ድለ

2023.02.05 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ደቡብ ሱዳን ናይ ተስፋን ሰላምን መሕደሪ ትዅም! 2023.02.05 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ደቡብ ሱዳን ናይ ተስፋን ሰላምን መሕደሪ ትዅም!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ደቡብ ሱዳን ናይ ተስፋን ሰላምን መሕደሪ ትዅም!

“ነዚ መገዲ ዕርቅን ሰላምን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሓላፍነት አወክፋ - እታ ዝዓበየትን ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ እታ ዝነኣሰት - እግዚኣብሔር ልዕል ዘበላ ንነፍሲ ወከፍና ቀረባ ዝኾነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ከተበርትዓና እቲ ጉዕዞ ሰላምን ዕርቅን ንዓኣ ሕድሪ እብል።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ለካቲት ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምምላሶም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት መካነ መቓብር ነፍሰ ሄር ጆን ጋራንግ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ከምኡ እውን እቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ተኻኣሊ ንኽኸውን ስለ ዝተገብረ ዕዮም ኣብዚ ዕዮ እዚ ንዝተዋፈሩ ኩሎም ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብውልቂ ዘለዎም ፍቕሪ ጥራይ ዘይኮነ፥ “ስለ እምነትኩምን ትዕግስትኹምን ስለቲ እትገብርዎ ሰናይን ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ንቕድሚት እናሰጎምኩን ጸገማትኩም ኩሉ ንኣምላኽ ኣሕሊፍኩም እትህቡ ብምዃንኵም እውን ብሓቂ አመስግነኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ፥ እተካፍሎ ህያብ እዩ

ኣብታ ሃገር ኣብ  መንጎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘሎ ጥቡቕ ሕብረት ቅዱስነቶም ኣስተውዒሎም፡ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ወልባይ ብዛዕባ ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ፥ “ብጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ዝተጻወረቶ መከራ ናብ ተስፋ ዝቐየረት ቅድስቲ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፥ ተስፋ “ንነፍሲ ወከፍን እንዕደሎን እነካፍሎን ዘፍርን” ህያብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ፥ “ምልክት ተስፋ እያተን” ስለዚ ንመላእ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር እባርኽን አመስግነንን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጉዕዞ ናብ ሰላም

ቅዱስነቶም ቀጺሎም “ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ሰላም ዝብል ቃል ከም እተቓልሐን [ . . . ] ኣብተን ዝቕጽላ መዓልታት እውን ከምኡ ይዅን፡” ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ምስኦም ዝሓበሩ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጀስቲን ወልባይን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ መጋቤ ዶክተር ያን ግሪንሺልድስን ምሳይ ብሓባር ህዝቢ ሱዳን ናብ ነባሪ ሰላም ናብ ዝወስድ መገዲ ከብል ዝከኣሎም ኵሉ ከም ዝገብሩ እኣምን።”

ተስፋን ሰላምን ኣብ ደቡብ ሱዳን ‘ይሕደር’

“ነዚ መገዲ ዕርቅን ሰላምን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሓላፍነት አወክፋ - እታ ዝዓበየትን ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ እታ ዝነኣሰት - እግዚኣብሔር ልዕል ዘበላ ንነፍሲ ወከፍና ቀረባ ዝኾነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ከተበርትዓና እቲ ጉዕዞ ሰላምን ዕርቅን ንዓኣ ሕድሪ እብል።”

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መላኣ ኣፍሪቃን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ጉዕዞ እምነቶም ስደትን ሓደጋን ከምኡ እውን ብድኽነት ምእንቲ ዝሳቐዩን  በማላድነታ ንጸሊ” ቢሎም፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘኪሮም፥ ንማርያም ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሰላም ጉዳይ ዝምልከት ዘበለ ኩሉ ሓደራ ቢሎም፥ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ዝምለሱ እውን እንተኾነ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብዝያዳ “ኣብ ልበይ ኢኻትኩም - ተስፋ ኣይትቑረጹ ሰላም ንምሃንጽ ዘኽእል ዕድላት ድማ ኣይተባኽኑ፥”

ተስፋን ሰላምን ኣብ ማእከልኩም ይሕደር፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ከምኡ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 February 2023, 10:41