ድለ

ር.ሊ.ጳ. ስለ እቶም ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ቱርክን ሶሪያን ጸሎትን ሓገዝን ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ስለ እቶም ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ቱርክን ሶሪያን ጸሎትን ሓገዝን ይላበዉ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ስለ እቶም ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ቱርክን ሶሪያን ጸሎትን ሓገዝን ይላበዉ

ኣብ ሶርያን ቱርክን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ንዝተሃሰዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጸሎትን ብጭቡጥ ሓገዝን ቀረባኦም ንዅን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ንዝተጎድኡ ኩሎም ጭቡጥ ሓገዝን ጸሎትን ክቐርብ ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት የሐድሱ። ከምኡ እውን ነታ ብኩናት እተሃስየት ዩክረይን ጸሎት ምቕራብ ከይርሳዕ ኣዘኻኺሮም ኵሎም እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ወገናት ኣብ መገዲ ሰላም ክጓዓዙ ትብዓት ክህልዎም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ዕለት 12 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ፥ እቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወትን ሞትን ማህሰይትን ዘኪሮም፥

ኣብ ሶርያን ቱርክን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ንዝተሃሰዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጸሎትን ብጭቡጥ ሓገዝን ቀረባኦም ንዅን!

 እንክብሉ እቲ ርእደ መሬት ካብ ዘጋጠመሉ ዕለት 6 ለካቲት ኣትሒዞም ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ከም ዘሕደሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎት ምእንቲ ግዳያት ርእደ መሬትን ብኩናት ዝተሃስየት ዩክረይንን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቱርክን ሶሪያን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ከቢድ ስቓይን ህልቂትን ዕንወትን ዘርኢ ምስልታት ብሓቂ ልብኻ ብንብዓት ዝመልእ እዩ፡ ኩሎም ሰብ ጽብቕ ድላይ ኵሉ ከከም ሃይማኖቱ ምእንቲ እቶም ግዳያት ርእደ መሬት ክጽሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ብጸሎትና ንዘክሮም ጭቡጥ ሓገዝ ድማ ኣይንፍለዮም!

ምስ በሉ፥ ህልው ኩነታት ዩክረይን እናሓሰቡ፥ ነዛ ብኵናት እትሳቐይ ዘላ ሃገረ ዩክረይን

ጐይታ ናይ ሰላም መገድታት ከፊቱ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣብዚ መገዲ እዚ ክጓዓዙ ትብዓቱ ይሃቦም!

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

13 Feb 2023, 16:18