ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስፖርት ኣብነት ህይወት እዩ!
ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር ተልመዴን ስፖርት ኣባላት ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ ስፖርት ይኹን ኣብ ህይወት ክንስዕቦም ዝግብኣና ሰለስተ ስርዓት ከም ዘሎ የመላኽቱ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 50 ዓመት ቅዋመ ናይ ሃገረ ቫቲካን ተልመዴን ስፖርተይናታት ማሕበር ምኽንያት ነቶም ኣባላት ናይቲ ማሕበር ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ብጽቡቕ ድላይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 10 ኣብ 1521 ዓ.ም. ዝቖመ ማሕበር ሎሚ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ዓይነት ዘጠቓልል ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ኣዘኻኪሮም፥ ነቶም ስፖርተይናታት፥ “ምስ ቅድስቲ መንበር ዘለኩም ምትእስሳር ክትምስክሩ” እተጸዋዕኩም ኢኻትኩም ቢሎም፥ ጥዑይ ስፖርተይና ኣብ ሰለስተ ኣንፈት ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል፥ ሓደ ስፖርተይና ክስዕቦ ዘለዎ ስለስተ መምርሒ ከም ዘሎ እውን ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥
ታዕሊም/ልምምድ
እቲ ቀዳማይ ታዕሊም ዝብል ኮይኑ፥ ስለዚ ድልምምድ “ጻዕሪ ረሃጽ መስዋዕቲ” ዘጥቓልል እዩ፡ እዚ ኵሉ ክትጾሮ ድማ ናይ ስፖርት ፍቕሪ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ተልመዴን ስፖርት ከም ሞያ ዘይኮነስ ንስፖርት ዘለካ ፍቕርን ባህታን ዝግለጽ እዩ። እዚ “ኣተሓሳስባ እዚ እንተሃልዩ እቲ ዝካየድ ስፖርትን ውድድርን ጥዑይ ይኸውን፡ እንተዘይኮይኑ ዝተፈላለየ ረብሓታት እንተድኣ ተኣታትዩ እቲ ስፖርታዊ ውድድር ይበላሾ፥ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ምግባረ ብልሽውና ዘተኣታትው ይኸውን።”
ስነ-ስርዓት
ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ክዛረቡ ከለዉ፥ ስነ-ስርዓት ሓደ ናይ ትምህርቲ መዳይ ምዃኑ ድማ ኣመላኺቶም፡ “ስነ ስርዓት ዘለዎ ስፖርተይና ሕግታት ዝኽተል ጥራይ ዘይኮነስ” ከመሃር ዝደሊ እውን ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ። “እቲ ሓቀይና ስፖርተይና ኩሉ ግዜ ክመሃር ክዓቢ ከመሓየሽ ይደሊ፡ እዚ ድማ ስነ ስርዓት ይሓትት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድራኸ
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፥ እቲ ሳልሳይ መገዲ ድማ “ድራኸ” ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፡ ነዚ ድራኸ ዘነቓቕሖን ኣብ መወዳእታኡ ናብ ጽቡቕ ፍረ ዝመርሕን ረቛሒ ገይሮም ብምትንታን፡ እቲ ፈተና ኣብ ቁጽራዊ ውጽኢት ዘይኮነስ ኣብ ጸዋዕታና ክሳብ ክንደይ እሙናትን ቅኑዓትን ምዃንና እዩ” ቢሎም፥ እቶም ዝገለጽዎም ስለስተ መዳያት ማለት፥ ልምምድን ስነ - ስርዓትን ድራኸን ኣብ መዓልታዊ ናብራ እውን ክንጸባረቕ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም “ስፖርት ንህይወት ዝኸውን ተምሳል እዩ” እክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።