይወት ዝነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምድጋፍ ኩሉ ናይ ሓባር ገይሮም ይነብሩን ከምኡ እውን ወነንቲ ዘይኮኑስ ናይ ውህበት ኣምላኽ ኣመሓደርቲ ምዃኖም ዘስተዓሉን” ምንባሮም ገሊጾም፥
ኩሉ እንውንኖ ውህበት እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ፡ ዝተቐበልናዮ ንብረት ኣብ ምምሕዳር በቲ እቲ ወሃቢ እግዚኣብሔር ብርሃን ክንምራሕ ኣሎና። ምንጪ ልግሲ ዝኾነ መንፈሱ ወትሩ ነቶም ዝተጸገሙ ከነካፍል ብውህበታቱ ኣቢልና ድኽነት ክንቃለሶ ከተባብዓና እዩ። ምኽንያቱ እግዚእብሔር ብብዝሒ ዝህበና ብግዴና ብብዝሒ መታን ክንህብ እዩ።
ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ “ነቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ስኡናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ኣደዳ ኣድልዎ ዝኾኑን ዝተገሉን ኣብ ምፍቃር ምንባርና ተርጒይምና ንዅሉ ሰናይ ንምግባር ዝቐርብ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ” ኣተሓሳሲቦም፥ ንኣባላት ማሕበር ሓልዮ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሓልዮትን ኣማላድነትን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ጴጥሮስን ሓደራ ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።