ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ትርጒም ኣልቦን ጨካንን” ኲናት ዩክረይ ከብቕጽ ጻውዒት የቕርቡ
ዕለት 22 ለካቲት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ “ትርጒም ኣልቦን ጨካንን” ወግእ ከብቅዕ ተኹሲ ደው ንምባል ዝድርኽ ዘተ ሰላም ክብገስ ዘኽእል ጭቡጥ ጻዕሪ ክግበር” ዘቕረብዎ ጽዋዒት ደጊሞም ከም ዘቕረቡን፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብታ ብኲናት ኣዚያ ዝተሃስየት ዩክረይን ሰላም ክወርድ ደጊሞም ጻውዒት ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፥ “ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዕለት 24 ለካቲት እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸን ዘሎ ትርጉም ኣልቦን ጨካንን ኲናት ካብ ዝብገስ ሓደ ዓመት ከቑጽር እዩ እዚ ዘሕዝን ዝኽሪ እዩ፥ “ቁጽሪ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ስደተይናታትን ዝተነጸሉን ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት ባዕሉ ኲናት እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ልሳን እዩ - እግዚኣብሔር ነዚ ኩሉ ገበናትን ዓመጽን ይቕረ ይበለና። ንሱ ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ቅርበትና ኣይነቋርጸሉ . . . እቲ ኲናት ደው ንምባል ዝከኣል ኩሉ ተገይሩ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፥ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ነቲ ግጭት ንምውጋድ ጭቡጥ ጻዕሪ ኪገብሩ ጻውዒት አቕርብ - ተኹሲ ደው ንምባል ዝድርኽ ዘተ ሰላም ክጅምር፥ ኣብ ፍርስራስ ዝህነጽ ነገር ኩሉ ፈጺሙ ሓቀይና ዓወት ክኸውን ኣይክእል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።