ኣጽዋርኩም ኣውርዱ! ንምሕረት ኣምላኽ ኢድኩም ዘርጊሕኩም ተቀበሉ! ር.ሊ.ጳ
“Esengo [ሓጎስ]: ንዓኹም ምርኣይን ምሳኹም ምርኻብን ዓቢ ሓጎስ እዩ። ነዛ ህሞት እዚኣ ኣዝየ እየ ተጸቢየያ። ኣብዚ ስለ ብምምጻእኩም ብልቢ አመስግነኩም። ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ምሸት ፋሲካ ድራር ፋሲካ እንክገብሩ ዝነበሮም ሓጐስ እውን ዓቢ ምንባሩ፡ ብዝበለጸ ከኣ “ንጐይታ ምስ ረኣይዎ” (ዮሃ 20፡20) ማለት ድሕሪ ትንሣኤኡ ብታሕጓስ ከምዝተትኮሱ ይነግረና። ኣብዚ ናይ ሓጎስን ኣግራሞትን ሃዋህው እንከለው ኸኣ እቲ ካብ ሞት ዝተንሠአ ኢየሱስ ይዛረቦም። እንታይ ይብሎም? ቢልና እንተሓተትና ልዕሊ ዅሉ ብሠለስተ ቀለልቲ ቃላት ዝቆመት ሓረግ፡ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን!” (ቁ. 19) ይብሎም። እዚ ሰላምታ እዚ ግን ካብ ማንም ሰላምታ ንላዕሊ እዩ: ህያብ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ መላእኽቲ ኣብ ኣብ ቤተልሄም ኣብታ ንሱ ዝተወልደላ ለይቲ ዝኣወጅዎ ሰላም (ሉቃ 2፡14)፡ ከምኡ እውን እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክሰናበቶም እንከሎ ቃል ዝኣተወሎም ሰላም (ዮሃ 14፡27)ነበረ። ሕጂ ከኣ፡ ንመጀመርታ እዋን ብኽብሪ ይወሃቦም ኣሎ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ዝህበና ሰላም ናይ ፋሲካ ሰላም እዩ። ካብ ትንሣኤ ዝመጽእ ሰላም እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ጐይታ ቅድሚ ዝኣገረ ነቶም ቀንዲ ጸላእትና ዝኾኑ ሓጢኣትን ሞትን ስዒሩ ንዓለምና ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ክዓርቕ ስለ ዝነበሮ እዩ። ብሕትውናናን ዝተሓደግና ምዃናን፡ ሲኦልናን፡ ነቲ ካብ ህይወትን ተስፋን ዝፈልየና ርሕቐት ሃንጐፋይ ቢሉ ተቀቢሉ ብምእላይን ከስተማቕሮ ነይርዎ። ኢየሱስከስ ነቲ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ርሕቀት ድሕሪ ምእላይ እዩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሰላሙ ዝህቦም። እስኪ ንገዛእ ርእስና ኣብ ቦታኦም ነቐምጣ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብናይ መስቀል ዕንቅፋት ምሉእ ብምሉእ ተዳሂሎም፣ ንኢየሱስ ሓዲጎም ብምህዳሞም ብውሽጦም ቆሲሎም፣ በቲ ሕይወቱ ዝተዛዘመሉ ኣገባብ ተደናጊሮምን ህይወቶም እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከይውዳእ ፈሪሆምን ነበሩ። ናይ ገበን ክሲ ይሓቅዮ፡ ተስፋ ምቑራጽን፡ ሓዘንን ፍርሕን ወዘተ ይስምዖም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ዋላ’ውን ልቢ ደቀ መዛሙርቱ ባይታ ዘቢጡ ይንበር፣ ኢየሱስ ደበኽ ቢሉ ሰላም ይእውጅ። ዋላ ብሞት ተኸቢቦም ከምዘለው ይሰማዓዮም ኢየሱስ ግን ህይወት የበስሮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብሃንደበትን ዘገረም ኣገባብን ኣብታ ኩሉ ነገሮም ዝተወድአ ዝመስሎም ህሞት ዋላ ሓንቲ ንእሽቶ ሰላም ዘይነበረሉ ህሞት እዩ ሰላም ኢየሱስ ዝመጾም ዘሎ። ጎይታኸስ ከምኡ እዩ ዝገብር: የገርመና፤ ክንወድቕ ከለና ብኢድና ይሕዘና፤ ባይታ ዘቢጥና ኣብ ታሕቲ ኣብ ከውሒ ክንወድቅ ከለና ሓፍ ኣቢሉ ንላዕሊ የልዕለና። ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ኢየሱስ ክፍኣት ፈጺሙ ኣይዕወትን፣ ክፍኣት ናይ መወዳእታ ቃል የብሉን። ኢየሱስ “ሰላምና ስለዝኾነ” (ኤፌ 2፡14)፡ ሰላሙ ከኣ ወትሩ ሰዓሪ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንሕና ናይ ኢየሱስ ዝኾንና ንሓዘን ፈጺምና ክንምብርከኽ የብልናን፤ ተስፋ ቊርጸትን ሕማቅ ዕድልን ክሕዘና ፈጺምና ክነፍቅድ የብልናን። ዋላ ከምዚ ዚመሰለ ሃዋህው ኣብ ዙርያና እንተ ነገሰ፡ ንዓና ግን ከምኡ ክኸውን የብሉን። ኣብዛ ብዓመጽን ውግእን ተስፋ ዝቆረጸት ዓለምና፡ ንሕና ክርስትያን ከም ኢየሱስ ክንኮና ኣሎና። ኢየሱስ ነዛ ነጥቢ እዚ ከድምቃ ስለዝደለየ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ደጊሙ ከምዚ በሎም፦ ሰላም ምሳኹም ይኹን! (ዮሃ 20፡19, 21)። ነዚ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦን ትንቢታውን መልእኽቲ ሰላም ናይ ገዛእ ርእስና ክንገብሮን ኣብ ቅድሚ ዓለም ክንእውጆን ኢና ተጸዊዕና። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንገዛእ ርእስና ነዘን ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና፡ ከመይ ጌርና ኢና ሰላም ኢየሱስ ክንሕልዎን ከነማዕብሎን እንኽእል? ንሱ ባዕሉ ሰለስተ ምንጭታት ሰላም ይጠቅስ፣ ካብዘን ሰለስተ ምንጪታት እዚአን ሰላም ክንሕብሕብ እንከለና ካብአን ክንወስደሎም እንኽእል ከኣ ይቕሬታ ወይውን ምሕረት፡ ማሕበረሰብን ተልእኾን እዮም። እስከ ነቲ ቀዳማይ ምንጪ ንመልከት: ይቕሬታ። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ይብሎም፦ ‘ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩምሎም ክኅደገሎም እዩ’ (ቍ. 23) ማለት ይቅረ ክበሃለሎም እዩ ይብሎም ። ምስናይዚ ግን ንሓዋርያት ይቕረ ናይ ምባል ሓይሊ ቅድሚ ምሃቡ ብዘረባ ዘይኮነስ ብግብሪ ይቕረ ይብለሎም። ይቅሬታኸስ ቀዳማይ ተግባር ተንሣኤ ጐይታ እዩ። ወንጌል ከምዚ ይብለና፣ “ኣእዳዉን ጎድኑን ኣርኣዮም” (ቍ. 20)። ኢየሱስ ቁስሉ ኣርኣዮም። ይቕሬታ ካብ ቁስሊ ስለ ዝውለድ ከኣ እዩ፡ ቁስሉ ዘርኣዮም። ቁስልና በሰላ ጽልኢ ዘይገድፍ፡ ንኻልኦት ቦታ ንኸፍተሉን ድኽመቶም እንቕበለሉን እንሽፍነሉን መሳርሒ ምስ ዝኸውን እዩ ይቅሬታ ዝውለድ። ድኻምነትና ዕድል ይኸውን፡ ይቕረ ምባል ድማ መንገዲ ሰላም ይኸውን። እዚ ማለት ግን ምንም ከምዘይተገብረ ግልብጥ ቢልና ዝቕየር ነገር ከምዘየለ ጌርና ንዋሳእ ማለት ኣይኮነን፤ የግዳስ ንኻልኦት ብፍቕሪ ልብና ንኸፍት። ኢየሱስ ዝገብሮ እዙይ እዩ: ምስ ሓዘንን ሕፍረትን ናይቶም ዝኸሓዱዎን ዝሃደሙን ገጢሙ ቁስሉ ኣርእዩ ዓይኒ ምሕረቱ ይኸፍተሎም። ንሱ ኩሉ ግዜ ብፍቕርና ከም ዝቖሰለ ክነግረና ቢሉ፡ ነቲ ዝቖሰለ ልቡ ኣግፊሑ ይኸፍቶ እምበር፡ ቃላት ኣየብዝሕን። ኣሕዋት ኣሓትን! በደልን ሓዘንን ክዕብልለና ከሎ፡ ነገራት ጽቡቕ ምስ ዘይከዱ፡ ናበይ ከም እንጥምት ንፈልጥ ኢና: ናብቲ ቁስሊ ናይቲ መወዳእታ ብዘይብሉ ዝቖሰለን ብፍቕሩ ወትሩ ይቕረ ክብለና ድሉው ዝኾነን ኢየሱስ ንጠምት። ቁስልታትና ይፈልጦ እዩ፤ ቁስሊ ሃገርና፡ቊስሊ ህዝብና፡ ቊስሊ መሬትና ይፈልጦ እዩ! ብቐጻሊ ብጽልእን ዓመጽን ዝተለኽፉ፡ መድሃኒት ፍትሕን ቅብኢ ተስፋን ፈጺሙ ዝበጽሖም ዘይመስል፡ ዘቀንዝው ኣቊሳል እዮም። ሓወይ ሓፍተይ! ኢየሱስ ምሳና ይሳቐ ኣሎ። ነቲ ኣብ ውሽጥኹም እትስከምዎ ቁስሊ ይርእዩ እዩ፣ ከጸናንዓናን ክፍውሰናን ድማ ይምነ፤ በዚ ከኣ ነቲ ውጉእ ልቡ የቕርበልና። ንልብና ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ብነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃላት፡ ማለት “ክፍውሶም እየ፤ ኣነ ክመርሖምን ብምጽንናዕ ክፈድዮምን እየ” (ኢሳ 57፡18) ንዝብል ንድገመሉ። ብሓባርከስ፡ ኢየሱስ ወትሩ ይቕረ ንኽንበሃልን ከም ብሓድሽ ክንጅምርን ተኽእሎ ከም ዝህበና፡ እንተኽዕነ ግን ቅድሚ ዝኣገረ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ንታሪኽን ይቕረ ክንብል ሓይሊ ከም ዝህበና ክንኣምን ኣሎና! ክርስቶስ ዝደልዮ ከኣ እዚ እዩ። ብይቕሬታኡ ክቐብኣና፣ ሰላም ክህበናን ንኻልኦት በግደና ይቕረ ክንብል ትብዓት ክህበናን፣ ንኻልኦት ዓቢ ናይ ልቢ ይቕረታ ክንህብ ትብዓት ክህበና ይደሊ ኣሎ። ንልብና ካብ ቁጥዐን ጣዕሳን፡ ካብ ኩሉ ኣሰር ቂምን በቀልን ጽልእን ምንጻህ ከመይ ዝበለ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ ይመስለኩም! ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ሎሚ ናይ ኢየሱስ ይቕረታ ክትቅበሉን ክትመሃሩሉን እትኽእሉሉ ናይ ጸጋ ግዜ ይኹነልኩም! ነቶም ኣብ ልብኹም ከቢድ ጾር ተሸኪምኩም ክለዓለልኩም ሃረር እትብሉ ሎሚ ዳግም ብናጽነት እተስተንፍሱሉ ትኽክለኛ ግዜ ይግበረልኩም። ንኹልኹም ኣብዛ ሃገር እትነብሩ ክርስትያን እትብሉ ግን ከኣ ኣብ ዓመጽ እትዋፈሩ ናብ ሠናይ መሊሱ ሠናይ ግዜ ይግበረልኩም። ጐይታኸስ “ኣጽዋርካ ኣራግፍ ምሕረት ተቀበል” ይብለና ኣሎ። ንኹሎም ውጉኣትን ውጹዓትን ናይዚ ህዝቢ እዚ፡ “ኣቁሳልኩም ኣብ ቊስልታተይ ንምቅባር ኣይትፍርሑ” ይብሎም ኣሎ። ነዚ ንግበር ኣሕዋት። ቁስልካ ምስ ቁስሊ ኢየሱስ ክትካፈል ነቲ መስቀል ካብ ክሳድካን ካብ ጁባኻን ኣውጺእካ፡ ኣብ መንጎ ኣእዳውካ ሒዝካ ናብ ልብኻ ኣቅሪብካ ንምሓዙ ኣይትፍራሕ። ደሓር ነናብ ዓድኹም ምስ ተመለስኩም ነቲ መስቀል ካብ መንደቕ ውሰድዋ እሞ ሕቈፍዎ። ክርስቶስ ልብኻትኩም ንክፍውስ ዕድል ሃብዎ፣ ሕሉፍ ታሪኽኩም ምስ ኩሉ ፍርሕታትኹምን ሽግራትኩምን ንዕኡ ኣረክክብዎ። ንሰላሙ ማዕጾ ልብኻን ገዛኻን ምኽፋት ከመይ ዝበለ ሠናይ ነገር እዩ! ስለምንታይ ደኣ ነተን ቃላቱ ኣብ መናድቕኩም ዘይትጽሕፍወን፡ ኣብ ክዳውንትኹም ዘይትለብስወን፡ ኣብ ኣባይትኹም ድማ ከም ምልክት ዘይትገብወን! ሰላም ምሳኹም ይኹን! ነዚ ቃላት እዚ ምርኣይ ንሃገርኩም ትንቢታዊ መግለጺ ክኸውን እዩ። ኣብ ልዕሊ ኩሎም እትረኽቦም ድማ በረኸት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ። ሰላም ምሳኹም ይኹን: ካብ ኣምላኽ ይቕረታ እንቕበል ብግደና ነንሕድሕድና ይቕረ ንበል! ሕጂ ናብቲ ካልኣይ ምንጪ ሰላም ማለት ማሕበረሰብ ንመልከት። እቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ኢየሱስ ንሓደ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ኣይዛረብን፤ ከም ጉጅለ ማለት ማሕበር ኮይኖም እንከለው ይረኣዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ቀዳማይ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ሰላሙ ይህብ። ልክዕ ከምቲ ብዘይ ሕውነት ሰላም ዘየለ፡ ብዘይ ሕብረተሰብ ክርስትና የለን። ከም ሕብረተሰብ ግን ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና፡ ካበይከ ኢና ሰላም እንረክብ? ደጊምና ንደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ንመልከት። ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ደድሕሪ ኢየሱስ ይኸዱ ነበሩ፣ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ምሕሳቦም ግን ኣየቋረጹን። ንጸላእቱ ስዒሩ ተኣምራትን መንክራትን ዝገብር፣ ንኣታቶም ከኣ ሃብታማትን ፍሉጣትን ዝገብሮም ሰዓሪ መሲሕ ክኾኖም ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ምስናይዚ ግን እዚ ዓለማዊ ሃረርታ እዚ ጥራይ ኢዶም ገደሮም፣ ዝገደደ ከኣ ንማሕበረሰቦም ሰላም መንዚዖም ክትዕን ተቓውሞን ፈጠረሎም (ሉቃ 9፡46፤ 22፡24)። ንኣና እውን ተመሳሳሊ ሓደጋ እዩ ዘጋጥመና። ምስ ካልኦት ክንከውን፡ ግን ከኣ ኣብ ክንዲ ናይ ኣምላኽ መንገድና ንሕዝ፡ ብመንገድና ክንጐዓዝ፤ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ፡ ሥልጣን፡ ሞያ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ህርፋን ክነርዊ ሃረር ንብል። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቲ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ፍጻሜ የጋጥመና። ኣብ ዕጽው ገዛ ተሓቢእና፡ ብዘይ ተስፋ፡ ብፍርሕን ተስፋ ቊርጸት ተመሊእና ንተርፍ። ደቂመዛሙርቲ ግን ኣብ በዓል ፋሲካ ሳላ ኢየሱስ፣ ዳግማይ መንገዲ ሰላም ይረኽቡ፣ ኣብ ግንባሮም ኡፍ ይብለሎም እሞ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” (ዮሃ 20፡22) በሎም። ሳላ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ደጊም እንታይ ከም ዝፈላልዮም ኣይኮኑን ዝጥምቱ፡ እንታይ ከም ዝጥርንፎም እዩ ዝጥምቱ። ድሕሪ ደጊም ንገዛእ ርእሶም ዘይኮነስ ንኻልኦት ከገልግሉ ናብ ዓለም ክወጹ እዮም፤ ኣቓልቦ ንምርካብ ዘይኰነስ፤ ተስፋ ንምቕራብ፡ ሞገስ ንምርካብ ዘይኰነስ፡ ህይወቶም ምእንቲ ጐይታን ንኻልኦትን ብሓጐስ ንምውፋይ ተበገሱ። ኣሕዋትን ኣሓትን! ኩሉ ግዜ ኣብ ክንዲ መንፈስ ክርስቶስ መንፈስ ዓለም ክንስዕበሉ እንኽእል ሓደጋ ኣሎ። ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ናይ ሥልጣንን ገንዘብን ሃረርታ ተቓዊምና ኣብ ምፍልላይ ከይወደቅና፡ ነቲ ንሕብረተሰብ ዝሽርሽር ፈተናታት ልዕልና ሞያ፡ ከምኡ’ውን ንርእስና ጥራይ ከምእንሓስብ ዝገብረና ናይ ሓሶት ምትላል ደስታን ጥንቆላን ክንብድሆ እንኽእል? ሕጂ ውን ብነብይ ኢሳይያስ ኣቢሉ እግዚኣብሑር መንገዲ ይሕብረና ኣሎ። ከምዚ ከኣ ይብለና: “ኣነ...ንመንፈስ ትሑታት ንምትንሳእ፣ ንልቢ እቶም ዝተጣዕሱ ድማ ንምትንሳእ ምስቶም ዝተጣዕሱን ብመንፈስ ትሑታትን እነብር ኣለኹ” (ኢሳ 57፡15)። መንገዱ ምስ ድኻታት ምክፋል እዩ: እቲ ዝበለጸ ጸረ ፈተናታት ምፍልላይን ዓለማውነትን ከኣ እዚ እዩ። ድኻታት ኣባላት ሕብረተሰብና እምበር ካብ ምርኣይናን ካብ ሕልናናን ኣርሒቕና እነቀምጦም ጓኖት ስለዘይኮኑ ጠሚትና ክንሰምዖም ትብዓት ክህልወና የድሊ። ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጸገማት ወይ ልዑል ስክፍታታት ምዕጻው፡ ንኻልኦት ልብና ንኽፈት። ካብ ድኻታት ንጀምር እሞ ኩላትና ውሽጣዊ ድኽነት ከም እንካፈል፡ ኩላትና ካብ መንፈስ ዓለም ሓራ ንምውጻእ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘድልየና፡ ትሕትና ድማ ዕቤትን ሕውነትን ሓቀኛ ሃብቲ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምዃኑ ክንግንዘብ ኢና። ብማሕበረሰብ ኣሚንና፡ ብሓገዝ እግዚኣብሔር፡ ካብ ዓለማዊ መንፈስ ነጻ ዝኾነትን ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልአትን፡ ሃብቲ ንምእካብ ዘይትግደስን ብሕውነታዊ ፍቕሪ ዝተመልአትን ቤተ ክርስቲያን ንህነጽ! ኣብ መወዳእታ ናብቲ ሳልሳይ ምንጪ ሰላም ማለት ተልእኾ ንመልከት። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ከምቲ ኣቦ ዝለኣኸኒ ኣነ ድማ ከምኡ እልእከኩም ኣለኹ” ይብሎም (ዮሓ 20፡21)። ከምቲ ኣቦ ዝለኣኾ ንሱ ይልእኸና እዩ። ምስናይዚ ግን ኣቦ ንኢየሱስ ከመይ ቢሉ ናብ ዓለም ሰደዶ? ቢልና ምስ እንሓትት! ንሰብኣውነት ከገልግልን ህይወቱ በጃ ምእንቲ ክህብን (ማር 10፡45)፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሕረቱ ከርኢ (ሉቃ 15) ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ክደሊ (ማቴ 9፡13) ለኣኾ። ብሓደ ቃል ኣቦ ናብ ዅሉ ሰብ ለኣኾ: ንጻድቃን ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ሰብ ለኣኾ። በዚ መዳይ’ዚ፡ “ሰላም፡ ሰላም፡ ንርሑቕን ቀረባን፡ ይብል እግዚኣብሔር” (ኢሳ 57፡19) ዝብል ቃል ኢሳይያስ ደጊሙ ይስማዕ። መጀመርታ ናብ ርሑቕ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ቀረባ: ናብ “ናትና” ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ሰብ ሰላም ይእወጅ። ኣሕዋትን ኣሓትን! ናይ ሰላም ሚስዮናውያን ክንከውን ተጸዊዕና ኢና፣ ሰላም ዘምጽኣልና ከኣ እዚ ጸዋዕታ እዚ እዩ። ክንወስዶ ዘለና ውሳነ እዩ። ኣብ ልብና ንኹሉ ሰብ ቦታ ክንረክብ ኣለና፤ ብሄራዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ካልኣይ ደረጃ እምበር ዕንቅፋት ከምዘይኮነ ምእማን የድሊ፤ ካልኦት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣባላት ሓደ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ምዃኖም፤ ከምኡ’ውን እቲ ኢየሱስ ናብ ዓለም ዘምጽኦ ሰላም ንኹሉ ሰብ ዝዓለመ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ንሕና ክርስትያን ምስ ኩሉ ክንተሓባበር፡ ዑደት ዓመጽ ክንሰብር፡ ተንኮላት ጽልኢ ክነፈርስ ከም ዝተጸዋዕና ክንኣምን የድልየና። እወ ብክርስቶስ ዝተላእኽና ክርስትያን ትርጒምና ኣብ ዓለምና ናይ ሰላም ሕልና ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ነቐፍቲ ሕልና ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ናይ ፍቕሪ መሰኻኽር ኢና። ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ዘይኮነስ ብዛዕባ ናይ ወንጌል መሰላት ዝኾኑ ሕውነትን ፍቕርን ይቕሬታን እንግደስ ኢና። ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ጉዳይ ዘይግደሱ፡ ናይቲ “ጽሉል ፍቕሪ” እንብሎ ሓያል ፍቅሪ ኣምላኽ ልኡኻት ኰና ናብ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ክነብጽሖ ዝተላእኽና ኢና። ኢየሱስ ሎሚ ኣብዛ ዓባይ ሃገር ንዝርከቡ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት፡ ማሕበረሰብ፡ ብሄር፡ ከባቢን ከተማን ሰላም ምሳኹም ይኹን ይብል ኣሎ። ሰላም ምሳኹም ይኹን! እዚ ናይ ጎይታና ቃላት ኣብ ስቕታ ልብና የቃልሕ። ናባና ኣቕሪባን ጽን ቢልና ንስመዓየን እሞ ናይ ይቕረታ መሰኻኽርን፡ ሃነጽቲ ማሕበረሰብን ኰና፡ ኣብ ዓለምና ናይ ሰላም ተልእኾ ዝተሰከሙ ሰባት ንኹን። ብማለት ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ብናይቲ ዓዲ ቋንቋ Moto azalí na matóyi ma koyóka [እዝኒ ዘለዎም ዘበሉ ነዚ ይስምዑ] ምስ በሉ ሕዝቢ ድማ Ayoka ጽን ቢልካ ስማዕ ብማለት መለሹ። ቅዱስነቶም ብምቅጻል Moto azalí na motéma mwa conven [እቶም ልባቶም ኣብዚ ጉዳይ ዘድሃበ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ይኹኑ]ምስ በሉ ሕዝቢ ድማ Andima ሠናይ ድላይ ይሃልዎም እንክብሉ መለሹ።”