ድለ

2023.02.13 ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ 2023.02.13 ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ

ቅዱስነቶም ናይቲ ፈደራላዊ ማሕበር ዕዮታት ዝድግፉ ክብርታት ኣጉሊሖም፡ እቲ ቀዳማይ ኣብቲ “ንሓባር - UNIAMO” ኣብ ዝብል መጸውዕ ስሙ ዘሎ ምዃኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ልኡካን ፈደረሽን ብኢልሙድ ሕማማት ዝተጠቕዑ ዜጋታት ዝሓልይ ማሕበር ተራኺቦም፥ እቲ ፈደራላዊ ማሕበር ነቶም ብኢልሙድ ሕማማት ዝተጠቕዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝሓሸ ብቑዕን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣገልግሎት ጥዕና ክወሃብ ዘካይዶ ጎስጓስ ክቕጽል ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብጠቕላላ ኣስታት 150 ዝተፈላለያ ናይ ዝተፈላለየ ኢልሙድ ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታት ዝሓልያ ማሕበራት ዝሓቑፍ  ፈደራላዊ ማሕበር ኢልሙድ ሕማማት ኢጣሊያ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝስገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እተን ማሕበራት ነቶም ብዘይልሙድ ሕማማት ዝተጠቕዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህይወቶም ንምምሕያሽን ኣባይቲ ስድራኦም ነዚ ዘይልሙድ ሕማም ኣብ ምግጣም በይኖም ከይተርፉ ንምድጋፍ ዘገልግላ ዘይመኽሰባውያን ማሕበራት፡ መንግስቲ ነዞም ክፍሊ ሕበረተሰብ ዝሓቁፍ ማሕበራዊ ህይወቶም ዝውሕስ መምርሕታት ክሕንጽጽን መሰል እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ዕሽሽ ከይበሃልን ዝጣበቓ ማሕበራት እውን ምዃነን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ቅዱስነቶም ናይቲ ፈደራላዊ ማሕበር ዕዮታት ዝድግፉ ክብርታት ኣጉሊሖም፡ እቲ ቀዳማይ ኣብቲ “ንሓባር - UNIAMO” ኣብ ዝብል መጸውዕ ስሙ ዘሎ ምዃኑ እዚ ንሓባር ዝብል ቃል ምክፋል ማለት እውን እዩ ስለዚህ ተመክሮታትን ሓይልታትን ተስፋታትን ምጽንባር ማለት እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ   (Vatican Media)

ረብሓታት ምክፋል

ኣብ ፈለማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኢልሙድ ሕማማት ንዝተጠቕዑን ስድራ ቤቶምን ሓደ ዓይነት ጸገም ዝገጥሙ ሰባት ናብ ሓደ ዘምጽእ ምልክታትን ፈውስታት ማእከላት ሕምክናን ዝፈልጡ ማሕበራት ክውከሱ ዝሕግዝ ማሕበር ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ኣካይዳ እዚ ምርጫ ኮይኑ እንተወሓደ ግዚያዊ ፍታሕ ክርከብ ዝሕግዝ ብኻልእ መዳይ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣባይቲ ስድራ ሰብኣዊ ዝምድታት ክህሉን ብሓባር ነቲ ኣጸጋሚ ኩነታት ክስከሙን ዝድግፍ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ   (Vatican Media)

ንዘይምግዳስ ምቅላስ

እቲ ‘ንሓባር’ ዝብል ናይቲ ማሕበር መጸውዕ ብኻላኣይ ደረጃ ዘንጸባርቖ መሰረታዊ ዋጋ ከኣ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ኣበርክቶ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራዊ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዘለዎ ተኽእሎ እዩ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ “ጽቡቕ ፖለቲካ” ኣብ ኣበርክቶ ማሕበራት እውን ኢዩ ዝምርኰስ እዚ ፈደራላዊ ማሕበር እዚ ኣብ እተወሰነ ጉዳያት “ነቶም ዕሽሽ ክበሃሉ ዝኽእሉ ሰባት ኣድላዪ ፍልጠትን ቈላሕታን ኣለዎ።” ቢሎም ብዛዕባ ዓውዲ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ብምጥቓስ፥ “ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከይውገድን ኣድልዎ ምቅላስን” ኣገዳሲ እዩ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ርኽበታት ስነ ፍልጠታዊ ምርምርን ንዅሉን ናይ ኵሉን” ክኸውን ኣለዎ፥

ከምዚ ናትኩም ዝኣመስሉ ትካላት ውጽኢት ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ንምክፋል ሃገራውን ንግዳውን ዕንቅፋታት ክስገር መታን ጸቕጢ ዝገብር እዩ። ምእንቲ ሎሚ ርሑቕ ዝመስሉ ሸቶታት ንምውቃዕ!

ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ኢልሙድ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ተሓቋፍነቶም ዝውሕስ መምርሒ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ   (Vatican Media)

ምስ መንግስታውያን ተቕዋማት ንሓባራዊ ረብሓ ምስራሕ

ቅዱስነቶም ብተወሳኺ ከ “ንሓባር - UNIAMO” ዝኣመሰላ ማሕበራት “በይኖም ዝኾኑን ኣብ በይናውነቶም ድምጾም ንኸስምዑ ዘይክእሉ ብዙሓት” ድምጺ ብምዃን ደግፍ የቕርባን ይሓታን ጥራይ ዘይኮነስ ንመንግስታዊ ትካላት እውን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይህባ። ምስቲ ናይ ምርኻብ ክእለተን ልዕሊ ኩሉ ድማ ህዝቢ ንሓባራዊ ረብሓ ክዓዪ የተባብዓ፥

ምስተን ትካላት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ኣብ እትገብሮ ርክብ ትሓትት ጥራይ ዘይኮነ ትህብ እውን ፍልጠት ርካባት ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰባት ብመንፈስ በርገሳዊ ኣገልግሎት እንተድኣ ሰሪሖም ንሓባራዊ ረብሓ ግደኦም ከበርክቱ ይገብር፡

ቢሎም እቲ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማሕበር ተወፋይነቱ ክቕጽል ኣተባቢዖም ብኢልሙዳት ሕማማት ዝተጠቕዐ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ስድራ ቤትን ወትሩ ከተሰንዩ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትሓግዝኵም እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Feb 2023, 16:22