ድለ

ስለ ኣፍሪቃ ክሞታ ድሉዋት ዝኾና ተባዓት ነፍሳት የድልየና! ር.ሊ.ጳ ንውሉደክህነት ደቡብ ሱዳን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝፍጽሙሉ ዘለው እዋን ምስ ውሉደ ክህነት ናይቲ ዓዲ ማለት ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣብ ጁባ ቃሎም ኣብ ዘስምዑሉ እዋን፡ ምእንቲ ኣፍሪቃ ክሞታን ክትሳቐያን ድሉዋት ዝኾና ተባዓትን ለጋሳትን ነፍሳት ከምዘድልያ ብምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ለጊሶም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋት ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን! ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን! ዝኸበርኩም ተመሃሮ ዘርአክህነትን! ደሓዶ ሓዲርኩም! ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘ ክረኽበኩም ብሃንቀውታ እጽበ ነረ፣ ስለ እዛ ህሞት እዚኣ ድማ ንጐይታ ከመስግኖ እደሊ። ንብፁዕ አቡነ ቶምበ ትሪለ ስለቲ ናይ ሰላምታ ቃላቶም ንዓኹም እውን ንኹልኹም ሎሚ ኣብ ብምህላውኩም አየመስግን፤ ገለ ካባኻትኩም ኣብዚ ንክትህልው ንመዓልታት ተጓዒዝኩም! ሓያሎ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮታትና፥ ብ2017 ዓም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበረ ጽምብል፡ ስለ ህያብ ሰላም ብሓባር ኣብ ዝጸለናሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን ብ2019 ዓም ምስቶም ክተሓቛቖፉ ዝተሓተቱ መራሕቲ ፖለቲካ፡ ብጸሎት ዝገበርናዮ መንፈሳዊ ሱባኤ፣ ኣብዛ ሃገር ዕርቅን ሕውነትን ንምስዓብ ዝተወስደ ጽኑዕ ውሳኔ ኣብ ልበይ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ። ብርግጽ ኩላትና ነቲ ሰላምናን ተስፋናን ዝኾነ ኢየሱስ፡ ክንሓቑፎ የድልየና። ትማሊ ኣብ ዝሃብክዎ ቃል፡ ነቲ ብሃገርኩም ዝውሕዝ ማያት ፈለግ ናይል፡ ነታ ክፋል ዓድኹም ከም ዓንዲ ሕቖኡ ጌረ ስኢለዮ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ማይ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ምድረበዳ ኮለል ክንብል እንከለና ጽምእና ኣብ ምርዋይ ዘርእዮ ርህራሄ፡ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቅና ኣብ ምንጻህ ምስ ዝገብሮ ምሕረቱ ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ጥምቀት “ብማይ ዳግማይ ልደትን ምሕዳስን ብመንፈስ ቅዱስ” ቀዲሱና (ቲቶ 3፡5)። ብተመሳሳሊ ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣመለኻኽታ ንማያት ፈለግ ናይል ዳግማይ ክጥምቶ ምደለኹ። ብሓደ ወገን ኣብ ስቓይን ቃንዛን ናይ ዝጠሓለን፡ ብዓመጽ ዝሳቐን ህዝቢ ንብዓት ኣብ ሩባ እዚ ውሒዝ’ዚ ይፈስስ፤ እዚ ሕዝቢ እዚ ከምቲ ጸሓፊ መዝሙር ዝብሎ "ኣብ ጥቓ ሩባታት ባቢሎን ኣብኡ ተቐሚጥና ንበኪ ነበርና" (መዝ 137፡1) እናበለ ክጽሊ ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ብርግጽ ማያት እዚ ዓቢ ሩባ እዚ ስቓይን ቊዘማን ማሕበረሰባትኩም፡ ኣውያት ቃንዛ ናይ ክንደይ ዝተሰብረ ህይወት፡ ድራማ ናይ ሓደ ህዝቢ ዝሃድም፡ ጸበባ ልቢ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዓይኒ ህጻናት ዝተሳእለ ፍርሕን ይእክብ። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ማያት እቲ ዓቢ ሩባ ናብ ታሪኽ ሙሴ ይመልሰና፣ በዚ ድማ ምልክት ሓርነትን ድሕነትን ኮይኑ: ከምቲ ብሓቂ ሙሴ ካብቲ ማያት ድሒኑን፣ ንስድርኡ ናብ ማእከል መሪሑን፣ ኣብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ፡ መሳርሒ ሓርነትን ዘይድምሰስ ምስሊ ናይቲ ስቓይ ደቁ ርእዩን፡ ኣውያቶም ሰሚዑን ሓራ ክገብሮም ዝወርድ ሓገዝ ኣምላኽ ምልክት ኮይኑ (ዘጸ 3፡7)። ንህዝቢ እግዚኣብሔር ብበረኻ ዝመርሐ ታሪኽ ሙሴ ብምርኣይ፡ ብኩናት፡ ጽልኢ፡ ዓመጽን ድኽነትን ኣብ ዝልለ ታሪኽ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ እስኪ ንርእስና ንሕተት። ኣብዛ ምድሪ፡ ኣብ ገምገም እቲ ብኽንድዚ ዝኣክል ንጹህ ደም ዝተሓጽበ ሩባ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቡና ንብዓት ዝነብዑ ገጻት ህዝቢ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣገልግሎትና ከነዘውትር ንኽእል? ነዚ ክምልስ እንክክፍትን ኣብ ክልተ መዳያት ባህርይ ሙሴ ከስተንትኖ እፈቱ፡ ማለት ኣብ ልኡምነቱን ኣማላድነቱን። ብዛዕባ ታሪኽ ሙሴ እንክንምልከት ብቀዳምነት ዝምስጥ ልኡምነቱ እዩ፣ ንተበግሶ ኣምላኽ ዝህቦ ተኣዛዝነቱ እዩ። ይኹን እምበር፡ ወትሩ ከምዚ እዩ ነይሩ ኢልና ክንሓስብ የብልናን: ከመይ ኣብ ፈለማ ንዘይፍትሓውነትን ጭቆናን ባዕሉ እዩ ክቃለሶ ፈቲኑ። ብጓል ፈርዖን ካብ ማያት ፈለግ ናይል ድሒኑ፣ ድሕሪኡ መንነቱ ምስ ፈልጠ ብስቓይን ውርደትን ኣሕዋቱ ተተንኪፉ፣ ክሳብ ሓደ መዓልቲ ፍትሒ ኣብ ኢዱ ክሕዝ ወሲኑ: ንሓደ ዕብራዊ ኪሃርም ዝጸንሖ ግብጻዊ ቀተሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ በረኻ ክሃድም ተገደደ፣ ኣብኡ ድማ ንብዙሕ ዓመታት ጸንሐ። ኣብኡ ድማ ሓደ ዓይነት ውሽጣዊ በረኻ ኣጋጠሞ። ኣብ መጀመርያ ንኢፍትሓውነት ባዕሉ ክገጥሞ ዝኽእል መሲልዎ ነበረ፣ እንተኾነ ሕጂ ንሱ ንባዕሉ ኣብ ህድማ ኮይኑ፣ በይኑን ተሓቢኡን ዝርከብ ብምንባሩ፣ መሪር ስምዒት ውድቀት ኣጋጠሞ። ጌጋ ሙሴ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ቢልና ምስ እንሓትት፣ ንነብሱ ኣብ ማእከል ኩሉ ኣቐሚጡ ነበረ፣ ኣብ ሓይሉ ጥራይ ድማ ተጸጊዑ ነበረ። እንተኾነ ካብ ሰብኣዊ ኣገባባትና ኣብቲ ዝሓሰመ መጻወድያ ማለት ንዓመጽ ብዓመጽ ምላሽ ኣብ ምሃብ ወዲቁ ተረኽበ። ሓደ ሓደ ግዜ ተመሳሳሊ ነገር ኣብ ህይወትና ከም ካህናት: ዲያቆናት: ገዳማውያን ተመሃሮ ዘርአክህነት ንዓና እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ፣ ኣብ ውሽጥና ማእከል ናይ ኩሉ ዝኾንና ኮይኑ ይስመዓና! ብግብሪ እኳ እንተዘይኮይኑ እንተወሓደ ብክልሰ-ሓሳብ ዳርጋ ብመንፈዓትና ጥራይ እንኣኽሎ ኮይኑ ክስመዓናን በዚ ክንተኣማመንን፤ ወይውን ወይ ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ንመከራን ድሌታትን ሰባት ዝኸውን መልሲ ብዓቕሚ ሰብ፡ ከም ገንዘብ፡ ብልሓት ወይ ስልጣን ክንረክብ ንኽእል ኢና ኢልና ንሓስብ። የግዳስ ኩሉ እንፍጽሞ ካብ ኣምላኽ እዩ ዝመጽእ: ንሱ እግዚኣብሔር እዩ፣ ንሕና ድማ ኣብ ኢዱ ተኣዘዝቲ መሳርሒታት ክንከውን ተጸዊዕና ኣለና። ሙሴ ነዚ ዝተመሃሮ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ኣምላኽ ክረኽቦ ምስ መጸ፡ "ኣብ ማእከል ቁጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ" ምስ ተራእዮ (ዘጸ 3፡2) እዩ። ሙሴ በዚ ራእይ እዚ ይሰሓብ፣ ንኽግረም ክፉት ስለ ዝነበረ ከኣ ብለውሃት ናብቲ ዝገርም ዝነድድ ሓዊ ቀረበ። በቲ ሓዊ ክበርህ ኣብ ይፈቅድ እሞ፣ "ነዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ ከይደ ደኣ ክርኢ፡ እዛ ቘጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞዅ ቢላ ዘይትቃጸል?" (ቁ. 3) ቢሉ ይሓስብ። ንኣገልግሎትና ዘገልግል ተኣዛዝነትከስ እነሆ ኣብዚ ኣሎ፡ ናብ ኣምላኽ ብኣግራሞትን ትሕትናን ምቕራብ፡ ብእኡ ክንስሓብን ክንምራሕን ምፍቃድ፤ ቀዳምነት ንዓና ዘይኮነስ ንኣምላኽ ምሃብ፣ ቅድሚ ብቃላትና ምጥቃምና ብቃሉ ምትእምማን፣ ቅድሚ ኣብ ውልቃውን ቤተ ክርስቲያናውን መደባትና ምትኳርና ንተበግሶኡ ብትሕትና ክንቅበሎ ኣሎና። ንኣገልግሎትና ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንነብሮ ዘኽእለናኸስ እዚ ብተኣዛዝነት ንነፍስና ጐይታ ክቀብኣ ምፍቃድ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ጐይታ ንሕና መራሕቲ ቀቢላ ዘይኮንና፣ ርህሩሃትን መሓርትን ጓሶት ምዃንና ንርዳእ። ጎይቶት ህዝቢ ዘይኮናስ፡ እግሪ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክሓጽቡ ድንን ዝብሉ ባሮት፤ ምድራዊ ንብረት ዘመሓድሩ ዓለማዊ ተቊዋማት ዘይኮነስ ማሕበረሰብ ደቂ ኣምላኽ ምዃና ንረዳእ። እስከ ከም ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ንበል! ብትሑት ኣኽብሮት ኣሳእና እስኪ ነውጽእ (ቁ. 5)፣ ነቲ ሸፊኑና ዘሎ ሰብኣዊ ኣምሰሉነትና ንእለዮ፣ ብጎይታ ክንስሓብ ንፍቀድ እሞ ምስኡ ዘሎና ርክብ ብጸሎት ነማዕብል፤ ነፍስወከፍ ዕለትና ናብ ምሥጢረ እግዚአብሔር ነማዕቊቦ፣ ሽዑ ንሱ ነቲ ኣእሻዂ ትዕቢትናን ዘይተኣደነ ሃረርታናን ህርፋንናን ኣቃጺሉ ናይቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቡና ትሑታት ኣሰነይቲ መገሻ ክገብረና እዩ። ሙሴኸስ ብመለኮታዊ ሓዊ ነጺሑን በሪሁን ነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ህዝቡ መሳርሒ ድሕነት ይኸውን፤ ንእግዚኣብሔር ዘለዎ ተኣዛዝነት ንኣሕዋቱ ኺልምን ከም ዝኽእል ይገብሮ። እታ ብዛዕባኣ ክዛረበኩም ዝደልያ ካልአይቲ ሓሳብከስ እነሀት! ኣማላድነት ትበሃል። ሙሴ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣውያት ህዝቡ ሸለል ዘይብል እኳ ደኣ ሓራ ክገብሮ ናይ ዝወርድ ርህሩህ ኣምላኽ ተመክሮ ይገብር። እዛ ግሲ እዚኣ ጽብቕቲ እያ: ምውራድ! እግዚኣብሔር በቲ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ርሕራሔ ኣቢሉ፡ ሞትናን ሲኦልናን እናለብለቦ፡ ብኢየሱስ ኣቢሉ ሥጋና ክሳብ ብምውሳድ ኣብ መንጎና ይመጽእ። ኩሉ ግዜ መሊሱ ከልዕለና እዩ ዝወርድ። ተመኲሮ ናቱ ዘጋጠሞ ድማ ንዕኡ ክመስሎ ይምራሕ። እቲ ኣብ መንጎ ናቱ "ዝወርድ" ሙሴ እውን ከምኡ ዝገብር: ንምድረበዳ ሲና ኣብ ዝገበርዎ ጒዕዞ ብዙሕ ግዜ ካብ ደብረሲና ይወርድ ነበረ። ብሓቂ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ከቢድን ህሞታት ስለ ህዝቢ ንምልማን ማለት ኣብ ውሽጢ ታሪኾም ንርእሱ ብምቕማጥ ናብ እግዚኣብሔር ንኸቕርቦ ኢሉ ናብ እምባ ህላዌ ኣምላኽ ይድይብን ይወርድን ነበረ። ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንሓስቦ፣ ምምላድ ማለት ንማለቱ " ስለ ሓደ ሰብ ምጽላይ" ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ቃል ንቃሉ እንክትርጐም "ኣብ መንጎ ስጉምቲ ምውሳድ" ማለት እዩ፣ ንነብስኻ ኣብ ማእከል ሓደ ኩነታት ንምቕማጥ ስጉምቲ ምውሳድ» (C.M. MARTINI, Un grido di intercessione, Milan, 29 January 1991) ማለት እዩ። ምምላድከስ እምበኣር ኣብ ማእከል ህዝቢ ንክትከውን ምውራድ እዩ፣ በዚ ከኣ ምስ ኣምላኽ ዘራኽብ "ድልድላት ትኸውን" ማለት እዩ። ንጓሶት ዝሕተት እውን ብልክዕ ነዚ "ኣብ ማእከል ምጉዓዝ" ዝብል ሥነ-ጥበብ ኣብ ማእከል ስቓይን ንብዓትን: ኣብ ማእከል ጥሜት ኣምላኽን ጽምኢ ፍቕሪ ኣሕዋትን ኣሓትን ንከማዕብሉ እዩ። ቀዳማይ ግቡእና ፍጹም ዝተወደበት ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ብስም ክርስቶስ ኣብ ማእከል መከራ ሕይወት ህዝቢ ደው ኢላ ስለ ኣገልግሎት ህዝቢ ኢዳ እተርስሕ ቤተ ክርስቲያን ምዃን እዩ። ኣብ መንጎ ሕዝና ኰና ብሓባር ክንመላለስ፡ ምስማዕን ምዝርራብን ክንመሃር፡ ኣብ መንጎ ኣገልገልትን ምእመናንን ብምትሕብባር እምበር፡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ክብሪ ተኸቲልና ኣገልግሎትና ፈጺምና ክንጥቀመሉ የብልናን። ኣብዚ፡ ነዛ ኣገዳሲት ቃል ክደግማ እፈቱ፡ ኩልና ብሓባር፣ ጳጳሳትን ካህናትን፡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ጓሶትን ተመሃርቲ ዘርአክህነትን፡ ዝተቐብኡ ኣገልገልትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን፡ ወትሩ ነቲ መስተንክር ፍሉይነት ሃይማኖታዊ ሕይወት ክብሪ ዝሕብሕብ፡ ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፈተና ውልቃውነትን፡ ወገናዊ ረብሓታት ምድላይን ክነሸንፎ ንጋደል። ውህደት ዘይብሎም ክተሓባበሩ ዘይክእሉ ጓሶት ነፍሳት፣ ነንሓድሕዶም ከይተረፈ ሸለል ዝብሉ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ! ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ቅርበት፡ ብተግባር ዝግለጽ ምትሕብባር ነማዕብል። እዚ ኣብ መንጎና እንተዘይተፈጺሙስ ከመይ ጌርና ንኻልኦት ክንሰብኮ ንኽእል? ሕጂ ናብ ሙሴ ንመለስ፡ ብዛዕባ ጥበብ ኣማላድነት ንምስትንታን ድማ ናብ ኣእዳዉ ንርአ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብዚ መዳይ ሠለስተ ምስልታት ኣቕሪቦምልና ኣሎው፡ ሙሴ በትሪ ኣብ ኢዱ፡ ሙሴ ኣእዳዉ ዘርጊሑ፡ ሙሴ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ዝብላ ሓረጋት ክንምልከት ኢና። እቲ ቀዳማይ ምስሊ፡ ሙሴ በትሪ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ብትንቢት ከም ዝልምን ይነግረና። በታ በትሪ እቲኣ ተኣምራት ይሰርሕ፣ ምልክታት ህላወን ሓይልን ኣምላኽ፤ ብስም ኣምላኽ ይዛረብ፣ ነቲ ህዝቢ ዝወርዶ ዘሎ ጭቆና ብሓይሊ ይኹንን፣ ንፈርኦን ድማ ክገድፎም ይሓትት። ኣሕዋትን ኣሓትን ንሕና እውን ስለ ህዝብና ክነማልድ ዝተጸዋዕና፣ ኣንጻር እቲ ንሕዝቢ ዝጭፍልቕ ዓመጽን ረብሓ ንግዶም ምእንቲ ከካይዱ ንዓመጽ ዝምዝምዙን ኣብ ጽላል ግርጭታት ተሓቦኦም ብምንቅስቃስ በደልን ግህሰት ስልጣንን ንዝፍጽሙ ድምጽና ከነስምዕ ተጸዊዕና ኣለና። ኣማላድቲ ጓሶት ነፍሳት ክንከውን እንተደሊና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሰንኪ በደልን ዓመጽን ዝመጽእ ቃንዛ ገለልተኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና ምኽንያቱ፡ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ሰብኣይ ብመሰረታዊ መሰላቶም ኣብ ዝተጎድኣሉ እዋን፡ በደል ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ እዩ። ኣቦና ሉቃስ ቤተ ክርስቲያን ትንቢታዊን ጉስነታውን ኣገልግሎት ብሓባር ንምፍጻም ደው ከምዘይትብል ብማለት ንዝሃብዎ ምስክርነት ምስ ሰማዕኩ ተሓጒሰ። እግዚአብሔር ይሃበለይ! ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ፈተና እንተሃልዩ፡ ሓለፋታትን ምቹእነትን ከይትንስእን ፈሪሕና ንነገራት ከም ዘለዉዎ ገዲፍና፡ ኣብ ኩነታት ዘይምግዳስ እዩ። ካልኣይ ምስሊ፡ ሙሴ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ትብል እያ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምዝብሎ ንሱ "ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ" (ዘጸ 14፡21)። እተን ዝተዘርግሓ ኣእዳዉ እግዚኣብሔር ክሰርሕ ከም ዝቐረበ ምልክት እየን። ድሒሩ ሙሴ ነቲ ጽላት ሕጊ ኣብ ኢዱ ሒዙ (ዘጸ 34፡29) ንህዝቢ ከርእዮም እዩ፤ እተን ዝተዘርጋሓ ኣእዳዉ ናይቲ ንህዝቡ ዘሰንን ወትሩ ኣብ ዕዮ ንጡፍ ዝኾነን ኣምላኽ ቅርበት ዘርእያ እየን። ካብ ክፍኣት ሓራ ንምውጻእ ትንቢት በይኑ እኹል ኣይኮነን፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣእዳውና ክንዝርግሕ፡ ንጉዕዞኦም ክንድግፍ የድልየና። ሙሴ መንገዲ ኣመልኪቱ ንሰባት ብኢዱ ሒዙ ክጸንዑ ንቕድሚት ክኸዱ ን እናኣተባብዐ ኣብ ኣእምሮና ክንስእሎ ንኽእል። ንኣርብዓ ዓመት ከም ሽማግለ ምስ ስድርኡ ኣብ ቅርበት ጸንሐ። እዚ ቅርብት እዚ ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ተስፋ ዝቖረጸን ዝደኸመን: ዝጠመየን ዝጸምአን: ኣብ ምጉርምራምን ስንፍናን ዝነጥፍ ህዝቢ ዳግማይ ከበራብሮ ነበሮ። ነዚ ዕማም እዚ ንምፍጻም ድማ ምስ ነብሱ እውን ክቃለስ ነበሮ፣ ከመይሲ ሓድሓደ ግዜ ንሱ’ውን ከምቲ ንጐይታ “ስለምንታይከ ንባርያኻ ክሳዕ ክንድዚ ሕማቕ ጌርካዮ፧ ስለምንታይከ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፡ ጾር እዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣብ ልዕለይ ኣንቢርካ፧ ... እዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣዝዩ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ በይነይ ክስከሞ ኣይክእልን እየ” (ዘሁ 11፡11, 14)ዝብሎ ዝነበረ፣ ኰይኑ ግና፡ ሙሴ ንድሕሪት ኣይተመልሰን: ወትሩ ናብ ኣምላኽ ቀሪቡ ካብ ህዝቡ እውን ኣይረሓቀን። እዚ እውን ስራሕና እዩ: ኣእዳውና ምዝርጋሕ: ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምልዕዓል: ኣምላኽ ንመብጽዓታቱ እሙን ምዃኑ ከነዘኻኽሮም: ንኽቕጽሉ ምልዕዓል ሥራሕና እዩ። እተን ብመንፈስ ዝተቀብኣ ኣእዳውና ንሥርዓተ ኣምልኾ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሰባት ካብቲ ዓጽይዎም ዘሎ ድንዛዜ መንፈስን ፍርህን ንክወጹ ንክነተባብዖምን ንክንድግፎምን ንክነሰንዮምን እውን እዩ። ኣብ መወዳእታ – ሳልሳይ ምስሊ – ሙሴ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ። እቶም ህዝቢ ኣብ ሓጢኣት ወዲቖም ንርእሶም ምራኽ ወርቂ ምስ ሰርሑ፡ ሙሴ ዳግማይ ናብቲ ከረን ደየበ - ከመይ ዝበለ ዓቢ ትዕግስቲ ነይርዎ ክኸውን ከም ዘለዎ ሕሰቡ! – ጸሎት ድማ ገበረ፣ እዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ክቃለስ ከሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ንእስራኤል ከይገድፎ ይልምኖ። ክሳብ ከምዚ ምባል በጺሑ:- “ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ። ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ’ (ዘጸ 32፡31-32)። ሙሴ ክሳዕ መወዳእታ ምስቶም ህዝቢ ደው ኢሉ፡ ኣብ ክንዳኦም ኣእዳዉ ኣልዒሉ። ንርእሱ በይኑ ከድሕን ኣይሓሰበን፤ ንረብሓኡ ኢሉ ህዝቢ ኣይሸጠን! ኣማለደ፣ ምስ ኣምላኽ ተቓሊሱ፤ ኣሕዋቱ ኣብቲ ኣብ ታሕቲ ዝነበረ ጎልጎል እናተዋግኡ ከለዉ ኣብ ጸሎት ኣእዳው ኣልዒሉ ይሕዞ ነበረ (ዘጸ 17፡8-16)። ቃልስታት ህዝቢ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምቕራብ፡ ይቕሬታ ምርካብ፡ ዕርቂ ከም መስመራት ምሕረት ኣምላኽ ምምሕዳር: ከም ኣማላድቲ ዕማምናኸስ እዚ እዩ። ክቡራተይ! እዘን ተዘርጊሐን ተላዒለንን ዝጐዓዝ፡ ትንቢታውያን ኣእዳው፡ ዋጋ ጻዕሪ ይሓታ እየን። ነብያት ምዃን ኣሰነይቲ ምዃን ኣማላድቲ ምዃን፡ ምስጢር ቅርበት እግዚኣብሔር ምስ ህዝቡ ብግብሪ ብህይወት ብምርኣይ፡ ነታ ህይወት ባዕላ እውን ክሓትት ዚኽእል እዩ። ብዙሓት ካህናት፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከምቲ ኣብ ምሥክርነት እናቴ ረጂና ዝሰማዕናዮ፣ ግዳያት ዓመጽን መጥቃዕትን ኮይኖም ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ከም ሓቁ ከኣ ሕይወቶም ስለ ወንጌልን ስለ ቅርበት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ወፊዮማ እዮም፣ እዚ ጉዕዞኦም ክንቅጽል ዝዕድመና ዘደንቕ ምስክርነት እዩ። ቅዱስ ዳንኤል ኮምቦኒ ምስ ሚስዮናውያን ኣሕዋቱ ኣብዛ ሃገር ዓቢ ናይ ስብከተ ወንጌል ስራሕ ዘካየዱ ክንዝክር ንኽእል ኢና፣ ቅዱስ ዳንኤል ኮምቦኒ ‘ሚስዮናዊ ንክርስቶስን ንወንጌልን ዝኾነ ነገር ክገብር ፍቓደኛ ክኸውን ኣለዎ፣ ስለ ኣፍሪቃ ክሞቱን ናብ ምንቃል ክፈልጡን ቅንኣት ነፍሳት ዘቃጽሎምን ለጋሳትን ለጋሳትን ሚስዮናውያን የድልዩ’ ይብል። ስለቲ ኣብ ማእኸል ብዙሕ ፈተናን ሽግርን ትገብርዎ ዘለኹም ከመስግነኩም እፈቱ። ስለቲ ተወፋይነትኩምን ትብዓትኩምን መስዋእትኹምን ትዕግስትኹምን ብስም መላእ ቤተክርስቲያን አመስግነኩም። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ወትሩ ለጋሳት ጓሶት ነፍሳትን መሰኻኽርን ብጸሎትን ምጽዋትን ጥራይ ዝተዓጠቕኩም፣ ብተኣዝዞኦም ብጸጋ ኣምላኽ ዝግረሙን ንኻልኦት መሳርሒ ድሕነት ዝኾኑን ንህዝቢ ዘሰንዩ ናይ ቅርበት ነብያትን፡ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ዘማልዱን ክትኮኑ ይምነ፤ ። ቅድስት ድንግል ትሓሉኹም። በጃኻትኩም ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
05 February 2023, 10:37