ድለ

ኣብ ጐድኒ ህዝብኹም ኰንኩም ነብያት ዕርቅን ሰላምን ኩኑ! ር.ሊ.ጳ. ንአቡናት ዲ.ሪ.ኮንጎ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተራኺቦም ሰላምታ ኣብ ዝተለዋወጡሉን ኣብ ዝዘተየሉን ግዜ፣ ንህዝቢ ኮንጎ ነብያት ክኾኑ ኣብ ኣገልግሎቶም እግዚኣብሔር ቀረባ ምዃኑ ክዝክሩ፣ ጵጵስና ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ኰናካ ምግልጋል እምበር ትካል ጥቅሚ ኣይኮነን እንክብሉ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቦም ከድህቡ ተላብዮምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ዕለት፣ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳት ኮንጎ (ሴንኮ) ምስ ብፁዓን ጳጳሳት እታ ሃገር ተራኺቦም።

ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፡ ‘ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተበከለ ኣየር ዓለማዊነት ክትሰጒግን ነቲ መንእሰይ ልቢ እምነት ክትሕሉን፣ ንጹህ ኣየር ወንጌል ከተስተንፍስ ብግዲ የድልያ’ እንክብሉ ነቶም መራሕትን ኣመሓደርትን 48 ሰበኻታትን መንበረ ሊቀ ጵጵስናን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾኑ ኣቡናትን ካርዲናላትን፡ ሓውጾተ ኖልዎኦም ዛዚሞም ቅድሚ ካብታ ሃገር ምውጻኦምን ናብ ደቡብ ሱዳን ምንቃሎምን ቃሎም ሂቦም። ቅዱስነቶም ነቶም ጓሶት ሕዝቢ ዝኾኑ ጳጳሳት ስለቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘበርክትዎ ኣገልግሎት፡ ኣብ መንጎ ጸገማቶምን ተስፋታቶምን፡ ከምኡ'ውን ነታ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ምቅባሎም ዝተገልጸት መንእሰይ፡ ውሳጣዊ ሓይልን፡ ሓጎስን ዝመልኣ፡ ብሃረርታ ተልኾ ስብከተ ወንጌል ህያው ዝኾነት ቤተክርስትያን ብምምስጋን ስለቲ ዝተወፈዮም ምዉቕ ኣቀባብላ እውን ኣመስግኖም።  ብምቅጻል ድማ ነታ ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብማለት ዝገልጽዋ ቀንዲ ተዋሳኢት ምግባረ ሠናይ ኮይና፤ ብውዕዉዕ መንፈስ ንሰባት ናባኣ ክትሕብን  እትኽእል እንተኾነ እቲ ማሕበረሰብ ገጹ ብቃንዛን ድኻምን ዝተሓርሰ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ብፍርሕን ተስፋ ምቑራጽን ዝልለ፣ ነዛ ሕጉስቲ ቤተክርስትያን እዚኣ ስለ ህዝባ እትሳቐ ቤተክርስትያንን ዝርአ ምልክት ክርስቶስ ከምእትኸውንን ገቢርዋ። ሎሚ’ውን እንተኾነ እዚ ምልክት መስቀልን መስቀል ክርስቶስን ኣብ ብዙሕ ዓለማ ተነጺጉ፡ ይኹነንን ይንዓቕን፡ ይበክን ኣሎ። እዚ ንብዓት እዚ እቲ ደቂ ሰባት ዝነብዕዎ ዘለው ንብዓት ኮይኑ፤ ቤተ ክርስቲያን ንኣካላውን መንፈሳውን ቁስሊ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሳ ክትወስድ ቃል ብምእታው ነዚ ንብዓት እዚ ንምሕባስ ብምሉእ ሓይላ ትሰርሕ፣ ከመይ ስቃይ እዚ ሕዝቢ እዚ ስቃይ ኢየሱስ እዩ እዩ እንክብሉ ነዚ ምስክርነት እዚ ሂቦም።

“ኣብ ታሪኽ እዚ ዝተሰቕለ ህዝቢ እዚ ኣብ ታሪኽ እዚ ውጹዕን፡ ብዘይምሕር ዓመጽ ዝዓነወን፡ ብንጹህ ቃንዛ ዝልለን፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ዝብክል ጸልማት ማያት ብልሽውናን ፍትሒ ምጒዳልን ክነብር ዝተገደደን፡ ከምኡ ብዙሓት ደቁ ብሓለንጊ ድኽነት ክግረፍ ብምርኣይ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ እዚ ዝሳቀ ኢየሱስ እርኢ ኣሎኹ።”

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብታ "ቀጠልያ ልቢ" ኣፍሪቃ ቢሎም ዝገለጽዋ ሃገረ ኮንጎ ካልእ ነገራት ከምዝርእዩ እውን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ብምንም ተኣምር ተስፋ ዘይቈርጽ ሕዝቢ እርኢ ኣሎኹ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ንእምነቱ ዝሓቁፍን ብፍቅሪ ናብ ጓሶቱ ዝጥምትን ሕዝቢ እርኢ ኣሎኹ። ብምዝመዛን፡ ብወገናዊ ርእሰ-ፍትወትን፡ ብመርዚ ግርጭታትን ብዝተጓዕጸጸ ሓቅታት እኳ ተዓፊኑ እንተሎ ተስፋ ከይቈረጸ ንውህበት ሰላም ክቅበል ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ጐይታ ምትእምማን ዝፈልጥ ሕዝቢ እርኢ ኣሎኹ።”

ቅዱስነቶም ብተወሳኺ እቲ ዓሚ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዓ.ም. ዝመደብዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ እዋኑ ክፍጽምዎ ብዘይምኽኣሎምን ኣብ ክንዳኦም ንዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብምስዳዶ ንክቅበልዎም ክልተ ግዜ ከምዝሰናደወ ስለዝገበርዎም ይቅሬታ ሓቲቶም።

ተልእኮ ኤጲስቆጶስ፡ ናይ እግዚአብሔር ቅርበትን ንህዝቢ ትንቢት ምንጋርን እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታት ኮንጎ ምልስ ይብሉ እሞ ኤጲስቆጳሳት ናይታ ሃገር ብቅርበት እግዚኣብሔርን ንህዝቢ ትንቢት እናነገሩ ጸዋዕታኦም ክነብሩን ኣገልግሎቶም ከበርክቱ ይዕድሙ። ብቐዳምነት ክብለኩም ዝደሊ: ብናይ ኣምላኽ ቅርበት ክትንከፉን ክትጸናንዑን ፍቐዱ ብማለት ከኣ ቅድሚ ንካልኦት ምግልጋሎም ዚኣክል ምስንዳእ ክገብሩ ኣዘኻኸሩ።

ቅዱስነቶም ከም ዘመልክትዎ፡ ጓሶት ህዝቢ ኣምላኽ ክኾኑ ዝተጸውዑ ጳጳሳት፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብጸሎት ሰዓታት ክጸንሑ፡ ንነብሶም ብጸሎት ምድልዳል ኣገዳሲ ምዃኑ ክፈልጡ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ህዝቢ ናብቲ ሕያዋይ ጓሳ ክቐርብ ዝኽእል ብኸምዚ ዝበለ መንገዲ ጥራይ ስለዝኾነ እቶም ሓላፍነት ዝተዋህቦም ንሕዝቢ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዮም ናይ ብሓቂ ጓሶት ምዃኖም ዘመስክሩ ኢሎም።

“ብዘይ ጐይታ ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ወይውን መምህራን ደኣ ምኾንና እምበር ንጸዋዕታ ጎይታስ ብቊዓት ክንከውን እምበርይምኸኣልናን። ብዘይካኡ ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ርእስና ዝኸኣልና ኮይኑ ከይስመዓና ንጠንቀቅ፡ ዝገደደ ከኣ ኣብ ኤጲስቆጶስነት ማሕበራዊ ሥልጣናት ናይ ምድያብን ብሥልጣን ናይ ምጥቃምን ተኽእሎታት እሞ ዝገደደ እዩ ዝኸውን። እዚ ናይ ሥልጣን ሃነፍነፍ ጽዩፍ መንፈስ ሞያ እዩ።”

ቅዱስነቶም ናብቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ሓደጋ መንፈስ ዓለማውነት ምልስ ይብሉ እሞ መንፈስ ዓለማዊነት ንኣገልግሎት ተልእኮ ጵጵስና ከይጸልዎ ክጽዕሩ ከምዚ ክብሉ የዘኻኹሩ።

“ልዕሊ ኩሉ ግን: መንፈስ ዓለማውነት ከምዘይኣቱ ንግበር፣ ከመይ እዚ መንፈስ እዚ ነቲ ኣገልግሎት ብመሰረት መዐቀኒ መኽሰብና ከምንትርጉሞ ይገብረና፣ እዚ ድማ ኣብቲ ዝተዋህበና ሓላፍነት ምምሕዳር ዝሑላትን ካብ ኩሉ ዝተነጸናን ስለ ዝገብረና፣ ክንዲ ንካልኦት ምግልጋል፡ በቲ ሥልጣን ክንግልገል ንጽዕር ከምኡ’ውን ነታ መተካእታ ኣልቦ ምስ ጐይታ ዘላትና ርክብ፡ ማለት ነቲ ትሑትን መዓልታዊን ናይ ጸሎት ምሕብሓብ የረሰዓና። ዓለማውነትከስ እቲ ዝኸፍአ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ክወርድ ዝኽእል ምዃኑ ኣይንረስዕ።”

ቅርበት ምስ ጭቡጥ መዓልታዊ ናብራ!

ቅዱስነቶም ነቲ ቀንዲ መጋበሪ ተልእኮ ኣገልግሎት ጵጵስና ብጸሎት ናብ ምስ እግዚኣብሔር ምቅርራብ ምዃኑ ምስ ገለጹ ካብዚ ቅርበት እዚ ሓደ ጳጳስ "ንህዝቢ ዘለዎ ፍቕሩ ተኣማንነት ዘለዎ ምዃኑን ኣፈ ጉባኤ ሕዝቡ ምዃኑን’’ ይበርሃሉ እሞ ብተግባር ኣብ መንጎ ሕዝቡ ኮይኑ ንመጓሲኡ ዘለዎ ቅርበት ከምዘጒልሕ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።  

[ ስብከት ብሥራት ወንጌል፡ ኩስኰሳ ጒስነታዊ መነባብሮ ሕዝቢ፣ ከምኡ’ውን መሪሕነት ህዝቢ ካብቲ ጭቡጥ መዓልታዊ ናብራ ርሒቆም ዝትንተኑ መትከላት ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ ምእንቲ ሰባት ከም ደቂ ኣምላኽ ክብረቶም ክረኽቡ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ውርደትን ጭቆናን ርእሶም ከየውረዱ፡ ርእሶም ልዕል ኢሎም ክመላለሱ ክመሃሩቁስሊ ክትንክፍን መለኮታዊ ቅርበት ከመሓላልፍን ኣለዎ ]

ቅዱስነቶም ነዙይ ንምንጻር ‘ምስ እግዚኣብሔር ቅርበት ምዅስኳስ ናብ ህዝቢ ገጹ ይደፍኣና፣ ንህዝቢ ርህራሄ ከም ዝስምዓና ይገብረና፤ ከምኡ'ውን እቲ ናይ ርህራሄ ኣተሓሳስባ ስምዒት ዘይኮነስ "ምስቲ ዚሓንዝን ከም እንሓንዝን ምስቲ ዚሕጐስ ከም እንሕጐስ" ይገብረና። ብጎይታ ደልዲልና ንኻልኦት ናይ ምጽንናዕን ዕርቅን መሳርሒታት ንኸውን። ቁስሊ ናይቶም ዝሳቐዩ ንምፍዋስ፡ ቃንዛ ናይቶም ዝበኽዩ ንምቅላል፡ ንድኻታት ንምልዓል፡ ንሰባት ካብ ብዙሕ ዓይነት ባርነትን ወጽዓን ሓራ ንምውጻእ መጋበሪ ንኸውን ኢሎም።

ፍትሒ ምጒዳል ካብ ሱሩ ንምውጋድ ነቢያት ምዃን!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ጳጳሳት ከም ጳጳሳት ሃንጐፋይ ቢሎም ክቅበልዎ ዘለዎም ተልእኾ ኣገልግሎት ትንቢት ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጦም ልቦም ምስ ሓደረ ዕረፍቲ ዘይህብ ዘይጸዓድ ማንም ደው ከብሎ ዘይክል ልጓም ዘይብሉ ንኻልኦት ናብ እግዚኣብሔር ንምምራሕ ዘኽእል ሃረርታ  ከበራብር ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገልጹ።

“ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዝነድድን ክንወጽእ ዝድርኸናን ሓዊ እዩ! እዚ እምበኣር ከም ጳጳሳት ዘለና: ብሓዊ ቓል እግዚኣብሔር ዝነደዱ ሰባት፣ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓዋርያዊ ቅንኣት ዝተላእኩ!ምዃን እዩ።”

ቅዱስንቶም እግዚኣብሔር ንነብያቱ ዝጽውዓሉ ቀንዲ ምኽንያት እንክገልጹ፣ ኣብ ማእከል እቲ ብክፍኣተ ግብርን ዘይፍትሓውነትን ዝተመልአት ዓለምና ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ንምህናጽ ምእንቲ ክሕግዙ እግዚኣብሔር ነቢያት ይጽውዕ። ምስዚ ክፍኣተ ግብሪ ከኣ መርዚ ጽልኢ፡ ቂምታን ዓመጽን ምስ ብልሽውናን ምዝመዛን ጎኒ ጎኒ ካብ ሕብረተሰብ ሱር ምስ ዝሰዱ እውን ይጽውዕ፣ ቃል ኣምላኽ ምስባኽከስ ፖሎቲካ ኣይኮነን ኢሎም።

ቃል ኣምላኽ ብሥራት ድሕነት እምበር ፖለቲካ ኣይኮነን።

ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ዓለምናን ምትሕንፋጽ ፖሎቲካን እምነታትን ምልስ ቢሎም ‘ይኹን እምበር፡ ጳጳሳት ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ፡ ሕልና ከበራብሩ፡ ክፍኣት ክኹንኑ፡ ነቶም ዝተሰብረ ልቦምን ተስፋ ዝጎደሎምን ከተባብዑ ስለ ዝተጸውዑ፡ ትንቢት ክርስትና ምስ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክደናገር የብሉን’ ኢሎም።

ብፁዓን ጳጳሳትከስ ምስ ካህናቶምን ኣብ ኣገልግሎት ጉስነት ነፍሳት መሳርሕቶም ቅርበት ክገብሩን ናይ ይቕሬታን ወንጌላዊ ምቊሉልነትን ተላቢሶም ጽቡቕ ኣብነት ክኾኑን ከምዘልዎም ከምዙይ ክብሉ ዓደሙ።

“ምስ ኣምላኽ ምዝታይ ሸለል ከይትብልዎ ወይውን ነቲ ዝተዋህበኩም ሃልሃልታ ትንቢት ምስቶም ዘለዉ ሓይልታት ዘይንጹር ዝምድና ከይተደናግሩ፡ ወይውን ልኡምነት በዘልማድን ዝዓብለሎ ህይወት ከይጐብጠኩም ሓደራ፣ ኣብ ቅድሚ ዓመጽ ናይ ምሕረት መሰኻኽር ኩኑ።”

መሰኻኽር ምሕረት ኣብ ቅድሚ ዓመጽ!

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ንጳጳሳት ኮንጎ ኣብነት ናይቶም ኣቀድም ኣቢሎም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ነፍሰኄር ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ክሪስቶፍ ሙንዚሂርዋ ክምልከቱ ኣዘኻኸርዎም። እዚ ኢየሱሳዊ ሊቀ ጳጳስ እዚ “ተባዕ ጓሳን ትንቢታዊ ድምጽን” ብምንባሩ፡ ንህዝቡ እናተኸላኸለ  ብ1996 ኣብ ኣደባባይ ከተማ ዝተቀትለ ኣብነታዊ ጓሳ ነበረ።

ጳጳሳት ኮንጎ እውን ኣብነት ናይዚ ብምስዓብ መሰኻኽር ምሕረትን ዕርቅን ክኾኑ ነዚ ከኣ ኣብዛ ብዝተመዝመዘ ጸጋታትን ብዓሌታውን ቀቢላውን ግርጭታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ኩሉ ብጸሊም ሓይሊ ናይቲ ጸላኤ እግዚኣብሔርን ጸላኤ ሠናይን ሰብኣውነትን ዝኾነ እቲ እኩይ፡ ኣብ ዝሕምሶ ዘሎ ግዜ መሰኻኽር ምሕረትን ክኾኑ ሓደራ ብማለት ቃሎም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 February 2023, 16:05