ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ደ.ረ. ኮንጎ፥ “ፍሉይ መጻኢዅም ኣብ ኢድኩም እዩ ዘሎ!”

ሓደ ሰብ ብላዕ እንተሂቡካ ወይ ሞጎስን ብዙሕ ገንዘብን እንተተመባጽዓልካ ኣብ መጻወድያ ትወድቕ። ኣይትታተሉ፡ ናብ ረግረግ ክፍኣት ኣትመጠጡ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካብ  መላእ ሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝመጹ መንእሰያትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ኣብ ሜዳ ሰማእታት ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ብልሽውና ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተስፋ ኣይትቑረጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቶም መንእሰያት ንዘቕረብዎ ባህላዊ ምርኢትን ንዘርኣይዎም ፍቕርን ኣመስጊኖም፥ እቶም መንእሰያት ኣእዳዎም ክጥምቱን እዚ ኸኣ እተን ዝተፈላለያ ኣጻብዕቲ ድማ ዝተፈላለየ “ቀመማት መጻኢ” ዝውክላ እያተን ዝብል ናይ ኣስተንትኖ ሓሳብ ኣቕሪቦም፥ ብመጀመርታ ልክዕ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍልዩን ዘይድገም ንሱኣውን ሃብቲ ከም ዝኾነን  ኣጻብዕትና ልክዕ ከምኡ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኢድና ክንዓጽው ወይ ከኣ ንኣምላኽን ንኻልኦት ንወፈያ ክንከፍቶ ክንምርጽ ኣሎና፥

ህያው ጸሎት

ኣጻብዕቲ ኣእዳውና ናብ ልብና ዝቐረበ ስለ ዝኾነ ንህይወትና መንቀሳቐሲ ሓይሊ ዝህብ ጸሎት ይውክላ፥ ጸሎት ንመጻኢና መሰረታዊ ቀመም ስለ ዝኾነ ብውሽጥና ክንዓቢ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕን “ህያው ጸሎቶ” ከነማዕብልን ከም ዘድልየና ሓቢሮም፥

ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ክፋእ ተዓዊቱ እዩ። መስቀሉ ናብ ትንሳኤ ዘሰጋግር ድልድል ገበሮ፣ ስለዚ መዓልታዊ ኣእዳውኩም ናብኡ ኣልዕሉን ኣመስግንዎም ባርኽዎን፥

ንኢየሱስ ከም ብሉጽ ዓርክና ክንዛረቦ ፍርሕና ንዓኡ ኣሕሊፍና ክንህቦ “ዓሚቑ ምስጢር ህይወትና” ክንንገሮ ይግባእ፡ “እግዚኣብሔር ህያው ጭቡጥን ልባውን ጸሎት ይፈቱ . . . ኣብ ህይትና ክሰርሕ ኣብ ናብ መዓልታዊ ህይወትና ብፍሉይ መገዲ ክኣቱ ምስ ‘ናይ ሰላም ሓይሉ’ ይመጽእ፥ እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ማሕበረሰብ - ህንጸት

ኣጻብዕትና “ማሕበረሰብ” እውን ዝውክላ እያተን፥ መንእሰያት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንሓድሕዶም ክነጻጸርጉ ዘይኮነስ ኣብ ከባቢኦም ዝተነጸሉን ዝሳቐዩን ክሓቑፍ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፥ ኣሉታዊ ኣብነታት ምጥቓም ዕጸ ፋርስ ጥንቆላ ዝኣመሰሉ ጠቒሶም እዚ ድማ ነቲ ወልፊ ዘለዎ ሰብ ኩሉ፥ ከሃሌ ኩሉ ኮይኑ ክስምዖ ይገብር ኣብ ክውንነት ግን ነቲ ሰብ ካብቲ ኣኽቢሮም ክሕዝዎም ዝኽእሉ ኩሉ ዘረሕቖ እዩ . . . ብሓባር ካብ ምዃንና እንረኽቦ ጸዓት ኣብ ኣዒንትና ንዘሎ ብልጭታ ሓሳብ ምልውዋጥ ዝፈጥሮ ሓጎስ መተካእታ ክኸውን ዝኽእል ነገር የሎን . . . መንእሰያት ኮንጎ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ናይ ሕውነት ሃብሮማይ ክኾኑን ዝያዳ ስሙር ዓለም ክሓልሙን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ብዓቢ መስዋዕቲ እውን እንተኾነ ሰብኣዊ መሰላትን ንኹሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብ ዝሓሸ መጻኢ ተስፋን ንምክልኻል ደው ክትብሉ ድልዋት ምዃንኩም ደጋጊምኩም ከም ዘርኣኹም እፈልጥ እየ።

ቅንዕና ምግባረ ብልሽውናን ንምቅላስ

ቅዱስነቶም ቅንዕና ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ዘድሊ ረቛሒ እዩ። “ንመንሽሮ ምግባረ ብልሽውና” ጸረ መርዚ እዩ። ብኽፍኣት ኣይትሳዓሩ - ንኽፋእ ብሰናይ ሰዓርዎ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ቅድሚ 15 ዓመት ወዲ 26 ዓመት ዝነበረ መንእሰይ ፍሎሪበርት ቡዋና ቹይ ኣብ ጎማ ንጥዕና ሰባት ዝጐድእ ዝነበረ ዝተበላሸወ መግቢ ከይሓልፍ ዓጊቱን በዚ ድማ ከም እተቕትለ ዘኪሮም እቲ መንእሰይ ክርስቲያን በዚ ካብ ጸሎት ብዝረኸቦ ሓይሊ ነቲ “ምግባረ ብልሽውና” ኣይፋል ከም ዝበለ ገሊጾም፥

ሓደ ሰብ ብላዕ እንተሂቡካ ወይ ሞጎስን ብዙሕ ገንዘብን እንተተመባጽዓልካ ኣብ መጻወድያ ትወድቕ። ኣይትታተሉ፡ ናብ ረግረግ ክፍኣት ኣትመጠጡ!

ሕሉፍ ከይድገም ይቕረ

ናብቲ “ይቕረታ” ዝብል ሓሳብ መሰረት ኩሎም ኣብ ህይወትና ተመክሮና ዝኾነ ድኻምን ምስልካይን ጸገምን ጠቒሶም፡ ይቕረ ምባል ብሓድሽ ንኽትጅምር ምኽኣል ማለት እዩ። ይቕረ ምባል ማለት ነቲ ዝሓለፈ ምርሳዕ ማለት ኣይኮነን፡ ንምድጋሙ ኣይፋል ምባል” ማለት እዩ።

ኣገልግሎት ብውህደት

ቅዱስነቶም ኣገልግሎት ዝብል ሓሳብ ኣስዒቦም ንኻልኦት እንገብሮ ተግባራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውቅያኖስ ከም ንጣብ ማይ እውን እንተኾነ፥ እቲ ኣብ ሕይወትና ጽቡቕ ግን ከኣ ንእሽተይ ዝመስል ውሳነ እዩ ንኣምላኽ ዝስሕቦ፥ . . .

ንቀቢጸ ተስፋ ኣይፋል በሉ

ኣብ መወዳእታ፥ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኮንጎ ነዞም ሓሙሽተ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ነጥብታት ማለት ጸሎት ሕብረተሰብ ቅንዕና ይቕረታን ኣገልግሎትን በተን ሓሙሽተ ኣጻብዕትና ዝውከላ ንጥብታት ደጋጊሞም ከስተንትንዎን ኣብ ሃገሮም ዝሓሸ መጻኢ ክሓንጹ ሓደራ ቢሎም፥

ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቑረጹ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 February 2023, 15:40