ድለ

ኣእዳውኩም ካብ ኣፍሪቃ እለዩ! ኣፍሪቃ፡ ቀንዲ ተዋሳኢት ዕድላ ትኹን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ርእሰ ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ ኣድራሽ ናይታ ሃገር ምስ ሰበስልጣን፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣካላት ዲፕሎማስን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መጀመርታ ቃለ ማዕዳን ሰላምታን፡ ሃገረ ኮንጎ ብኩሉ ኩሉ ዓቢይ ትዕድልቲ ሃብትን ጸጋን እኳ እንተወነነት ብኲናት ዝተሳቐየ ታሪኽ ብምውናና ግን ንሰብን ፍጥረትን ዘይበቅዕ ዘስካሕክሕ መልክዕ ምዝመዛ" ክትውንን ከምዝተገደደት ገሊጾም። ብምቅጻል ከኣ ንመሬት ኮንጎ ከም ዕንቊ ኣልማዝ ብምምሳል ነፍሲ ወከፍ ወዲዓዲ ክትንስእ እሞ "ክብሩ ከም ኣልማዝ ኣብ ኢዱ ክመልስ" ብምዕዳም ስለእቶም ኣብ ዕደና ዝምዝመዙ ህጻናት ሓያል ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት!

ዝኸበርኩም ፕረዚደንት፡

ክቡራን ኣባላት መንግስትን ኣካላት ዲፕሎማስያን፣

ዝኸበርኩም ሃይማኖታውን ሲቪላውን ሰብ መዚ፣

ክቡራን ወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ባህላዊ ጒዳያትን፣

ክቡራትን ክቡራንን፣

ምዉቕ ልባዊ ሰላምታ አቕርበልኩም፡ ንኽቡር ፕረዚደንት ድማ ስለቲ ምቅሉል ቃላቶም አመስግኖም። ኣብዛ ብሰሜን ንዱር ኢኳቶር፡ ብማእከልን ደቡብ ድማ ምድረበዳን ኣግራብ ዝበዝሖ ሳቫናን፡ ብምብራቕ፡ ጎቦታትን፡ እሳተ ጎመራዊ ኣኽራናትን ቀላያትን ብምዕራብ ድማ ካልኦት ዓበይቲ ማያትን፣ ምስቲ ናብ ውቅያኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኮንጎን ዝሓቖፈት ጽብቕትን ሰፋሕን ምዕርግትን መሬት ምህላወይ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። ኣብዛ ኣብ ውሽጢ ዓቢይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንባዕላ ከም ኣህጉር እትመስል ሃገርኩም፡ ምድሪ ብምልእታ እተተንፍስ ትመስል። ጂኦግራፊ ናይዛ ለምለም ሳንቡእ ክሳብ ክንድዚ ሃብታምን ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎን እኳ እንተኾነ፡ ታሪኻ ግን ብኣንጻሩ ከምዘይተዓደለት እዩ ዘዘንቱ። ብኲናት ዝተሓመሰት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ውሽጢ ከርሳ ግርጭታትን ግዱድ ስደታትን ሒዛ ክትሕመስ፡ ንሰብኣውነትን ፍጥረትን ብዘይበቅዕ ዘስካሕክሕ መልክዕ ምዝመዛ ምስቃይ ገና ቀጻሊ እዩ ዘሎ። እዛ ኣዝያ ገዛፍን ህይወት ዝመልኣን ከብዲ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገር እዚኣ፡ ከም ሓንቲ ብዓመጽ ከብዳ ዝተሃርመት እሞ ኣፍልባ ተዓቢሳ ንዝተወሰነ ግዜ ብሕጽረት እስትንፋስ እትሳቀ ነፍሲ መሲላ ነበረት።

ንስኻትኩም ህዝቢ ኮንጎ ክብረትኩምን ግዝኣታዊ ሓድነትኩምን ንምዕቃብ ኣንጻር እቲ ዘሕዝን ፈተነታት ንሃገር ንምብትታን ዘንቀደ ምንቅስቃሳት ኣብ እትቃለሰሉ ዘለኹም እዋን፡ ብስም ኢየሱስ፡ ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ዕርቅን ሰላምን ናባኹም መጺአ ኣለኹ። ኣብዚ ክህሉ ኣዝየ ተመንየ ነረ፣ ሕጂ ድማ እነሆ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ቅርበትን ፍቕርን ምጽንናዕን መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሒዘልኩም መጺአ ኣለኹ።

ንብሩህ ጽባቐ እዛ መሬት ጽቡቕ ጌሩ ዘመልክት ምሳሌ ተጠቒመ ክዛረበኩም እፈቱ። እቲ ምሳሌ ናይ ኣልማዝ ምሳሌ እዩ። ዝኸበርኩም ደቂ ኮንጎ ሃገርኩም ብሓቂ ናይ ኣልማዝ ፍጥረት እያ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንስኻትኩም ኩላትኩም ካብዚ ፈርያም መሬትኩም ካብ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ሃብቲ ልዕሊ ኩሉ ዝኸበርኩም ኢኹም! ኣብዚ ዘሎኹሉ ቀንዲ ምኽንያት ሃንጐፋይ ቢለ ንክቅበለኩምን ንስኻትኩም ባዕልኹም ማንም ዘይግመቶ ክብሪ ከም ዘለኩም በዚ ከኣ ቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብኣኹም ከምዝተኣማመኑ በቲ ኣብ ኢድኩም ዘሎን ፍልጠትኩምን ጥበብኩምን ሥራሕኩምን ብኩሉ ኩሉ ንእተወፍዩሉ መጻኢኹም ከምዚኣምኑን ንምዝኽኻር እዩ። ኣጆኹም ደቂ ኮንጎ ኣሕዋተይ ኣሓተይን! ሎሚ እውን እንደገና ከም ጽሩይ ኣልማዝ፡ ንኩሉንታኹምን፡ ክብረትኩምን ኣብ ኢድኩም ጨቢጥኩም ናይዛ እትነብሩላ ሓባራዊት ቤትኩም ስኒትን ሰላምን ንክትዕቅቡ ሃየ ተንሥኡ። ነታ “ብሓያል ጻዕሪ፡ ንሃገርና ካብ ናይ ቀደማ ብዝበለ ጽባቄ ብሰላም ክንሃንጽ ኢና” እትብል መልእኽቲ ሃገራዊ መዝሙርኩም እናሓለምኩም ኣብ ግብሪ ንክተውዕሉ ነቲ መንፈሱ ኣሓድስዎ።  

ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ! ዕንቊ ኣልማዝ ኣብ ዓለምና መብዛሕትኡ ግዜ ሳሕቲ እዩ ዝርከብ፡ ኣብዚ ግን ብብዝሒ ኣሎ። ኣብ ሓመድኩም ተሓቢኡ እንተደኣ ክንድዚ ዚኣክል ንዋታዊ ሃብቲ ምህላው ሓቂ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ልብኹም መንፈሳዊ ሃብቲ ከምዘሎ ከኣ ዝያዳ ሓቂ እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ልብታት’ዩ ሰላምን ምዕባለን ዝውለድ፡ ምኽንያቱ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓገዝ እግዚኣብሔር፡ ንፍትሕን ይቕሬታን፡ ናይ ምትእስሳርን ዕርቅን፡ ነቲ ዝረኸብዎ ብዙሕ መክሊት ብጽቡቕ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ናይ ተወፋይነትን ጽንዓትን ዓቕሚ ኣለዎም። ኣብዚ፡ ፈላሚ ጉዕዞይ፡ ከቅርበልኩም ዝድለዮ ጻውዒት ከስ፡ ነፍስወከፍ ወሉድ ኮንጎ እጃሙ ከበርክት ዝተጸውዐ ኮይኑ ይስምዓዮ! ነቶም ንልምዓት ዘልምሱን ናብ ጽልምት ዝበለ ሕሉፍ ዝመልሱናን ኢሰብኣውን ዘይክርስትያናዊን ስምዒታት ዝኾኑ፡ ዓመጽን ጽልእን ብድሕሪ ሕጂ ኣብ ልቢ ይኹን ኣብ ከናፍር ዝኾነ ሰብ ቦታ ኣይከቡ።

ብመንጽር እቲ ዝተዀልፈ ምዕባለን ናብ ሕሉፍ ድሕሪት ምምላስን፡ እዘን መሬታት፡ ብሓፈሻ ድማ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ምዝመዛ እናተጻዋራ ምቕጻለን ዘሕዝን እዩ። ፖለቲካዊ ምዝመዛ ነቲ ባርነት ዝኾነ “ቁጠባዊ ዓብላሊ መግዛእቲ” ቦታ ሂቡ። ከም ውጽኢቱ ድማ እዛ ብዙሕ ዝተመዝመዘት ሃገር እዚኣ ካብቲ ዝተዓደለቶ ዘይተኣደነ ጸጋታታ እኹል ጥቅሚ ኣይረኸበትን: ስግንጢራዊ ብዝኾነ መንገዲ ሃብቲ መሬታ ንነበርታ ኣብ ገዛእ ሃገሮም “ባዕዳውያን” ገይሮም ኣሎ። መርዚ ስስዐ ንኣልማዛታ ብደም ኣጠልቅዪዎ። እዚ እተን ብቑጠባ ዝያዳ ዝማዕበላ ክፍሊ ዓለማን መብዛሕትኡ ግዜ ኣዒንተንን ኣእዝነንን ኣፋተንን ዚዓጸዋሉ ትራጀዲ እዩ። እንተኾነ ግን እዛ ሃገርን እዛ ኣህጉርን ክብረን ክሕሎን ክስማዓን ይግባእ፤ ቦታ ረኺበን ኣቓልቦ ክረኽባ ይግባእ። ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢድኩም ኣልዕሉ! ካብ ኣፍሪቃ ኣእዳውኩም ኣክቡ! ንኣፍሪካ ምሕናቅም የቋርጽ: ኣፍሪቃ ክገሓጥ ዘለዎ ማዕድን ወይውን ክዘምት ዘለዎ መሬት ኣይኮነትን። ኣፍሪቃ ቀንዲ ተዋሳኢት ናይ ገዛእ ርእሳ ዕጫ ትኹን! ዓለም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንህዝብታት እቲ ከባቢ ዝጎድእ ዝነበረ ኣዕናዊ ነገራት ኣፍልጦ ብምሃብክ፣ ነዛ ሃገርን ነዛ ኣህጉርን ከይረስዓ ሓደራ። እዛ ፍሽኽታን ተስፋን ዓለም ዝኾነት ኣፍሪቃ ዝያዳ ዋጋ ትርከብ። ብዛዕባ ብተደጋጋሚ ክዝረብን፣ ኣብ ኣህዛብ ድማ ዝዓበየ ክብደትን ክብርን ከምዝህልዋን ይኹን!

ንሓቀኛ ሰብኣዊ ዝኾነ ዲፕሎማሲ ቦታ የድሊ፣ ህዝብታት ብዛዕባ ኻልኦት ህዝብታት ዝግደሰሉ ዲፕሎማሲ የድሊ። ንመሬትን ሃብትን ምቁጽጻርን፣ ምስፍሕፋሕን ምውሳኽ መኽሰብን ዘይኮነስ፣ ሰባት ንኽዓብዩን ንኽምዕብሉን ዕድላት ኣብ ምፍጥር ዘማእከለ ዲፕሎማሲ ቦታ ክህልዎ የድሊ፣ ኪዓቢ እውን ኣለዎ። ንጉዳይ እዚ ህዝቢ እዚ ዝምልከት፡ ማሕበረሰብ ዓለምና ነቲ ለይትን መዓልትን ዝፍሕቆ ዘሎ ዓመጽ ብተግባር ኢዱ ዝሃበ ይመስል። እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ናይዛ ሃገር ምልክት ዝኾነ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ካልእ ቦታታት ዘይፍለጥ ሞት ሚልዮናት ዘስዓበ ምፍሳስ ደም ክንለምዶ ኣይንኽእልን። ኣብዚ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ምፍላጥ የድሊ። እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኣነ ብወገነይ ኣዝየ ዘተባብዖ፡ መስርሕ ሰላም፡ ብጭቡጥ ተግባራት ክቕጽል ኣለዎ፡ ዝተኣትወ ቃል ድማ ክሕሎ ኣለዎ። ኣምላኽ ይመስገን፡ ብዕዉታት ፕሮጀክትታት ኣቢሎም ንሠናይ ህዝቢ እቲ ከባቢን ንሓቀኛ ልምዓትን ኣበርክቶ ዝገብሩ መደባት እውን ኣለዉ። እዚ ከኣ ኣብ ወረቐት ምስፋር ጥራይ ዘይኮነ ብዘይነጻጸል ኩለንትናዊ ልምዓት ደቂሰባት ዝዓለመ ፕሮጀክትታት ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ልዑል ሓገዝ ዝገብሩ፣ ድኽነትን ሕማምን ንምምካት ዝሕግዙ፣ ንልዕልነት ሕጊ ዝድግፉን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝድግፉን ሃገራትን ትካላትን ልባዊ ምስጋናይ ክገልጽ እፈቱ። ነዚ ጻዕርታት እዚ ብትብዓትን ብምልኣትን ክቕጽሉዎ ክኽእሉ ተስፋይ ዓቢይ እዩ።

እስኪ ደጊምና ብዛዕባ ኣልማዝ ንሕሰብ። ዕንቊ ኣልማዝ ሓንሳብ ምስ ተጸረየ፡ ጽባቐኣ ካብቲ ቅርጹ፡ ካብቲ ስኒት ዘለዎ ኣሰራርሓ ናይቲ ብዙሕ ገጻቱ እዩ ዚምንጩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ እዛ ሃገር እዚኣውን ምስቲ ዝተዓደሎቶ ክቡር ሕድሪ ብዙሕነት ቂሐጽልማዊ ባህሪ ኣለዋ። እዚ ቂሐጽልማዊ ሃብቲ እዚ ክዕቀብ ኣለዎ፣ ብምንም ተኣምርዝ ንድሕሪት ምምላስ ናብ ቀቢላውነትን ጽልእን ምምላስ ክህሉ የብሉን። ንናይ ገዛእ ርእስኻ ብሄር ወይ ፍሉይ ረብሓታት ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዘስፋሕፍሕ ወገናዊ መንፈስ፡ በዚ ድማ ዕንክሊላሎ ጽልእን ዓመጽን ዝሽመም፡ ነቲ ኣድላዪ ቅመማ ምሉእ ጒዕዞ ስለ ዝዓግት፡ ንኹሉ ዝጎድእ ክፉእ መንፈስ እዩ። ብርግጽ ብዓይኒ ቅመማኬ ዕንቊ ኣልማዝ ካብ ቀለልቲ ኣቶማት ካርቦን ዝቖሙ ምዃኖም መሳጢ እዩ፣ እዚኦም ኣቶማት ካርቦን ካብዚ ብዝተፈልየ ካልእ መንገዲ እንተተኣሳሲሮም ግራፋይት ዝበሃል ተሪር ጸሊም እምኒ ይፈጥሩ። እቲ ብሓቂ ዘገርም ከኣ ኣብ መንጎ ድምቀት ነጸብራቃት ናይቲ ኣልማዝን ጽልሚ ግራፋይትን ዘሎ ፍልልይ ካብቲ ዝተፈላለየ መስርዕ ናይ ውልቀ ኣቶማት ምዃኑ እዩ። ነቲ ምሳሌ ገዲፍና፡ እቲ ጸገም ባህርይ ደቂ ሰባት ወይ ባህሪ ብሄራትን ማሕበራውን ጉጅለታት ዘይኮነስ፡ ብሓባር ክነብሩ ዝመርጹሉ ኣገባብ ወይውን ኣሰራርዓ እዩ።ነ ንሓድሕዶም ምርኻቦምን ዘይምርካቦምን፣ ክዕረቑን ከም ብሓድሽ ክጅምሩን ዘለዎም ድሌትን ዘይምህላዎምን እዩ እቲ ፍልልይ ዝፈጥር፣ እዚ ዘመልክተልና ከኣ ኣብ መንጎ ጽልግልግ ግጭትን ብርሃን ዝመልኦ መጻኢ ሰላምን ብልጽግናን ንዘሎ ፍልልይ እዩ።

ዝኸበርኩም ኣዕሩኽ ሰማያዊ ኣቦና ንሓድሕድና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ሓንቲ ስድራቤት ክንቅበልን ኣንጻር ካልኦት ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ብሓባር ንመጻኢ ክንሰርሕን ይደሊ። ካብ ምሳሌታትኩም ሓደ ዝኾነ ቢንቱ ባንቱ: ከምዝብሎ ሓቀኛ ሃብቲ ኣብ ሰባትን ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዘለዎም ርክብን ከም ዝርከብ ብዓቢ ጥበብ ይገልጽ። ፍሉይ ብዝበለ መንገዲ ሃይማኖታት ምስቲ ናይ ጥበብ ውርሻአን ነዚ ሃብቲ እዚ ኣበርክቶ ክገብራ ይጽውዓ። ኣብ ዕለታዊ ቃልሰን ንኹሉ ዓይነት ምጥቃዕን ምልዋጥን ምድስካልን ንምኽሓድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ሰባት ንኣገባባት ብተንኮልን ሓይልን ንምጽዓን ክድግፉ ከለዉ፡ ንካልኦት ከስድዑን ሰዓብቲ ንምእካብ ብኣልማማ ክጓየዩ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ፡ ንሕልና ካልኦት ብኸቢድ ክቊስሉን ንሓቀኛ ኣምላኽ ሕቖኦም ክህቡን፡ ምስ እትምልከቱ እዚ ጉዳያት እዚ ንናጽነት ደቂ ሰባት ዘይበቕዑ መሳርሒታት ስለ ዝኾኑ ፈጺሞም ከወግዝዎም ዘለዎም ጉዳያት እየን።  ምኽንያቱ ከኣ “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ኣባኡ ሓርነት ኣሎ” (2ቆሮ 3፡17)። ነዚ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን።  መጻኢ ሰላምን ሕውነትን ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ካብዞም ገለኹም ኣብዚ ዘለኹም ኣባላት ሲቪላዊ ማሕበራት  ኣገዳሲ ተራ ኣለኩም። ብዙሕ ግዜ ንሰብኣዊ መሰላት ንምክልኻል፡ ጽፉፍ ትምህርት ንምውሓዝን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክቡሪ ህይወትን ንምህላው፡ ዓቢ መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብ ቅድሚ በደልን ማሕበራዊ ምዝመዛን ደው ናይ ምባል ክእለትን ትብዓትን ኣርእዮም እዮም። ነቶም በዚ ብዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም በደላት ዝተሳቐዩ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብፍላይ ድማ ነቶም መንእሰያት እዛ ሃገር ኣዝየ እየ ዘመስግኖም፡ ክብሪ ድማ እህቦም።

ዕንቊ  ኣልማዝ፡ ብግሉጽነቱ፡ ነቲ ዝረኽቦ ብርሃን ብዘደንቕ መንገዲ የንጸባርቖ። ብዙሓት ካባኻትኩም ብተመሳሳሊ ኣብ ሕብረተሰብ ብእተበርትዎ ተራ “ስሙያት” ኢኹም። እቶም ኣብ ሲቪላውን መንግስታውን ኣብያተ ጽሕፈት ዝሓዝኩም፡ ነቲ ከም መሳርሒ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ዝረኸብኩምዎ ክሲ እናተኣስተማቀርኩም፡ ብክሪስታላዊ ንጹርነት ክትሰርሑ ትጽውዑ። ስልጣን ትርጉም ዘለዎ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ፣ ዜግነታዊ ሓላፍነታት በዚ መንፈስ እዚ ክፍጸም ኣገዳሲ ዝኸውን፣ ካብ ምልካውነት፣ ቅልጡፍ ረብሓ ምድላይን ሓራ ምእንቲ ክንከውን ካብቲ ሓዋርያ ጳውሎስ “ሱር ኩሉ ክፍኣት” ኢሉ ዝገልጾ ስስዐ (1ጢሞ 6፡10)ሓራ ክንከውን ዘሎና። ብተመሳሳሊ ናፃ፣ ግሉፅን ተኣማንነትን ዘለዎ መረፃ ክስፋሕፋሕ፤ ኣብ መስርሕ ሰላም ድማ ዝያዳ ተሳትፎ ንደቂ ኣንስትዮ፣ ንመንእሰያትን ካብ ማሕበራዊ ደረጃ ዝተገለሉ ጉጅለታትን ንክነፍቀድ፤ ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ረብሓ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓባር ረብሓን ድሕነት ህዝብን ክስዕብ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይቲ ግዝኣት ህላወ መንግስቲ ክሕይል፤ ከምኡ’ውን ብዙሓት ስደተኛታትን ተመዛበልትን ክንክን ክግበረሎም ክነፍቅድ ኣሎና። ኣብታ ሃገር ዓመጽ ዘበገሱ፡ ዘሕፍር ንግዳዊ ውዕላት ንምፍጻም ዝምዝምዙ ሰባት፡ ልዑል መኽሰብ ዝርከቦ ንግድ ደቂሰባት ኣይነፍቅድ።  እዙይ ከኣ ምስቲ ሞትን ሕሰምን ተደሚሩ ናብ ምጽላምን ውርደትን ጥራይ ከም ዘምርሕ ንረዳእ። ምስ ሰባትሲ ምቅርራብ ይሓይሽ፣ ከመይ ከም ዝነብሩ ምፍላጥ እውን ኣድላዩ እዩ። ሰባትሲ ንኻልኦት ንምግልጋል እምበር ንረብሓኦም ወይውን ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝብል ናይቶም ዘመሓድርዎም ምስ ዝስምዖም ዘይኮነስ ንካልኦት ንምግልጋል ምስ ዝሰናደዉ እዩ።

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብርሃን ሠናይነት ዘጸልምት መብዛሕትኡ ግዜ ጸልማት በደልን ብልሽውናን እዩ። ቅድሚ ዘመናት ኣብዛ ኣህጉር ዝተወልደ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ንፍትሒ ክብሪ እንተዘይሃልዩ፡ ዓቢ ኮንፈደረሽን ሸፋቱ እንተዘይኮይኑ ግዝኣታት እንታይ እየን?” (De civ. Dei, IV, 4) ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ እቶም ፍትሒ ዝጠመዩን ዝጸምኡን እዩ (ማቴ 5፡6)። ዝኾነ ሰብ ኣብ ኩሉ ቦታ ሕግን ፍትሓውነትን ንምድንፋዕ፡ ዘይምቕጻዕ ምትላል ሕግታትን ሓበሬታን ንምቅላስ ፈጺሙ ክደክም የብሉን።

ዕንቊ ኣልማዝ ካብ መሬት ይርከብ፣ ክቡር ዕንቊ እዩ እንተኾነ ግን ረሳሕን ምጽራይ ዘድልዮን እየ። ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ዝኸበረ ኣልማዝ ኣወዳትን ኣዋልድን ናይዚ ህዝቢ እዮም። ነቲ ተፈጥሮኣዊ ክእለቶም ንኽደምቕ ዘኽእሎም ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም። ትምህርቲ መሰረታዊ እዩ: ናብ መጻኢ ዝወስድ መንገዲ እውን እዩ። ምሉእ ናጽነት እዛ ሃገርን ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃን ንምዕዋት ክንወስዶ ዘለና መንገዲ እዩ። ኣብ ትምህርቲ ወፍሪ ምግባር ህጹጽ እዩ። ርእሰን ዝኸኣላ ሕብረተሰባት ንምድላው ጽቡቕ ተማሂሮም ዝጥርነፉ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ተኽእሎታት ዝፈልጡን ብሓላፍነትን ብጽንዓትን ከማዕብሉ ዝኽእሉን ምስ ዝህልው እዩ። ምስናይዚ ግን ብዙሓት ቈልዑ ትምህርቲ ኣይረኽቡን እዮም። ክንደይ ካብኣቶም፡ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ትምህርቲ ዝረኽቡ፡ ዝምዝመዙ ኣለው! ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዕደና ባርነት ተገዲዶም ይሞቱ። ንመዓት ዕስክርና ህጻናት ንምኹናንን ኣብ መወዳእታ ንምውጋድን ከይተፈንቀለ ዝተርፍ እምኒ ክህሉ የብሉን። ክንደይ ኣዋልድ ተገሊለን ክብረተን ይግሃስ ኣሎ! ህጻናት፡ መንእሰያት ኣዋልድን ኩሎም መንእሰያትን ንመጻኢ ተስፋ ይውክሉ። እዚ ተስፋ ክዂለፍ ኣይንፈቅድ፡ ኣብ ክንድኡስ ብኒሕ ነማዕብሎ!

ዕንቊ ኣልማዝ፡ ከም ህያብ መሬት፡ ንፉዓት መገብቲ ፍጥረት ኰና፡ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነትና የዘኻኽረና። ኣብ ማእከል ኣፍሪቃ እትርከብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ሓምለዋይ ሳንቡእ ዓለምና እተአንግድ ስለዝኾነት፡ ክትዕቀብ ኣለዋ። ከምቲ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዝግበር፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ’ውን፡ ካብቶም ዝሕገዙ ንላዕሊ፡ ነቶም ዝሕግዙ ዝያዳ ዝጠቕሙ ናይ ደገ ሞዴላት ከይጸዓነ፡ ውጽኢታዊ ምትእትታው ከፍቅድ ዝኽእል ሰፊሕን ፍረ ዘለዎን ምትሕብባር ክህሉ ኣለዎ። ብዙሓት ንለውጢ ክሊማን ኮሮናቫይረስን ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንኣፍሪቃ ሓገዝ ኣቕሪቦም እዮም። እዚኦም ብርግጽ ተቐባልነት ዝግበረሎም ዕድላት እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ዝዓበየ ኣድላይነት ግን ንህጹጽ ድሌታት ናይቲ እዋን ምላሽ ዝህቡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህይወት መላእ ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ናይ ሓለዋ ጥዕናን ማሕበራዊ ሞዴላትን እዮም ዘድልዩ። ቅኑዓትን ብቑዓትን ሰራሕተኛታት ብዘለዎም ጥዑያት ተቊዋማት ኣቢሎም፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ንልምዓት ዝዓግት ከቢድ ጸገማት ከም ጥምየትን ዓሶን ምብዳህ የድሊ።

ንምድምዳም ዚኣክል፣ ዕንቊ ኣልማዝ፡ ካብቶም ኣብ ተፈጥሮ ዝርከቡ ማዕድናት እቲ ዝጸንዐ እዩ፤ ንኬሚካላዊ ቀመማት ብዙሕ ተጻዋርነት ኣለዎ። ተደጋጋሚ ዓመጽቲ መጥቃዕትታትን ክንድዚ ዝኣክል ናይ ​​ናዕቢ ኩነታትን ተቓውሞ ህዝቢ ኮንጎ ከዳኽም፡ ንውሳነኡ ከዳኽምን ናብ ተስፋ ምቑራጽን ካብ ስልጣኑ ክለቅቕን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ምስናይዚ ግን ብስም እቲ ኣምላኽ ተስፋን፡ ኣምላኽ ኩሉ ተኽእሎን፡ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ከም ብሓድሽ ክንጅምር ሓይሊ ዝህበና ክርስቶስ፡ ብስም እቲ ክብርን ዋጋን ናይቶም ኣዝዮም ክቡራት ኣልማዛት ናይዛ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ዝኾኑ ዜጋታታ፡ ኩሉ ሰብ ተባዕን ንኹሉ ዝሓቁፍን ማሕበራዊ ምሕዳስ ክገብር ክላቦ እፈቱ። እዚ ድማ በቲ ውቁብ ግን ከኣ ውጉእ ዘቊሰለ ታሪኽ እዛ ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ብመንእሰያታን ደቃን ዝጥለብ እዩ። ናይዛ ዓባይ ሃገር ሰላማዊ፡ ስኒትን ብልጽግናን መጻኢ ንምዕዋት ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ኩሉ ምሳኻትኩም ደው ቢለ ብጸሎተይን ቅርበትን አሰንየኩም። እግዚኣብሄር ንመላእ ህዝቢ ኮንጎ ይባርኽ!

01 Feb 2023, 10:08