ድለ

2023.02.03 ር.ሊ.ጳ. ደቡብ ሱዳን በጺሖም 2023.02.03 ር.ሊ.ጳ. ደቡብ ሱዳን በጺሖም   (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ደቡብ ሱዳን በጺሖም

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን 20 ደቓይቕ ጉዕዞ ነፋሪት በቆጻጽራ ደቡብ ሱዳን ሰዓት ሰለስተ ጁባ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ

ቅዱስነቶም ምስ ናይ ደ.ረ. ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዘካየድዎ ርክብ ካብ ደ.ረ. ኮንጎ ተሰናቢቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽነቕሉ ሰዓት 10.10 ናብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ንድጂሊ ከም ዝኸዱን ኣብኡ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ትሺሰከዲ ብዘቕረቡሎም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓትን ናይ ሓጺር ደቓይቕ ክሌኣዊ ርክብን ናብ ደቡብ ሱዳን ነቒሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንኽብሮም ናይ ደሞክራሲያዊትረ ረፓብሊክ ኮንጎ ክቡር ዘበዓይና ድሕሪ ዘቕረበሎም ናይ ክብሪ ሰላምታ ሰንደቓዊ መዛሙር ሃገረ ቫቲካንን ደ.ረ. ኮንጎን ምስ ተሰምዐ ተሰናቢቶም ነቲ ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት ዝቕጽል ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኸካይዱ ሰዓት ዓሰርተን ኣርብዓን ትሽዓተን ደቓይቕ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን 20 ደቓይቕ ጉዕዞ ነፋሪት በቆጻጽራ ደቡብ ሱዳን ሰዓት ሰለስተ ጁባ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ክቡር ዘበዐይና ንኽብሮም ድሕሪ ዘቕረበሎም ናይ ክብሪ ሰላምታ፡ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ደቡብ ሱዳንን ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ሓጺር ርክብ ኣካይዶም፥ ብቐጥታ ንኽብሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ህዝብን ናብ ቤተ መንግስቲ ብሓባር ብናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተሰንዮም ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ኣንቢሮም ምስ ኣብቅዑ፡ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ናይ ግሊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ስነ ስርዓት ሌላ ድሕሪ ምክያዶም ካብ ርእሰ ብሔር ተሰናቢቶም ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ራይክ ማቻር ተንይ ድሁርጎ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም።

03 February 2023, 16:34