ር.ሊ.ጳ. ካብ ደ.ረ. ኮንጎ ተሰናቢቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ነቒሎም
ቲ ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት ዝቕጽል ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኸካይዱ
ቅዱስነቶም ምስ ናይ ደ.ረ. ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘካየድዎ ርክብ ተሰናቢቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽነቕሉ ሰዓት 10.10 ናብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ንድጂሊ ከም ዝኸዱን ኣብኡ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ትሺሰከዲ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ሓጺር ደቓይቕ ግላዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንኽብሮም ናይታ ሃገር ክቡር ዘበዓይና ድሕሪ ዘቕረበሎም ናይ ክብሪ ሰላምታ ሰንደቓዊ መዛሙር ሃገረ ቫቲካንን ደ.ረ. ኮንጎ ምስ ተሰምዐ ተሰናቢቶም ነቲ ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት ዝቕጽል ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኸካይዱ ሰዓት ዓሰርተን ኣርብዓን ትሽዓተን ደቓይቕ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
03 Feb 2023, 11:35