ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብራዚላውያን ንመዓት ጥምየት ብጭቡጥ ክቃለሱ ይላበዉ
ዕለት 22 ለካቲት ቤተ ክርስቲያን ናይ 2023 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ኣብ እተበግሰሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ሃገረ ብራዚል ናይ ብራዚል ብጹዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ ዘበገስዎ ናይ 2023 ዓ.ም. “ዕዮ ጎስጓስ ሕውነት” ኣተባቢዖም ምእመናን ብራዚል ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጠር መዓት ጥምየት ንምምካት ብጭቡጥ ክቃለሱ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ዓቢይ ጾም እንጅምረሉ እዋን ቅዱስነቶም “መዓት” ጥምየት ንምምካት ጭቡጥ ስጉምትን ንቕሓትን ክሳለጥ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ብራዚል ብሃገር ደረጃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ረቡዕ ናይ ሓሙኹኽቲ መእተዊ ዓቢይ ጾም ዝብገስ ዘዳለውዎ “ወፈራ ሕውነት 2023 ዓ.ም.” ጠቒሶም ነቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብጥምየት ዝሳቐዩን ዝሞቱን እናዘከሩ፡ ነዚ መዓት ጥምየት ንምምካት ዘሎና ሓላፍነት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዓመታዊ ኣብ ዘመነ ዓቢይ ጾም ምሉእ ህይወትና ብምቕናዕ ሓቀይናን ቅኑዕን ናይ ምልዋጥ መገዲ ክንስዕብ ብእግዚኣብሔር ንጽዋዕ!
ኣብ በዓለ ፋሲክ እግዚኣብሔር ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ንምጽንባል ኣብ እንዳለወሉ እዋን ነቲ ናይ ንስሓ ተግባራት ብጸሎትን ምጽዋትን ጾምን ብምድንፋዕ ኣብቲ ቅዱስ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ንሓብር” ቢሎም፥
መዓት ጥምየት
ቅዱስነቶም ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ ሕውነት ጠመተና ናብቶም ኣዚዮም ጽጉማት ኣሕዋትን ኣሓትናን ብፍላይ ድማ ናብቶም ብመዓት ጥምየት ዝተሃሰዩ ክንመልስ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ። ሎሚ እውን እንተኾነ “ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብጥምየት ይሳቐዩን ይሞቱን” ኣለዉ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ እቲ ዘሕፍር ማእለያ ዘይብሉ መግቢ ዝባኽንን ዝድርበን” ምዃኑ እዩ።
ጥምየት ብሓቂ ዕንደራ እዩ። ጥምየት ገበን እዩ፡ መግቢ ምርካብን ዘይምስኣንን መሰል እዩ!
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንህዝቢ ክምግቡ ዝሃቦ መምርሒ “ሎሚ ንዅላትና ዘቕርቦ ኮይኑ፡ እቲ ዘሎና ብዙሕ ይኹን ውሑድን ንእሽቶን ምስቶም እኹል ርካብ ዘይብሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንካፈል እዩ። ናይቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ሰባት ዘድልዮም ብምምላእ ምስቶም ዝደኸዩን ዝጠመዩን ተኻፊልና ክንበር እንኮለና ገዛእ ርእሱ ነቲ ምስኣቶም ሓደ ዝገብር “ጸሚኤ ኣስተኹምኒ ጠምየ ኣብላዕኩምኒ ዝብል ኢየሱስ ጎይታ ንዕንግል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጭቡት ንቕሓት
ብራዚላውያን ካቶሊክ ነቲ ኣብ ብራዚል ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝተመሓላለፈ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከስተንትኑን እዚ እውን ንጭቡጥ ንቕሓት ኪመርሖም ተላብዮም፡ ኣብ ውሱን ህሞት ወይ ወፍሪ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ጥራይ ዘይኮነ “ንዝጠመዩ ምዕንጋል” ቀጻሊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኩላትና ኪኸውን ኣለዎ፡” ኣብ መሓውር ሰበኻታትና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣካላት መንግስቲ እውን ህያባት ኣምላኽ ምክፋል ዘማዕብል ንቕሓት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኡ እውን መላእ በርገሳዊ ማሕበረሰብ “ንመዓት ጥምየት ካብ መሬት ብራዚል ብዘየማትእ መገዲ ከጥፍእዎ” ብሓባር ክሰርሑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሕድሪ ንማርያም
ቅዱስነቶ ነቲ ናይ ብራዚል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወፍሪ ሕውነት ንቅድስቲ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኣወኪፎም፡ ዝኾነ ሰብ ብጥምየት ከይሳቐ ድማ ምእንቲ ግብረ ሰናይ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ኣፍሊጡ።