ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕገ ቀኖና ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን መድሕናዊ ተልእኾ ዝተኣሳሰረ እዩ!
ዕለት 18 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ - ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ሕቀ ቀኖናን ቀኖናውያንን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ መንጎ ጉስነትን ቀኖናዊ ሕግን ዘሎ ኣገዳሲ ምእትእስሳር ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ዓወደ መጽናዕትን መደብ ህንጸትን ዝተሳተፉ ተመሃሮ ተቐቢሎም፡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብ መንጎ ወንጌላዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ሕገ ቀኖናን ዘሎ ዓሚቑ ምትእስሳር እንከብርሁ፥ ስብከተ ወንጌል ብዘይ ቀኖናዊ ሕጊ ክፍጸም ከም ዘይክእልን እዚ ኸኣ ልቢ ቀኖና ምስ “ናይ ሕብረት ንብረት ብፍላይ ድማ ምስ ቃል እግዚኣብሔርን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ” እዩ። “ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሕብረተሰብን ምስ ክርስቶስ ናይ ምርኻብ መሰል ኣለዎ፡ ኩሉ ስርዓታትን ፍርዳዊ ተግባራትን ድማ ሓቅነትን ፍርያማነትን ናይቲ ርክብ ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ፥
ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እምበኣር ምስ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ብጥልቂ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ከም ሓደ ካብቲ ኣድላዪ መዳያት። እዚ ድማ ፍትሒ ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ሰናይ ድሕነትን እዩ!
ሕጊ ኩነት ፍቕሪ እዩ
ቅዱስነቶም ብቓላት በነዲክቶስ መበል 16 ኣቢሎም፥ “ሕጊ ኩነት ፍቕሪ ስለ ዝኾነ’ ንናይ ሕጊ ተመሃሮ “ሕገ ቀኖና ከፍቅሩን ብፍቕሪ ዓይኒ ክምልከትዎ” ኣተሓሳሲቦም። ሕገ ቀኖናውያን ብቐንዱ ምስ ስርዓታት መቕጽዒ ሕግታትን ውሳነ ምትሕልላፍን ዝተተሓሓዘ እኳ እንተኾነ ናይ ህዝቢ ሰብኣዊ መሰላት ከይረስዑን ኣብ ማእከል ስርሖም “ህዝቢ” ከቐምጡ ኣለዎም ቢሎም፡ ጠበቓታት ሕገ ቀኖና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቀይና ፍትሒ ከጉልሑ ኣለዎም፡ እዚ ዕማም እዚ ድማ ኣብ ስብከተ ወንጌል ዓቢ ኣበርክቶ ክህሉ ዝገብር እዩ፡ ብሕጊ መሰረት ንነፍሲ ወከፍ ንጽል ጉዳያት ክምልከቱ እንከለዉ፡ ነቲ “ሓባራዊ ጭቡጥ ሰናይ” ከለልዩ ይግባእ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሲኖዳዊ ጉዕዞ ኣብ ሕገ ቀኖና
ቀጺሎም ቅዱነቶም ኣብ መንጎ ሕገ ቀኖናን ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው፡ “መንፈስ ሲኖዶስ ኣብ ኩሉ መዳይ ፍርዳዊ ዕማማት ክንብርን፡ ንመንፈስ ቅዱስ ኣናጸዋዕካ ኣብ ሓድሕዳዊ ምስማዕ ብሓባር ምጉዕዝ ፍትሓዊ ንምዃን መተካእታ ዘይብሉ ቅድመ ኩነት እዩ።” ቀኖናውያን ንቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ብዝበለጸ ከም ዘገልጉግሉ ምእንቲ ከመሃሩ ኩሉ ግዜ ብመንፈስ ትሕትናን ናይቶም ዝያዳ ምኩራት ዝኾኑ መሳርሕቶም ርእይቶ ክሓቱን ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርድን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንሓልዮ ኣባይቲ ስድራን
ቅዱስነቶ ኣብ መንጎ ጉስነት ንሓልዮ ኣባይቲ ስድራን ኣባይቲ ፍርዲ ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ምትእስሳር እውን ኣብሪሆም፥ “ጉስነት ሓልዮ ኣባይቲ ስድራ ምስ ሓዳር ዝተኣሳሰሩ ሕጋዊ ሕቶታት ሸለል ክብል ኣይክእልን” ኣብዚ ድማ ፍቱሕ ይኹን ዝብል ውሳኔ ዝወሃቦ ምስጢረ ተክሊልን ወይ ውን ኣልቦ ሩካቤ ዝኾነ ተኽሊል ከም ኣብነት ጠቒሶም ከም ዘብርሁን፡ ኣብ ክልቲኡ ዝጠቐስዎ ኣብነትታት፡ ቀኖናውያን ኣገዳሲ ኖላዊ ባእታ ዘለዎም ሕቶታት ይገጥሞም ከም ዘሎ ክዝንግዑ ከም ዘይክእሉ ኣዘኻኺሮም፥ “መጻምድቲ ንተኽሊል ወይ ነቲ ሕራይ ዝበለዎ ሓደ ናይ ምዃን ሕብረቶም ውሑስ ንምግባር ዝከእላአና ኩሉ ናይ ምግባር ግዴታ ሸለል ክንብሎ ኣይከኣለናን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ዕዮታትና ሓቅን ተበጻሕነትን ቅንዕናን ዝተመልኦ ቅልጣፈ ወትሩ የድሊ፡” ቢሎም፥
መሰሌት ፍትሒ
ቅዱስነቶም እቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቶም ናይ ሕገ ቀኖና ተመሃሮ ኣብ ቃል ኣምላኽ ሓቀይና ሰናይ ንምርካብ ዝገብርዎ መጽናዕቲ ክቕጽሉ ኣተባቢዖም፥ንዓዓቶምን ዕዮታት ኣባይቲ ፍርዲ ቤተ ክርስቲያንን “ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሰሌት ፍትሒ” ኣወኪፎም ዛዚሞም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ኣፍሊጡ።