ድለ

2023.02.18 ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዓበየ ትውሳኤ ዓለማውያን ምእመናን ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ! 2023.02.18 ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዓበየ ትውሳኤ ዓለማውያን ምእመናን ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ!  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዓበየ ትውሳኤ ዓለማውያን ምእመናን ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ!

ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ኣማኒ ህብዘ እግዚኣብሔር ብርሃነ ኣህዛብ እያ፡ ህዝባውነት ይዅን በሃርነት ኣይኮነትን፡ ከምዚ ዘይምዃና ብክልሰ ሓሳብ እትመሃሮ ዘይኮነ ብምንባር እትርድኦ እዩ! . . . ቄስሳውነት ክውገድ ኣለዎ። ኣብዚ ኣተሓሳስባ ‘ቄስሳውነት’ ዝወድቕ ካህን ወይ ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ መጉዳእቲ እዩ ዘውርድ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ “ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ብሓባር ንቕድሚት ክኸዱ ዝተጸውዑ እያቶም” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 16 – 18 ለካቲት ኣብ ዘሰናደዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተጋባእያን ዕለት 18 ለካቲት ተቐቢሎም፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓባራዊ ሓላፍነት ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሱታፌ ብመንፈስ ሲኖዳውነት ክሰፍሕ ሓደራ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳንከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ ኣምላኽ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽትእውጅ ዘለዋ ተልእኾ ንምፍጻም ኣብ መንጎ ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ምፍልላይ ዘይኮነስ ኣብ ሓድነት ክትኮር ከም ዘለዎ ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “እቲ ኣምላኽ ንቤተ ክርስቲያን ዜርእያ መገዲ ብልክዕ ሕብረት ምግባርን ብሓባር ብጽንዓትን ብጭቡጥ መገዲ ምምልላስን ዘመላኽት እዩ። . . . ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ብሓባር ንቕድሚት ክስጒሙ ዝተጸውዑ እያቶም” ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ኣብ ግምት ብምእታው ናይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሓላፍነት ባህርህይን መሰረትን ንምምርማር ዝዓለመ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቤተ ክርስቲያን ከም ‘ኣካል’ ኣብ ተልእኾ ሓባራዊ ሓላፍነት ዘለዋ

ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተጠመቑ ኩሎም ከም ሓደ ኣካልን ሓደ ህዝቢ እግዚኣብሔርን ብሓደ እምነት ኣብ ክርስቶስ ዝተጠርነፉ፡ ከምቲ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዝገበርዎ ሓላፍነቶም ዝካፈልሉ ተልእኾ ዘለዎ ሲኖዳዊ ሸነኽ ኣጽኒዖም፡ “ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናን ተኻፈልቲ እያቶም፡ እዚ ድማ ናይ ዕላማ ሕብረት ይፈጥር። ተመላላእነት ናይ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መስህቦታት ይገልጽ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ኩሉ ሰብ ብሓባር ናይ ምጉዓዝ ድሌት የለዓዕል፥”

ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ኣማኒ ህብዘ እግዚኣብሔር ብርሃነ ኣህዛብ እያ፡ ህዝባውነት ይዅን በሃርነት ኣይኮነትን፡ ከምዚ ዘይምዃና ብክልሰ ሓሳብ እትመሃሮ ዘይኮነ ብምንባር እትርድኦ እዩ!

ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን

እዚ ልኡኽነት ሸነኽ እዚ፥ ኣብ ማእከል ሕንጸት ዓለማውያን ምእመናን ክኸውን ኣለዎ፡ “እዚ ድማ ኣብ ትምህርታዊ ወይ ኣብ ክልሰ ሓሳባዊ ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን” ምኽንያቱ እዚ ናብ ስነ ሓሳብ ስለ ዝመርሕ፡ ብግብሪኣውነት ዓለማውያን ምእመናን ብዝተፈላለየ መዳይ ምስክርነት ካልኦት ህዝብታት ቀረባ ንኽኾኑ ዝሕግዝ እዩ።

ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ዓለማውያን ምእመናን ልዕሊ ኩሉ ምስክርነት እዩ! ምስክርነት ናይ ገዛእ ርእስኻ ተመክሮ፡ ምስክርነት ጸሎትን ምስክርነት ኣገልግሎት ንዝተጸገሙን። ምስክርነት ቅርበት ምስ ድኻን ኣብ ጽምዋ ምስ ዝተዋሕጠ ህዝቢ፡ ምስክርነት ተቕባል ብፍላይ ብወገን ስድራ፡ ስለዚ ድማ ንተልእኾ እዩ ቅዋመና። ናብ ካልእ ምባል። ኣብ ዓውደ ኵነታት ህይወት ዝቐርብ እዩ፡ ብተመሳሳሊ ድማ ውጽኢታዊ መገዲ ንመንፈሳዊ ዕብየት እዩ። (. . .) ሎሚ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሕዝን ኩነት ድማ ኢየሱስ ማዕጾ ክትከፍተሉ ምዅሕኳሕ ይቅጽል ምህላዉ እዩ፥ ካብ ውሽጣ ኮይኑ እዩ ዝዅሕኹሕ ዘሎ፣ ምእንቲ ክወጽእን ናብ ክብልን . . .

ሓደ ሕዝቢ ኣምላኽ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዓለማውያን ምእመናን ዋጋ ምሃብ ውጽኢት ገለ “ሓድሽ ቲሊዮሎጊያዊ ኣመላኻኽታ” ኣይኮነን ወይ ንሕጽረት ካህናት ተግባራዊ መፍትሒ እዩ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝመጸ ኣይኮነን ወይ ዝገደደ ድማ እቶም ዓለማውያን ምእመናን ሕነ መፍደዪ ገይሮም ዝጥቀምሉ ኣይኮነን። . . . ነቲ ዝሓለፈ ሓዲግና “እንታይ ደኣ ኣብ ቅኑዕ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ዝተመስረተ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ማለት ቤተ ክርስቲያን ከም ህዝበ እግዚኣብሔር፥ ምስ ካህናትን ጓሶትን ብሓባር ምሉእ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን እያቶም፥

ስለዚ ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኩሉ ነገር ናይ ክርስቶስ ብምዃንን ምስኡን ምስ ኣሕዋትን ብልዕለ ባህርያዊ ሕብረት ዝወሃሀደሉ፡ እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደርብን መዓርግን ዝህብ ኣብ መወዳእታ ድማ ንነፈሲ ወከፍ ደርቢ ዝተመደበ ሓይሊ ዝምርኮስ ማሕበራዊ ደርብታት ስነ ማሕበረሰብኣዊ ራእያት ብምስዓር ኵለንተናዊ ውሁድ ስነ ማሕበረሰብ ናይ ምምላስ ሕቶ እዩ። . . .

ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዓለም ዝነብሩ ኣካል ህዝቢ ኣምላኽ እዮም

“ኣብዛ ሓንቲ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እቲ መሰረታዊ ባእታ ናይ ክርስቶስ እዩ፡ . . . ኣብዚ ኣሃዳዊ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ ኵሉ ንሕና ክርስቲያን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዓለም ይነብሩን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣካል ህዝበ እግዚኣብሔር እዮም። . . . ብርሃነ ኣህዛብ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን . . . ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ኣብ 1979 ዓ.ም. ሳልሳይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ኣብ መክሲኮ ከተማ ፐውብላ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ዝተነብረ ትርጉም ዘመላኽቶ እዩ። . . . ዓለማውያን ብቐንዱ ኣብቲ ዝነብርሉ ዓለማዊ ክውንነት ተልእኾኦም ክነብሩ ዝተጸውዑ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ግን “ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣበርክቶ ናይ ምግባር ክእለትን መንፈሳዊ መስህቦታቶምን ብቕዓትን” እውን ከም ዘለዎም ዘወግድ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ቅዳሴ ምንቕቓሕን ትምህርተ ክርስቶስ ብምፍጻምን ዝገልጽዎ እዩ፡ ስለዚ ጳጳጳሳት ካህናት ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት እንከለዉ ኣትሒዞም ምስ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ምትሕብባር ኪደት ከሕድሩ ዘኽእሎም ህንጸት ክረኽቡ ኣለዎም፥

ኣይፋል ንቄስሳውነት

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ተራ ዓለማውያን ምእመናን ልዕሊ ኩሉ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ጉስነትን ሓዋርያውነትን ከምኡ እውን ኣብ መስርሕ ውሳነታትን ዘሳትፍ ኣገባብ ኣገዳስነቱ ኣጽኒዖም፡ ከምኡ እውን ሓላፍነት ክለብሱ ምግባር ኣብ መንጎ ዓለማውያን ምእመናን ጓስቶን ዝነበረ ሓባራዊ ሓላፍነት - ክልተኣዊ ምፍልላይን ፍርሕን ሕድ ሕዳዊ ዘይምትእምማንን ንምብዳህ ዘኽእል እዩ፥

ቄስሳውነት ክውገድ ኣለዎ። ኣብዚ ኣተሓሳስባ ‘ቄስሳውነት’ ዝወድቕ ካህን ወይ ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ መጉዳእቲ እዩ ዘውርድ

እንክብሉ ዛዚሞም፡ ደጊሞም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Feb 2023, 15:23