ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እቶም ኲናት ዘባርዑ ንእግዚኣብሔር ይጠልሙ!

እቶም ክርስቶስ ዝመርጹ ሰላም ይመርጹ፡ ኩሉ ግዜ እቶም ውግእን ዓመጽን ዘባርዑ ንእግዚኣብሔር ይጠልሙን ንወንጌሉ ድማ ይኽሕዱ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ንዝተረኽቡ ምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኵሎም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ክጽልዩን ንሰላም ክሰርሑን ብሓባር ክጓዓዙን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱሱነቶም ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ካልኣይ ውዕሎ ኣብ መዛዘሚ ጁባ ኣብ ዝርከብ ናይ ነፍሰ ሄር ዶክተር ጆን ጋራንግ ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ኣብቲ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ስኮዚያ ቤተ ክርስቲያንን ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መደብ ጸሎት፥ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ካብታ ብዓመጽ ኣዚዩ እተሃሰየት ደቡብ ሱዳን ብዙሕ ጸሎት ናብ ሰማይ ይዓርግ ከም ዘሎ” ኣመልኪቶም፥ ኣብ ጸሎትን ስራሕን ምጉዓዝን ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ድማ፥

ጸሎት

እቲ ቀዳማይ ክንገብሮ ዘሎና ጸሎት እዩ፥ ጸሎት ንቕድሚት ክንከይድ ንፍርሒ ክንስዕሮ ኣብ ጸልማት ኣውን እንተኾንና ነቲ እግዚኣብሔር ሕጂ እውን ዘዳልዎ ንዘሎ ድሕነት ክንርኢ ሓይሊ ከም ዝህበና ኣስተብሂሎም፡ ኣስዒቦም ድማ “ጸሎት ድሕነት እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የውርድ፡” ጸሎት ምልዶ ድማ ንሕና ከም ጓሶት ቅዱስ ህዝበ እግዚኣብሔር ብፍላይ ክንፍጽሞ ዝተጸዋዕናሉ ዓይነት ጸሎት እዩ” ቢሎም፥

ኣብ ብዙሕነት ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ንኹሉ ሰብ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ክንጽሊ ሓላፍነት ዝስምዓና ኣብ መንጎና ሓድነት ክስምዓና ኣለዎ።

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ`

ስራሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስራሕ ዝብል ግሲ ድማ ክዛረቡ እንከለ፥ ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ኣብ መንጎ ግጭታት ኣብ ዝግበር ዕርቂ ጥራጥ ዘይኮነስ፡ “ካብ ምጥርናፍን ካብ ዘይምምጻይን ካብ ምሕረት ምግባርን ዘይምስዓርን ካብ ምትዕራቕን ካብ ጸቕጢ ዘይምዃንን ዝመጽእ ሕውነታዊ ሕብረት” ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ከይተሓለልና ንስራሕ፡ “መንፈስ ኢየሱስን ኣቦን ክንሃንጾ ዝላበወና ሰላም፡ ብዙሕነት ዘወሃህድን ኣብ ብዙሕነት ሓድነት ዘስፍሕን ሰላም” ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፥

እቶም ክርስቶስ ዝመርጹ ሰላም ይመርጹ፡ ኩሉ ግዜ እቶም ውግእን ዓመጽን ዘባርዑ ንእግዚኣብሔር ይጠልሙን ንወንጌሉ ድማ ይኽሕዱ!

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ “ኢየሱስ ዝምህረና ንጹር እዩ። ኩሉ ሰብ ከም ውላድ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናይ ሓባር ኣቦ ስለ ዝፍቀር ንዅሉ ከነፍቅር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉዕዞ

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ግሲ፥ “ምጉዓዝ” ዝብል ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ኣብዛ ሃገር “ማሕበረሰብ ክርስቲያን መስርሕ ዕርቂ ንምድንፋዕ ብዕምቆት ተወፋይነት ከምዝገብር” ኣስተብሂሎም፡ ነዚ “ካብ ምፍጻም እተወልደ ዜንጸባርቕ ምስክንረት እምነተ” ቅድሚ ብቓላት ምግላጹ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ታሪኻዊ ምፍልላይ ሓደ ዘይልወጥ ሓቂ ማለት ክርስቲያን ምዃንና ብግብሪ እውን ተገሊጹ ኣሎ።”

ቅዱስነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ሓድነት ክርስቲያን ክዛረቡ እንከለዉ ነዚ ክውንነት እዚ “ክቡር ሃብትን” ንስም ኢየሱስ ናይ ምምስጋን ተግባርን እንክብሉ ገሊጾም፥

ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዘሎ ምስክርነት ሓድነት ናብ ምሉእ ህዝቢ ይውሕዝ!

ዝኽርን ተወፋይነትን

ቢሎም ንደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ጉዕዞኦም ክጸንዑ ዘተባብዕ ክልተ ናይ መወዳእታ ቃላት፥ ዝኽርን ተወፋይነትን ዝብላ ኣዘኻኺሮም፥ ዝኽሪ ማለት “እቶም እትወስዶም ስጉምትታት ኣሰር እቶም ቅድሜኻ ዝኸዱ ዝስዕብ ምዃኑ ምርግጋጽ ማለት እዩ። ተወፋይነት ማለት ፍቕሪ ጭቡጥ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ናብ ሓድነት ምጉዓዝ ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜን ኣቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ሓዋርያው መገሻ ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ወልባይ ምስ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ዶክተር መጋቤ ያን ብሓባር ናይ ሰላም ንጋዲ ኮይኖም ዝፈጸምዎ ምዃኑ ኣስተ ብሂሎም፥

ብቐጻሊ ካብ ልቢ ንፋቐር!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 February 2023, 08:53