ር.ሊ.ጳ.፥ ስፖርት ንመንፈሳዊ ህይወት ስነ ስርዓትን ጽንዓትን ከስርጽ ይኽእል
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ለካቲት ንናይ ኢጣሊያ ናይ ፐንታትሎን ስፖርት ፈደረሽን ኣባላት ተቐቢሎም፥ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ስፖርታዊ ንጥፈታት ንመንፈሳዊ ህይወትና ዝሕግዝ ስነ ስርዓትን ፈጠራዊ ኣገባብን ጽንዓትን ክህሉ ዝድርኽ” ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣካየድትን ስፖርተይናታትን ፈደረሽን ዘመናዊ ፐንታትሎን ኢጣልያ ከም እተራኸቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ ስፖርት ነባሪ ዋጋ ከም መገዲ ንውልቃዊ ምምሕያሽ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘስተንተነ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይቲ ዘመናዊ ስፖርት፥ ከም ምጭማት ዕላማ ምሕንባስን ጉያን ናይ ፈረስ ውድድርን ዘጠቓልል ዘመናዊ ፐንታትሎን ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ዓይነት ስፕርት፡ ሱሩ ጥንታዊት ግሪኽ ምዃና ኣዘኻኺሮም፥ ኩሉ ስፖርት ንዕቤት ኣካላውልን ኣእምሮኣውን ዘተባብዕ ብዙሕ ዕዮታት ዝሓትትት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።
ትምህርታዊ ዋጋ ስፖርት
ቅዱስነቶም ስፖርት ትምህርታዊ ዋጋ ከም ዘለዎ ብምዝኽካር፥ ኣብ ህይወት በዚ ዓይነት ስፖርት ኣቢልካ ንኽትዋሳእ ስለ እትጽዋዕ ንእተካይዶ ዓይነት ስፖርት ስርዓቱ ብምኽባር ክትግብሮ እንኮለኻ ገዛእ ርእስኻ እንገልጸሉ ትምህርታዊ ዋጉኡ ትምስክር፥
ብሉጽነት ጽቡቕ ነገር እዩ፡ ጽሬት ህይወትና ግን ኣብዚ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ጽቡቕ ማእከላይ ውጽኢት ኣብ ምፍጣር እዩ!
እቲ ኣትሌት ብሓቂ ድማ ኵሉ ሰብ ብኹለንተናዊ መገዲ “ወሳኒ ሓድነት ጽኑዕ ሕመረት ከምኡ እውን ዓቢይ ቅንዕናን ናይ ምቕያርን ምትዕጽጻፍን ብቕዓት ዘለዎ” ክኸውን ይግባእ፥ ብኻልእ ኣዘራርባ ህይወትና “ኣብ ተዓጻጻፍነት ምርግጋእ” ይሓትት።
መንፈሳውን ኣካላውን ምምሕያሽ
ቅዱስነቶም እቲ ፈደረሽንን ኣባላቱን ዝህብዎ ሓባራውን ውልቃውን ምስክርነት ሓድነት ኣመስጊኖም፥
ስፖርት ክሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ብትዕግስቲ ምንቅስቓስ ኣካላት ብመሃዝነትን ጽንዓትን ክንመሓየሽ ስለ ዝምህረና፡ ኣብቲ ክንበጽሖ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክንበጽሕ ዘኽእለና እዩ።
“እዚ ናብ ምምሕያሽ ዝወስድ መገዲ ምስ መንፈሳዊ ተግሳጽን ምምሕያሽን ኢድ ንኢድት ተተሓሒዙ ዝኸይድ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ ትርጉም ህይወትን ገዛ ርእስናን ዝምድናታትናን ብዝበለጸ ንኽንርዳእ ዘኽእለና እዩ” ቢሎም፥
ለጋስን ውፉይ ልብን
እቲ ፈደረሽንን ስፖርተይናታትን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንዝገብርዎ ጻዕሪ፥ ንኣባይቲ ሕክምና ህጻናትን ንኣብነት ንቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዝገበርዎ ሓገዝ ንኢዶምን፥ “እቲ ዓቢ ውድድር ድማ ለጋስን ውፉይ ልብም ምህላው ዝብል እዩ፥ ምኽንያቱ ሰናይ ተግባርና ዘውህቦ ስልማት እዩ ልብና ዝመልእን ዘለዓለማውን” እንክብሉ ዝስገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።