ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዛዕባ “ዕቃበ ትውፊት” ዘነጽር ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዛዕባ “ዕቃበ ትውፊት” ዘነጽር ዘመሓላለፍዎ ውሳነ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዛዕባ “ዕቃበ ትውፊት” ዘነጽር ዘመሓላለፍዎ ውሳነ

ጳጳሳት ብተራኦም ካብ ቅድስቲ መንበር ፍቓድ ክሓትቱ ትሑዛት እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ክልተ ናይ መብርሂ ውስኔ ከም ዝደንገጉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ምስ ኣጠቓቕማ ሮማዊ መጽሓፈ ስርዓተ ቅዳሴ ዝተተሓሓዘ ሓድሽ ክልተ ናይ ውሳነ መብርሂ ብፍላይ ናይ ሰበኻታት ጳጳሳት ቅድመ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ ስርዓተ ሊጡርጊዊ ኣናፎራ ኣብ ቁምስናታት ተፈጻሚ ክኸውን ከምኡ እውን እቶም ድሕሪ 16 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ክጥቀሙሉ ንዘቕርብዎ ሕቶ ይኹንታ ቅድሚ ምሃቦም ካብ ቅድስቲ መንበር ፍቓድ ክሓቱ ትሑዛት ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ምስ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣርቱር ሮቸ ብውልቂ ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ብዘየማትእ መገዲ ደጊሞም ዛዕባ ኣጠቓቕማ ሮማዊ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ 1962 ዓ.ም. ውሳኔ ናይ ሰበኻታት ጳጳሳት ምዃኑ ዘረጋግጽ ግን ከኣ እቶም ጳጳሳት ብተራኦም ካብ ቅድስቲ መንበር ፍቓድ ክሓትቱ ትሑዛት እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ክልተ ናይ መብርሂ ውስኔ ከም ዝደንገጉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስልጣን ቅድስቲ መንበር

እቲ ቅድም ክብል ቅዱስነቶም ደንጊገምዎ ዝነበረ ውሳኔ መሰረት ዝተፈለለየ ትርጉም ብመራኸቢ ብዙሓን እውን ከይተረፈ ርእይቶ ክወሃበሉ ከም ዝጸንሐን እቲ ዮሓንስ መበል 23 ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ 1962 ዓ.ም. ክጥቀሙ ንዝደልዩ ማሕበረሰብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቆሞስ ክወሃቦም ዝፈቕድ ዝነበረ ነጥቢ ከምኡ እውን ባዕሎም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዕለት 21 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ነዚ ሮማዊ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ 1962 ዓ.ም. ንኽጥቀሙሉ ንዝሓቱ ብፍሉይ ዝምልከት ውሳኔ ከም ዝደንገጉን፡ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፥ “እቲ ዛዕባ ዕቃበ ትውፊት ዝምልከት ዘውጽኦ ቀዳሜ ውሳኔ ንጹርን ዘየማትእን እዩ” ቢሎም፡  ስለዚ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ውሳኔ ናይ ከባቢ ጳጳሳት እዩ፡ ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ቅድሚ ውሳኔ ምሃቡ ንቕድስቲ መንበር ክውከስን ፍቓድ ክሓትትን ከም ዘለዎን ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ “ጳጳሳት ካብ ቅድስቲ መንበር ፍቓድ ክሓቱ ግዴታ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምርግጋጽ ዕቃበ ትውፊት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደንገግዎ ውሳኔ ብተወሳኺ፥ “ጳጳሳት ዛዕባ ኣጠቓቕማ ሮማዊ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ 1962 ዓ.ም. ነቲ ዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክሕብሩ ትሑዛት እያቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ብዘይ ፍቓድ ቅድስቲ መንበር ድሕሪ ዕለት 16 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ነቲ ናይ 1962 ዓ.ም. ሮማዊ መጽሓፍ ስርዓተ ቅድሴ ንኽጥቀሙ ዘቕርብዎ ሕቶ ናብ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤተ ጽሕፈት ከመሓላልፍዎን ካብቲ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ዝወሃብ ውሳኔ ከኽብሩን ከተግብሩን ትሑዛት ምዃኖም ቅዱስነቶም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

ስለዚህ እቲ ናይ ቅዱስነቶም “ንዕቃቤ ትውፊት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ክልተ ውሳኔ ነቲ ናይ ዕለት 4 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝደንገግዎ ውሳኔ መብርህን ዘረጋግጽን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

22 Feb 2023, 15:42