ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መሬትን ቡርኪና ፋሶን ዓመጽ ከብቅዕ ይጽልዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብሓባር መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ቡርኪና ፋሶን ማእለያ ዘይብሎም ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ኵሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቶም ዕለት 26 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ፡ ሓሳቦም ናብቲ ካብ ቅድስቲ መሬት ዝመጽእ ዘሎ ዘሰክፍ ሓበሬታ ገይሮም፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው ቈልዑ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም እተቐትሉን፥ “ነዚ ዓመጽ እዚ ብኸመይ ደው ከነብሎ ንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ “ዘተ ኣብ ልዕሊ ሕነምፍዳይ ከነግስ ብምፍቓድ” እዩ ቢሎም፥ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያን ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሐበረሰብ ናብ ሕውነትን ሰላምን ዚመርሕ መገዲ ምእንቲ ከልለዩ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓመጽ ኣብ ቡርኪና ፋሶ
ቀጺሎም ቅዱስነቶም “ሽበራዊ መጥቓዕቲ ብቐጻሊ ዝፍጸመላ ሃገረ ቡርኪና ፋሶ” ብዝምልከት ስክፍታኦም ኣካፊሎም፥ እቲ ዝርአ ዓመጽ ናይታ ሃገር ጉዕዞ ደሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ከየተዓናቕፍ ኩሎም ምእመናን ንህዝቢ እታ ክብርቲ ሃገረ ክጽልዩ” ዓዲሞም፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብታ ምዕራባዊት ኣፍሪቃ ሃገር ዝወጽእ ሓድሽ ሓበሬታ እቲ እስላምዊ መንግስቲ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ሰመናዊ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ 70 ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል መቕተልቲ ከም ዝፈጸመን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከም ዘቑሰለን ሓሙሽተ ሰባት ድማ ከም ዝጨወየን ክንገር እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ወራር ሩስያ ኣብ ዕልሊ ዩክረይን ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት የቑጽር ምህላዉን ገሊጾም፥ ዩክረይን ከምኡ እውን ግዳያት ዘስካሕክሕ ርእደ መሬት ዝኾነ ህዝቢ ሶሪያን ቱርክን ሓደራ ኣይንረስዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።