ድለ

TURKEY EARTHQUAKE TURKEY EARTHQUAKE  (ANSA)

ነቶም ብውግኣትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዝሳቐዩ ዘለው ጭቡጥ ምጽዋት ነቅርብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 19 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነቲ ዝሓለፈ ዕለት 6 ለካቲት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሶርያን ቱርኪን ክሳብ ሕጂ ከኣ ልዕሊ 46,000 ግዳያት ዘስዓበ ብምዝካር ስለ ህዝቢ ሶርያን ቱርኪን ሓድሽ ጻውዒት ኣቅሪቦም። ምሳኡ እውን ንዩክሬንን ካልኦት ኣብ ኲናት ወይ ብድኽነትን ስእነት ናጽነትን ዝተሃስዩ ህዝብታትን ከይርስዕ ከማኡ እውን ነቶም ብጋብርኤል ዝተሰመየ ምዕልቅላቅ ንፋሳት ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኒውዘላንድ ዝወረደ ሞትን፣ መጉዳእትን፣ ዝጠፍኡ ሰባትን ከማኡ እው ኣብ ሕርሻዊ ምህርትን ኣባይትን ብዝወረደ ዓቢ ጉድኣት ንዝተሃስዩ ኒውዚላንዳውያን ቅርቶም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ ሳምንታት እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓለም ብዓለሙ ብሓሳብን ብተግባርን ተጐሃህሮ ዘላ ኲናት ዩክሬንን ሩስያን ካልእ ግርጭታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምንቅጥቃጥ ምድርን ምዕላቅላቅ ማይን ንፋሳትን ተሓዊስዎ፣ እቶም ወትሩ ግዳይ ዝኾኑ ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ተኣፈፍቲ ክፍልታት ሕብረተሰብን፣ ብሕጽረት መግብን መጋበሪ መነባብሮን ከማኡ እውን ብኽሕደት መሰልን ዝሳቐዩ ህዝብታት ዓለም ብዓለማ ተሓባቢራ ዓለም ለኻዊ ደገፍ ክትገብረሎም ዝጽውዕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ብቀዳምነት ዝዘከርወን እተን ዝሓለፈ ዕለት ብ6 ለካቲት 2023 ዓም ብዘጋጥመ ዘርዕድ  ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነዋ ሶርያን ቱርኪን፡ እንክኾና እንተኾነ ነታ ንሓደ ዓመት ምስ መመላእታ መዕለቢት ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ኰይና ቃልቃል ቢላ ትቃጸል ዘላን ህዝባ ኣደዳ ጥሜትን ዓጸቦን ቊርን ኣስሓይታን ስደትን መከራን ኮይና ንዘላ ክንዝክር ኮታስ ኣብ መላእ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዓለና ንዝሳቐዩ ሰባት ክንጥምት ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም።

“ፍቕሪ ኢየሱስ ብኩነታት እቶም ብሓዊ ዝፍተኑ ሰባት ልብና ክትንከፍ ክንፈቅድ ይሓተና ኣሎ። ብፍላይ ብዛዕባ ሶርያን ቱርኪን፡ ናይተን ብዙሓት ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ መዓልታዊ ድራማታት እንክንዝክር ከማኡ እውን ክቡር ህዝቢ ዩክሬንን ናይ ብዙሓት ብሰንኪ ኲናት፡ ብሰንኪ ድኽነት፡ ስእነት ናጽነት፡ ዕንወት ከባቢ ዝሳቐዩ ህዝብታትን እየ ንሕብ። ብዙሓት ህዝብታት...ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 46 ሽሕ ሰባት ንዝሞቱ እውን ንዘክር።”

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪን ብዘወረደ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ልዕሊ 46 ሽሕ ሰባት ዝገልጽን ገና እውን ሓደስቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይምዝገቡ ይምዝገቡ ምህላዎም ዜና ይመጾም ከምዘሎ ኣመልከቱ። ቅድሚ ትማሊ ምሸት 5.1 ረክተር ዝዓቐኑ ኣብ ኣውራጃታት ጎክሱን ካህራማንማራሽ ተመዝጊቡ። ቅዱስነቶም ንህዝቢ በዚ ዝተጐድኣ ዞባታት ብመንገዲ ጳጳሳዊ ገበዝ ግብረ ሠናይ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ኣቢሎም ንዋታዊ ሓገዝ ብምልኣኽ ጭቡጥ ቅርበት ከምዘርኣዩ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺቦም ቅርበት ር.ሊ.ጳ ዝገልጹ ዘለው ሓላፊ ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዚሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ጉጀሮቲ ካብ ዓርቢ ዕለት 17 ክሳብ ሰሉስ 21 ለካቲት ኣብ ተልእኾ ከምዝርከቡ እውን ተመልኪቱ። ቀንዲ ተልእኮ ብፁዕነቶም ምስቶም ብሰንኪ እዚ ኲናት እዚ ዝቈሰሉን ተመዛበልትን ተራኺቦም ደገፎፍን ንምግላጽ እንኽኸውን ብካል ሸነኽ ድማ ንጳጳሳት ናይታ ሃገርን ኣብ ኣገልግሎት ረድኤት ተዋፊሮም ንዘለውን ክረኽቡ ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።  

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገና ኣብ ርእሲ ዩክሬን ሚሳይላት ይዘንብ ከምዘሎ ተመልኪቱ። እዚ ዓለምሓቈፍ ወጥሪ እናኣጓሃሃረ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኡክራይና ኣብ ከተማታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዘተሓሳስብ ምዃኑ እውን ብዙሓት ስክፍታታቶም ይገልጹ።

ቅርበት ር.ሊ.ጳ ንህዝቢ ኒውዚላንድ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ብሰንኪ እቲ ጋብርየል ቢሎም ዝሰመይዎ ኣዕናዊ ህብቦላ ሕይወት 11 ሰባት ከምዝቀዘፈን ልዕሊ 5000 ከምዘቊሰለን ሃለዋት ኣዝዮም ብዙሓት ሰፋት ኣጥፊኡ ኣብ ንብረት ዓቢይ ጒድኣት ከምዘስዓበን ንብምሉኣ ሃገረ ኒውዚላንድ ከምዘንበርከኸን ብምዝካር ነዚ ዚስዕብ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

“ኣብ ጐኒ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብኣዕናዊ ህቦብላ ዝተሃስየ ህዝቢ ኒውዚላንድ ብምዃን ቅርበተይ እገልጽ። ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ዝሳቐዩ ኣይንረስዕ እሞ እቲ ግብረ ሰናይና ብትኲረት ከምዝፍጸም ኣረጋጊጽና ጭቡጥ ደገፍን ሓገዝን ነወፊ።”

ዓቢ ዕንወት!

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ሰብኣዊ ክሳራ፡ ኣብ ገለ ካብተን ኣዝየን ኣፍረይቲ ዞባታት ኒውዚላንድ፡ ኣታኽልቲ ፍረታት፡ ኣታኽልቲ ወይንን ሕርሻዊ ኣእካልን ኣዕንዩ። ጽርግያታት ተሃስዮም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ብዘይ መብራህትን ማይን ተሪፎም ከምዘለው ይግለጽ። መንግስቲ፡ እቲ ገና ብልክዕ ብቑጽሪ ክግለጽ ዘይክእል ዕንወት፡ ብመስርዕ ቢልዮናት ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። ሚኒስተር ፋይናንስ ግራንት ሮበርትሰን ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስቲ ኣብ 2011 ኣብ ክራይስትቸርች ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝወዳደር ኣሃዛት ክህሉ ትጽቢት ከምዘለዎ  እዚ ከኣ ከባቢ 7.6 ቢልዮን ዩሮ ኣቢሉ ከምዝግመት ገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 Feb 2023, 14:01