ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ እዮም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሚያዝያ ኣብ ኤውሮጳዊት ሃገረ ሃንጋሪ ሓዋርያዊ ዑደት ጉክገብሩ ምዃኖምን እዚ ድማ መበል 41 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 27 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማቴዮ ብሩኒ ዋና ሓላፍ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዕለት 27 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ "ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ናይ መንግስትን በርገሳውያንን ኤቅለስያውያንን ላዕለዎት ኣካላት ብዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ቡዳፐስት ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑን ክፍልፈጥ እንከሎ፥ እዚ ጳጳሳዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መበል 41 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ር.ሊ.ጳጳሳት ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ንደሓር ሃንጋሪ መበል 61 ዝበጽሕዋ ሃገር ምዃና ብሩኒ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞኦም ምስ ስደተኛታትን ድኻታትን ከምኡ’ውን ምስ ደቂ ብፁዕ ላስሎ ባትያኒ-ስትራትማን ተቕዋም ክራኸቡን እዮም። ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣንን በርገሳውያንን መንፈሳውያን ላዕለዎት መራሕትን ኣብ ሃንጋሪ ናይ ወጽኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝርከቡሉ ዓውደ ርክብ መደረ ከምስዑን ምስ መንእሰያትን ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣባላት ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምኡ እውን ናይ ባህልን ናይ ስነ ፍልጠትን ምሁራትን ላዕለዎት ኣካላትን ክራኸቡን መደረ ከምስዑን እዮም ዝበሉ ብሩኒ ኣስዒቦም ልዕሊ ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሃንጋሪ ክርስትያን ከም ዝኾነን፡ እንተወሓደ 37 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ካቶሊክ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዩክሬን ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣስታት 1 ሚልዮን ዜጋታት ዩክሬን ከም ስደተኛታት ብሃንጋሪ ኣቢሎም ከምዝተጓዕዙ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ይሕብሩ።