ድለ

2023.02.05 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም፥ ካብ ደቡብ ሱዳን ክሰናበቱ እንከለዉ 2023.02.05 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም፥ ካብ ደቡብ ሱዳን ክሰናበቱ እንከለዉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም

ኣብ ልበይ ኢኻትኩም ኣብ ልብና ኢኻትኩም ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ህልዋን ኢኻትኩም፥ ፈጺምኩም ተስፋ ከይትቆርጹ። ሰላም ንምህናጽ ዕድላት ኣይተባኽኑ!

ቅዱስ  ኣቦና ብናይ ደቡብ ሱዳን ኣቆጽጽራ ሰዓት 11.30 ጁባ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ስነ ስርዓት ስንብታ፡ ነቲ ንሹዱሽተ መዓልቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ረፓብሊካዊት ደቡብ ሱዳንን ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 5 ለካቲት ዘካየድዎ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልበይ ኢኻትኩም ኣብ ልብና ኢኻትኩም ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ህልዋን ኢኻትኩም፥ ፈጺምኩም ተስፋ ከይትቆርጹ። ሰላም ንምህናጽ ዕድላት ኣይተባኽኑ!

እዘን ናይ መተባብዒ ቃላት እዚኣተን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዛዘሚ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ መሬት ደቡብ ሱዳን ዝበልወን ቃላት ኣያተን፡ ቅዱስ ኣቦና በቆጻጽራ ደቡብ ሱዳን ሰዓት 11 ሓምሳን ሽዱሽተን ደቓይቕ ናብ ሮማ ነቒሎም ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ኣሙሽተን ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቓይቕ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

ዓብይ ጻውዒት ሰላም

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ መዓልታት ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ንህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ናይ ምጽንናዕን ተስፋን መልእኽቲ ንምብጻሕ ዓቢይ ጻዕሪ ከም ዝገበሩን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ህይወቱን ኣብ ህዝቡን ሰላም ከስፍሕ ዘተባብዑ ቃላት ከም ዘስምዑን፡ ኣብ ናይ ቀዳመትይቲ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብቲ ምስ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላን ልኡካነ መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ኣብታ ሃገርን ፊት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

እዛ ዓባይን ህይወት ዝመልኣን ሃገር ብጉስጢ ከቢድ ብዓመጽ ኣብ ኣፍ ልባ እተሃርመት ኣብ መንጎ ልብን ከብድን ኣፍሪቃ ዘላ ሃገር፡ ንእተወሰነ እዋን ከተተንፍስ ኣብ ጻዕሪ ትርከብ ዘላ ትመስል!

ከም ዝበሉን ነፍሲ ወከፍ ናይ ቅድሱነቶም መደረ ንዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ኣብ ግምት ዘእተወ እኳ እንተነበረ ቅዱስነቶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝፍጸም ኩሉ ዓመጽ ደው ክብል ብምምዕዳው ኣጣሚሮም ንዘስምዕዎ መደረኦም ብምርኻቦምን ቅርበቶምን ኣቢሎም ድማ ኣደልዲሎምዎ እዮም።

መልእኽቲ ናብ ተግባር ምቕያር

ቅዱስነቶም ኣብ ኪንሻሳ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ኣብ ዝተረኽበሉ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ኣብ ጁባ ኣብ ዘዕረግዎ  መስዋዕተ ቅዳሴ ድማ ልዕሊ 100 ሺሕ ካብ ጠቕላላ ብዚሕ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሕምሲት ዝኸውን ተሳቲፉ እዩ።

ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ሙላ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን “ሃገራዊ መደብር ኣገልግሎት ፈነወ ሓበሬታ” ቅዱስነቶም ናብ ሮማ ኣብ ምቅቃሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ነዚ ሰላም እዚ ብሓቂ ኸነስተውዕሎ እንኽእል፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምክንኻን ጥራይ ኢና” ቢሎም፥ “ፖለቲካውያን መራሕትና ንመልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ከምኡ እውን ንናይ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ መጋቤ ያን ግሪንሺይልድስ ብግቡእ ከስተውዕልዎ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 February 2023, 12:00