ድለ

ንወትሩ ኣብ ልበይ ኣስፊረኩም ኣሎኹ! ሰላም ንምድንፋዕ ዝተኻእለኩም ግበሩ! ር.ሊ.ጳ ንህዝቢ ደ.ሱዳን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀቅድሚ ምዝዛም ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሕጂ ውን ተስፋ ህያው ንምግባር ልባዊ ጻውዒት ኣቅርበልኩም! ኣብዚ ዓዲ ተስፋ ብፍላይ ኣብ ምልክት ደቂ ኣንስትዮ እያ! ብኩሉ ኩሉ እንከመስግነኩምን እንክባርኸኩምን ናብታ ካብ ኩለን ደቂንስትዮ ዝተባረኸት ንግሥተ ሰላም ቅድስት ድንግል ማርያም አማቊበኩም! ንሳ ንሃገርኩም ሰላም ትሃብ’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ሎሚ ነተን ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ንባብ ንማሕበረሰብ ቆሮንቶስ ዘቅረበን ቃላት ናተይ ገይረ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኹም ክደግመን እፈቱ። ‘ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኣብ ማእከልኩም እንከሎኹ፡ ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።” (1ቆሮ 2፡1-2)። እወ ሻቕሎት ጳውሎስ ናተይ’ውን እዩ፣ ኣብዚ ምሳኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣምላኽ ፍቕሪ፣ ብመስቀሉ ሰላም ዘምጸአ ኣምላኽ፤ እወ! ኢየሱስ፡ እቲ ምእንቲ ኩላትና ዝተሰቕለ ኣምላኽ፤ ኣብቶም ዝሳቐዩ ዝተሰቕለ ኣምላኽ፣ ኣብዛ ሃገር ኣብ ህይወት ብዙሓት ካባኻትኩም ዝተሰቕለ ኢየሱስ፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ክፍኣትን ሞትን ዝሰዓረን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። መልእኽቲ ክርስቶስ መልእኽቲ ተስፋ ስለ ዝኾነ ነዚ ክእውጅን ብኣኡ ከጽንዓኩምን እየ ኣብዚ መጺኤ ዘሎኹ። ኢየሱስ ንጭንቀትኩምን ኣብ ልብኹም ንእትስከምዎ ተስፋን፡ ንመነባብሮኹም ዘመልክት ሓጐስን ቃልስን፡ ንዝጒልብበኩም ጸልማትን ከም መዝሙር ለይቲ ናብ ሰማይ እተዕርግዎ እምነትኩምን ይፈልጦ እዩ። ኢየሱስ ይፈልጠኩምን የፍቅረኩምን እዩ። ኣብኡ እንተጸኒዕና ፈጺምና ክንፈርሕ የብልናን፣ ምኽንያቱ ከምቲ ናቱ ንዓና’ውን ነፍሲ ወከፍ መስቀል ናብ ትንሣኤ፣ ኩሉ ጓሂ ናብ ተስፋ፣ ነፍሲ ወከፍ መልቀስ ድማ ናብ ሳዕስዒት ክቕየር እዩ። ካብዚ ብምቅጻልኣብተን ቃላት ዝኾና ጎይታና ኢየሱስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም... ብርሃን ዓለም ኢኹም” (ማቴ 5፡13-14) ዝብላ ክነስተን ምፈቶኹ። እዘን ምሳሌታት እዚአን ንዓና ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እንታይ ይብላና? ብመጀመርታ ንሕና ጨው ምድሪ ምዃንና። ጨው ከኣ ንመግቢ ንምቕማም ንጥቀመሉ። ንኹሉ ነገር መኣዛ ዝህብ እቲ ዘይርአ ቀመም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ፡ ጨው ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ምልክት ጥበብ እዩ ነይሩ፡ ክርአ ዘይክኣል ባህርያዊ ሓይሊ ዝውንን፡ ግን ከኣ ንህይወት መቀረት ዝውስኸላ፡ ብዘይ ንሱ ኩሉ ጣዕሚ ዘይብሉ ይኸውን። እንተኾነ ግን፡ ኢየሱስ እንታይ ዓይነት ጥበብ ማለቱ እዩ፧ ቢልና ምስ እንሓትት! ነዚ ምሳሌ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መንገዲ ብፅዕና ሕይወት ምስ መሃሮም ብኡንብኡ ይጥቀመሉ። በዚ ከኣ መንገዲ ብፅዕና ሕይወት ጨው ክርስትያናዊ ሕይወት ምዃኖም ንምልከት። ምኽንያቱ ከኣ ንጥበብ ሰማይ ናብ ምድሪ ስለ ዘውርዱ እዩ። ንመዐቀኒታት እዛ ዓለምን ነቲ ልሙድ ኣተሓሳስባናን ይገማጥሎ። እንታይከ ይብሉ? ብሓደ ቃል፡ ቡርኻት ክንከውን ማለት ክንሕጐስን ምሉኣት ክንከውንን እንተደሊና፡ ሓያላትን ሃብታማትን ብርቱዓትን ክንከውን ዘይኮነስ፡ ትሑታት፡ ለዋሃት፡ መሓርቲ ክንከውን ንማንም ሕማቅ ክንገብር ከም ዘይብልና፤ ንዅሉ ሰብ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ይነግሩና። ነዚ እዩ ኢየሱስ ናይ ሓደ ወደ መዝሙር ጥበብ ዝብሎ፤ ኣብ ከባቢና ንዘሎ ዓለም መቀረት ዝህብ እዩ። ነዚ ንዘክር፡ ንብፅዕናታት ኣብ ግብሪ እንተ ኣእቲናዮ፡ ጥበብ ክርስቶስ እንተ ኣንቢርና፡ ንህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕይወት ሕብረተሰብን ናይታ እንነብረላ ሃገርን እውን መቀረት ክንህብ ኢና። ጨው ጣዕሚ ጥራሕ ኣይኮነን ዝህብ፤ ካልእ ዕዮ እውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ግዜ ክርስቶስ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ: ምግቢ ምእንቲ ከይበላሾን ከይዕስዕስን ይዕቅብ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ “መግቢ” ኣሎ ይብል፣ እዚ ከኣ ሓደ ኣገዳሲ ሠናይ ነገር ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ክዕቀብ ዘለዎ እዩ፣ ንሱ ድማ ምስ ኣምላኽ ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን እዩ። ስለዚ በቲ ዘመን እቲ ንእግዚኣብሔር መስዋእቲ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ሒደት ጨው ይውሰኸሉ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ጽሑፍ እንታይ ከም ዝብል እስከ ንሰማዕ፡ ‘‘ንዂሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ብጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኲሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ” (ዘሌ 2፡13) ይብል። በዚ ኸኣ ጨው ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ ንምዕቃብ መሰረታዊ ኣድላይነት ከም ዘለዎ መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል፣ ምኽንያቱ ከኣ ጐይታ ንዓና እሙን እዩ፣ ምሳና ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ድማ ዘይበላሾ፣ ዘይግሃስን ነባሪን ስለ ዝኾነ እዩ(ዘሁ 18፡19፣ 2 ዜና 13፡5)። ካብዚ ዝስዕብ ድማ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ኢየሱስ፡ ከም ጨው ምድሪ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ እነብዕሎን ቃል ኪዳን ምስክር ምዃኑ፡ ሓዲሽን፡ ዘለኣለማውን ዘይብተኽን ኪዳን ምዃኑ (1ቆሮ 11፡25፤ እብ 9)፡ ከምኡ’ውን ንዓና ዘለዎ ብክሕደትና’ውን ክናወጽ ዘይክእል ፍቕሪ ምዃኑ የገንዝበና። ኣሕዋትን ኣሓትን! ንሕና ናይዚ መስተንክር እዚ መሰኻኽር ኢና። ኣብ ጥንቲ፡ ሰባት ወይ ህዝብታት ኣብ ነንሕድሕዶም ናይ ምሕዝነት ውዕል ክምሥርቱ ከለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንእሽቶ ጨው ብምልውዋጥ የጽንዕዎ ነበሩ። ንሕናኸስ ከም ጨው ምድሪ መጠን ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ብሓጐስን ምስጋናን ክንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና፣ በዚ ኸኣ ናይ ዕርክነትን ሕውነታዊ መነባብሮን ምትእስሳር ክንፈጥር ብቑዓት ሰባት ምዃንና ከነርኢ ኢና። ንብልሽውና ንክፍኣተ ግብሪ፡ ንሕማም ምፍልላይ፡ ንርስሓት ምትላል ንግዳዊ ርክባትን ንመዓት በደልን ንምግታእ ከም መንገዲ ጽቡቕ ሰብኣዊ ዝምድና ክሃንጹ ዝኽእሉ ሰባት ኢና። ሎሚ ኣብዛ ሃገር እዚ ጨው ምድሪ ብምዃንኩም ከመስግነኩም እፈቱ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዙሕ ቍስላታቱን፡ መርዚ ጽልኢ ዚውስኽ ዓመጽን፣ ነቲ ሕሰምን ድኽነትን ዘስዕብ በደልን ኣብ ግምት ምስ እተእቱ፡ ንእሽቶን ሓይሊ ዘይብልካን ኰይኑ ኺስምዓኩም ዚከኣል እዩ። እዚ ፈተና እዚ ኣብ ዘጋጠመኩም እዋን፡ ንጨውን ንደቀቕቲ ፍረኡን ክትጥምቱ ፈትኑ። ጨው ንእሽቶ ቀመም ኮይኑ ኣብ ልዕሊ መግቢ ምስ ተቐመጠ ይጠፍእ፣ ይሓቅቅ፤ ግን በዚ መልክዕ እዚ ንብምልኡ ነቲ ምግቢ የምእዞ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ዋላ እኳ ደቀቕትን ድኹማትን እንተኾንና፡ ዋላ’ውን ኣብ ቅድሚ ዕቤት ጸገማትናን ዕዉር ቁጥዐ ዓመጽን ሓይልና ንእሽቶ ኮይኑ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ንሕና ክርስትያን ኣብ ምቕያር ታሪኽ ወሳኒ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኢየሱስ ከም ጨው ክንከውን ይደልየና፣ ንእሽቶ ቊንጣሮ ጨው ኣብ ምግቢ ይሓቅቅ እሞ ፍሉይ መኣዛ ይህቦ። ንሕና እውን ብምንም ተኣምር ንድሕሪት ክንምለስ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምኽንያቱ ብዘይካ እዛ ቚንጣሮ ጨው ማለት ብዘይ ንእሽቶ ኣበርክቶና ኩሉ ጣዕሚ ዘይብሉ ይኸውን። ስለዚ ካብቲ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ክቐርብ ዝኽእል ዓበይቲ ጒዳያት ዘይኮነስ ካብቲ ንታሪኽ ዝቕይር ንኣሽቱን ኣገደስትን ነገራት ንጀምር። ብስም ኢየሱስን ብስም ብፅዕዕናታቱን፡ ናይ ጸሎትን ምጽዋትን ኣጽዋር ክንወስድ እሞ፡ ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ኣጽዋር ክነንብር ሓደራ። ነቲ ምስ ግዜ ሕዱር ኮይኑ ዝጸንሐ ጽልእን ቂመ በቀልን ሰጊርና ቀቢላታትን ብሄራትን ኣብ ነንሕድሕድን ከውድቃእኦ ንዝኽላ ሓደጋ ንምጉዳል ንጋደል። ናይ ይቕረታ ጨው ኣብ ቁስልታትና ምልካይ ንመሃር፤ ጨው የቃጽል እዩ እንተኾነ ግን ይፍውስ እዩ። ልብና በቲ ዘጋጠመና በደል እንተደመየ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ንኽፍኣት ብኽፉእ ንምምላስ እምቢ ብማለት፡ ብውሽጥና ጥዑያት ኰንና ክንዓቢ ኢና። ከምቲ እግዚኣብሔር ዘፍቅረና ንሓድሕድና ተቀባቢልና ብቅንዕናን ብልግስን ንፋቐር። ነቲ ዘለናዮ ሠናይ ኣኽቢርና ነዕብዮ፣ ብኽፍኣት ክንበላሾ ድማ ኣይንፍቀደሉ! ሕጂ ናብታ ኢየሱስ ዝተጠቐመላ ካልኣይቲ ምሳሌ ንስገር፣ ንሳ ድማ ብርሃን እያ፡ ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም ይብለና። ብዛዕባ ሕዝበ እስራኤል ዓቢ ትንቢት ተነጊሩ ነበረ፡ “ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡ ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ” (ኢሳ 49፡6)። ሕጂ እቲ ትንቢት ተፈጺሙ ኣሎ፡ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣቦ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ወዱ (ዮሓ 8፡12)፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንህዝብን ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃን፡ ኣብ ጸልማት ዘብርህ ብርሃን ስለ ዝለኣኾ ንነፍሲ ወከፍ ደበና ጸልማት በተኖ (ዮሓ 1፡5.9)። ብርሃን ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንሳቶም እውን ብርሃን ዓለም ምዃኖም ነግሮም። እዚ ማለት፣ ብርሃን ዓለም ናይ ዝኾነ ክርስቶስ ብርሃን ምስ እንቕበል ንሕና እውን “ብርሃን” ንኸውን እሞ ብርሃን ኣምላኽ ናብ ዓለም ነንጸባርቅ! ኢየሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣብ ጎቦ እተሃንጸት ከተማ ክትሕባእ ኣይትኽእልን እያ። መብራህቲ ምስ በርሀ ኣብ ልዕሊ ቐንዴል እምበር ኣብ ትሕቲ ከፈር ዘቐምጦ የልቦን በዚ ከኣ ኣብታ ቤት ንዘለዉ ኩሎም የብርህ” (ማቴ 5፡15) ይብል። እዚ’ውን ኣብቲ እዋን እቲ ፍሉጥ ምሳሌ እዩ ነይሩ። ኣብ ገሊላ ዝርከባ ብዙሓት ዓድታት ኣብ ጎቦታት ዝተሃንጻ ኮይነን ካብ ርሑቕ ይረኣያ ነበራ። ኣብ ኣባይቲ ዚርከብ መብራህቲ፡ ንዅሉ መኣዝናት ሓንቲ ክፍሊ ምእንቲ ኼብርህ፡ ልዕል ኢሉ ይቕመጥ ነበረ። ነቲ መብራህቲ ንክጠተጥፍእ “ቡሸል” ብዝበሃል ቁራጽ ሥራሓት መሬት ይሽፈን ነበረ፣ እዚ ድማ ነቲ ሃልሃልታ ኦክስጅን ይኸልኦ በዚ ድማ እቲ መብራህቲ ይጠፍእ ነበረ። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ክንከውን ክሓተና እንከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንጹር እዩ። ንሕና ደቀ መዛሙርቱ ዝኾንና፡ ከም ኣብ ጎቦ ዝተቐመጠት ከተማ፡ ከም ሃልሃልታኣ ፈጺማ ዘይትጠፍእ መብራህቲ ክንበርህ ተጸዊዕና ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ከባቢና ብዘሎ ጸልማት ቅድሚ ምጭናቕና፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ጽላሎት ክበርህ እዩ ኢልና ተስፋ ቅድሚ ምግባርና፡ ንከተማታትና፡ ዓድታትናን ገዛውትናን፡ ንፈለጥትናን ንኹሉ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብህይወትናን ብሠናይ ግብርናን ብርሃን ክንህብ፡ ዝተጸዋዕና ኢና። እግዚኣብሄር ሓይሊ ክህበና እዩ፣ ኣብኡ ብርሃን ክንከውን ሓይሊ ክህበና እዩ። ኩሉ ሰብ ሠናይ ግብርና ምእንቲ ክርኢ፣ ርእዮም ድማ ከምቲ ኢየሱስ ዘዘኻኽረና ብእግዚኣብሔር ክሕጎሱን ክብሪ ክህብዎን እዩ። ኣብ ምድሪ ከም ውሉድ ኣምላኽ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን እንተነቢርና፡ ሰባት ኩላቶምና ኣብ ሰማይ ኣቦ ከም ዘለና ክፈልጡ እዮም። ንሕና እምበኣር ብፍቕሪ ክንቃጸል፡ ብርሃንና ፈጺሙ ከይጠፍእ፡ ክፍኣተ ግብሪ ብንጹህ ኣየር ምስክርነትና ምእንቲ ክእለ፡ ኦክስጅን ምግባረ ሠናይ ካብ ህይወትና ከይሃስስ ሓደራ ንበሃል ኣሎና። እዛ ኣዝያ ጽብቕቲ ግን ከኣ ብዓመጽ ዝተበላሸወት ሃገር፡ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለኩም ብርሃን ወይ ብዝሓሸ መንገዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍኩም ዘሎ ብርሃን የድልያ ኣሎ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ሕውነታዊ ጣዕሚ ወንጌልኩም ናብ ምሉእ ደቡብ ሱዳን ዝዝርጋሕን ዝሓቅቅን መኣዛ ዝህብን ጨው ክትኮኑ ጸሎተይ እዩ። ክርስትያናዊ ማሕበረሰባትኩም ከምተን ኣብ ጎቦ ዝተሃንጻ ከተማታት፣ ብድምቀት ከንጸበራቁ፣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ብርሃን ሠናይነት ከብርሁን ብልግስን ወፈያ ገዛእ ርእስኹምን ብምንባር፣ ተስፋ ከምዝህሉን ብሓባር ምንባር ጽቡቕን ዝከኣልን ምዃኑ ከርእዩ ዝተዓረቐ መጻኢ ንምህናጽ ዘኽእሉን ይኹኑ። ኣሕዋትን ኣሓትን ወትሩ ምሳኻትኩም ኣሎኹ፣ ነቲ “ኣምላኽ ሰላም”ን (ፊል 4፡9) ‘‘ናይ ኩሉ ምጽንናዕ” (2ቆሮ 1፡3) ኣምላኽን፡ ዝኾነ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ነፍስወከፍኩም ክፍስሶ ዝደሊ መድሓንን ብርሃንን ዝኾነ ሓጐስ ወንጌል ከም እተስተማቕሩ ብጸሎተይ አረጋግጸልኩም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
06 February 2023, 13:11