ድለ

2023.02.25 ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብሓባር ብስኒት ክዓያ ይምዕዱ 2023.02.25 ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብሓባር ብስኒት ክዓያ ይምዕዱ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብሓባር ብስኒት ክዓያ ይምዕዱ

እቶም ናይ ጳጳሳውያን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ንውሑድ ይኹን ንብዙሕ ዓመታት ኣብተን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ዘሕልፍዎ ናይ ትምህርቲ ዘመን ከም ሓደ ጉጅለ መዘምራን ኮይኖም ክስምዖም ዝገብር

ዕለት 25 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ናይ ዝርከባ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ተመሃሮም መምሃራንን ሰራሕተይናታትን ተቐቢሎም፥ ኵሎም ናይ ስኒት መዘምራን ኮይኖም ከከም ሓላፍነቶም ብሓባር ክዋስኡ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቀዳም ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣድራሽ ንኣባላት ጳጳሳውያን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል “ናይቲ ኣብ ዘመንና ሳላ ጥበብ ህዝቢ እግዚኣብሔር ዝዓመበበ ሰፊሕን ብዙሕነትን ዘለዎ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያናዊ መጽናዕቲ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኣሳሰረ ምዃኑ” ከስተውዕሉ ኣተሓሳሲቦም፥

መናብርተ ጥበብ፥ ጉጅለ መዘምራን

እቶም ናይ ጳጳሳውያን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ንውሑድ ይኹን ንብዙሕ ዓመታት ኣብተን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ዘሕልፍዎ ናይ ትምህርቲ ዘመን ከም ሓደ ጉጅለ መዘምራን ኮይኖም ክስምዖም ዝገብር ክኸውን ተላብዮም ቅዱስ ጆን ሀንርይ ነውማን፥ “ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ መዘምራን እያቶም፥ እቲ ናይ መናብርተ ጥበብ ዝተፈለየ ናይ መጽናዕቲ ጨንፈርን ፍልጠትን ኣረኣእያን ብስኒት ዝግለጸሉ፥ ተመላላኢ ብምዃን ሓድሕዳዊ ምትእርራምን ዝግበረሉ ሚዛን ዝህብ እዩ” እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ጠቒሶም፥

ብልሒ ኣእዳው

ኣቃልቦኦም ብልሒ ኣእዳው ናብ ዝብል ኣምር ገይሮ፥ “ኢድ እቲ ዝዓበየ ክፍለ ህዋስ እኳ ኣይኹን ዝወሓደ ኣገዳስነት ዘለዎ ህዋስ ግን ኣይኮነን” ቢሎም ነዚ ሓሳብ እዚ ንምድጋፍ ኣሪስጦትል ጠቒሶም፥ “ኣእዳው ሳላ እቲ ዘለዎ ናይ ምልላይን ምድህሳስን ሓይሊ ዳርጋ ከም ነፍሲ እዩ” ቢሎም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ኣእዳው ክርስቶስ ክሓስቡ እንከለዉ፥ ኣእዳው ኢየሱስ ነቲ እንጌራን ወይንን ስጋኡን ደሙን ቀይሩ ንባዕሉ ህይወት ከም ዝትንክፍን ኩሉ ድማ ካብ ሰማያዊ ኣቦ ዝተወሃበ ህያብ ምዃኑ ብምትእምማን ምስጋና የቕርባ” . . .

ኵሎም ማሕበረሰባትን ተቕዋማትን ሓድነት ይሃልዎም

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባትን ተቕዋማትን ዝመጹ ተመሃሮ ጉጅለ መዘምራን ክኾኑ ቅዱስነቶም ተማሕጺኖም፡ ብፍላይ ድሕሪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ መንጎ ትካላት ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኣድማዕን ርጉእን ስሩዕ መስርሕ ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ እውን ንዕላማ ነፍሲ ወከፎምን ኣድማሳዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ብዝብለጸ ንምኽባርን ንምስላጥን እዩ” ቢሎም፡ “ተስፋ ሓባራዊ ክውንነት እዩ” . . . ናይ ቅንይትን ድምጽን ስኒት  መሰረት መዘምራን ምዃን ንህያው ተግባር መንፈስ ቅዱስ ልኡም ምዃን ማለት እዩ፡ ስለዚህ መዘምራን ንምዃን ዝኣተናዮ ቃል ንሐድስ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Feb 2023, 15:01