ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሱስ ንስንኩላን ልክዕ ከም ምዃኖም የፍቅሮም!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ዝተኻየደን ብማሕበር “መርከብ ኖህ” ማሕበረሰብ “ዘርኢ ኣድሪ” ዝተዳለወ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ “ኣሕዋትን ኣሓትን ስንኩላንን ሕሙማን ኣእምሮን” ዝተሳተፉ ተጋባእያን ዕለት 18 ለካቲት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኵሉ ሰብ ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ገይሩ ከፍቅሮምን ክሓልየሎምን ይላበዉ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ስለዚ ነዚ ዝገብሩ ብቐዳምነት ንተሳተፍቲ ኣብ “ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ስንክልናን ሕማም ኣእምሮን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ነቶም ኣካላውን ከምኡ እውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ዘለዎም ሓሕዋትናን ኣሕዋትናን ብስነ ሕክምናዊ ስነ መትኒ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ብምቕራብ ዝኣልይ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር “መርከብ ኖህ” ማሕበርሰብ “ዘርኢ ኣድሪ” ዘቕርቦ ኣገልግሎት ልዑልን ዝነኣድን ከም ዝኾነን ገሊጾምን ስለ ኣገልግሎቶም እውን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማንም ሰብ በይኑ ከይኸውን
ቅዱስነቶም ነቲ ማሕበር “መርከብ ኖህ” ዘነቓቕሖ ጽቡቕ ተበግሶ ኣመስጊኖም፡ ንተጋባእያን ሰላምእታኦም ኣቕሪቦም፥ “ኣሕዋትን ኣሓትን” ኣብ ዝብላ ቃላት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ሓውን ሓብትን ዝብል ቃል ብሓደ ዘጠቓልል ዝተመሃዘ ሓድሽ ቃል ኣይፈልጦን እየ ነይረ ይኹን እምበር እቲ ቃል እቲ ዘመልክቶን ዘለዎን ኣምር ግን ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ማለት ብጽቡቕ ይኹን ብሕመቕ ዝኾነ ይኹን ሰብ በይኑ ኣይኮነን፥ ኣብ ውሽጢ መርበብ ዝምድናታት ዝነብር እዩ፡ ስለዚ እዩ ድማ ስንክልና ንመላእ ስድራ ቤት ዝጸልው፥ ስለዚ ናይቶም ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ሓውን ሓብትን ዘገልግል ከም ኣብ ቀራንዮ ናይ ኢየሱስ መስቀል ዝተሰከመ ስምኦን ቀረናዊ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ፡
ምእንቲ ናይቲ ካልእ ናይቲ ኢየሱስ ተሓቢኡሉ ዘሎ ሓውን ወይ ሓብትን መስቀል ክስከምን ጸሮም ክካፈልን!
እምላኽ ልክዕ ከምቲ ዘለናዮ እዩ ዘፍቅረና
ኢየሱስ ብኣና ፈጺሙ ኣይሓፍርን . . . ምኽንያቱ ሽግርና ኵሉ ናቱ ዝገብር ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፥
ንሱ ብልክዕ ከምቲ ዘለናዮ - ኣብ ዘሎና ብቕዓትን ድኽመትን ስንክልናን የፍቅረና!
ቢሎም፡ እቲ መደብ መጽናዕቲ ሰናይን ፍርያማን ክኸውን ተመንዮም፡ እቲ ማሕበር ስለ ዝህቦ ኣገልግሎት ድማ ኣመስጊኖም፡ ብዙሕ ፍረ ከፍሪ ዝኽእል ዘርኢ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።