ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ

ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር፥ ቅዱስነቶም መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ሮማ ምስ ኣተዉ . . .

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ተመልሱ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምብጋሶምን ኣብ ምምላሶንም ከም ዝገብርዎ፡ እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት በማላድነት ቅድስተ ድንግል ማርያም ንኸመስግኑ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከም ዝነገዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር፥ ቅዱስነቶም መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ሮማ ምስ ኣተዉ ቅድሚ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምኻዶም ብቕጥታ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 February 2023, 10:34