ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምስ ግዳያት ይራኸቡ፡ ”ጭፍጨፋ ይኣክል፡ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ትከበር"

ሃገር ንምቁጽጻር ቢልካ ክትበታትን ዝግበር ፈተነታት እቲ ብዘሕዝን መገዲ ንብዙሓት ሰባት ዝጸልው ዘይውሕስነትን ዓመጽን ኵናትን ብናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታት ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓ ብዘሕፍር መገዲ ዝፍጸም ዓመጽን ምንዳድ ዓድታትን እናሓሰብኩ

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን

ስለ ምስክርነትኩም የቐንየለይ! ብዓይንኹም ዝረኣኽምዎን ብውልቅኹም ዘጋጠመኩምን ኢሰብዓዊ ዓመጽ ክንሰምዕ እንኮሎና ስንባደና ቀጻሊ እዩ . . . ስለዚህ ብዘይ ቃላት ንተረፍን ብሱቕታ ንነብዕን፡ ቡንያ፡ በኒ ቡተምባ፡ ጎማ፡ ማሲሲ፡ ሩትሹሩ፡ ቡካቮ፡ ኡቪራ እዘን ዞባታት እዚኣተን ብኣህጉራውያን መራኸቢ ብዙሓን ዳርጋ ዘጥቀሳ እያተን . . . ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ቦታታት እውን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባላት ናይታ ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራ ቤት ዝኾኑ ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ናይ ሓያላትን ሰብ ኣጽዋርን ኣጽዋር ውግእ ናይ ዘዘዋውሩን ጉጅለታት ጅሆ ኮይኖም ኣለዉ . . . ንብዓትኩም ንብዓተይ እዩ፡ ቃንዛኹም ቃንዛይ እዩ።  . . . ምሳኹም እየ እብለኩም። ብለውሃትን ርህራሄን እጥምተኩም . . . ኣብ ቅድመይ ክቡራት ኢኻትኩም። ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብ ጎንኹም እያ። ወትሩ እውን ክትህልው እያ። ኣምላኽ የፍቅረኩም እዩ። ኣይርስዓኩምን እዩ። . . .

ብስም እግዚኣብሔር ምስቶም ግዳያትን ኩሎም ንሰላምን ፍትሕን ሕውነትን ዝዓዩ ንሓብር፡ ነቲ ኵሉ ጸረ ሰብኣውን ጸረ ከባብን ዝኾነ ዓመጽ እኹንን . . . ሃገር ንምቁጽጻር ቢልካ ክትበታትን ዝግበር ፈተነታት እቲ ብዘሕዝን መገዲ ንብዙሓት ሰባት ዝጸልው ዘይውሕስነትን ዓመጽን ኵናትን ብናይ ደገን ውሽጥን ሓይልታት ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓ ብዘሕፍር መገዲ ዝፍጸም ዓመጽን ምንዳድ ዓድታትን እናሓሰብኩ . . . ናብቲ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ዝደልየና እግዚብሔር ኣቦ እምለስ፡ ብትሕትና ርእሰይ ኣድኒነ ብልባዊ ቃንዛ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፍጽሞ ዓመጽ ይቕረ ክብለልና እልምኖ። ኦ ኣቦ መሓረና! ነቶም ግዳያትን ዝሳቐዩን ኣጸናንዕ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ሰብ ሕፍረት ዘስዕብ ኣረመናዊ ግፍዒ ዝፍጽሙ ድማ ለውጦም። . . .

እቲ ግጭትን ዓመጽን ብዙሓት ንስደትን ምዝብልናን ይዳርግ . . . ከቢድ ግህሰት መሰላትን ግህሰት ክብርን የስዕብ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ኣካሊት ሕብረተሰብ እውን ይበታትኽ። . . . ጸጋታትን ሃብትን መጋበርያ ሰናይ ኣክንዲ ዝኸውን ንግብረ ክፍኣትን ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን መሳለጢ ይኸውን ኣሎ፡ ሰባት ክዕመጹን ክቕተሉን እንከለዉ እቲ ዓመጽን ሞትን ዝፈጥር ንግዲ ድማ ክሃጥር ይርአ . . .

ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንምምዝማዝ ኵናት ዘዳልዉ ውሽጣውን ግዳማውን ውዳበታት ልባዊ ጻውዒት አቕርብ . . . ብዘይ ሕጋዊ ምዝመዛ ሃብቲ እዛ ሃገር ብመስዋዕተ ንጹሃት ግዳያትን ንነብስኹም ተሀብትሙ ኣለኹም። ንኣውያት ደሞም ስምዑ (ዘፍ.4,10 ረኣ)። ነቲ ንምልዋጥ ዝጽውዕ ድምጺ ኣምላኽን ንድጽሚ ሕሊናን እዝነ ልባትኹም ክፈቱ ፡ ኣጽዋር ኩሉ ኣርሕቑ። ነቲ ውግእ መወዳእታ ግብሩሉ . . . ብዋጋ ድኻ ምህብታን ይቋረጽ። ብደም ዝጨቀወ ሃብትን ገንዘብን ምኽዕባት ይቋረጽ!

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋተይን ኣሓተይን . . . ንዓመጽ ኣይፋል ምባል፡ ኵሉ ግዜን ኣብ ክሉን ‘እንተ’ ወይ ‘ግን’ ዘይብሉ . . . ንህዝቢ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ማለት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጽልኢ ምዕቃብ ማለት ኣይኮነን . . . በንጻሩ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ማለት ምስቶም ዓመጽ ዘለዓዕሉ ሰባት ዝህሉ ምትእስሳር ኣይፋል ማለት እዩ፡  . . . ጽልዕን ዓመጽን ምጥቃም ፈጺሙ ርትዓዊ ክኸውን ዘይኽእልን ዘይጽወርን ተግባር እዩ። ብዝያዳ ክርስቲያን ኢና ንእንብል። ጽልኢ ተወሳኺ ጽልኢ ዓመጽ ተወሳኺ ዓመጽ ጥራይ እዩ ዝወልድ . . . ንኹሎም ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ብስም ኣምላኽ ኣይፋል ክንልብሎ ይግባእ። ክቡር ህዝቢ ኮንጎ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ ሰላም እምበር ናይ ወግእ ኣይኮነን እሞ ብስሙ ዓመጽ ብዝለዓዓሉ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለታት ኣይትሰሓቡ።  . . . ዓመጽ ዝገብር ቅሳነት የብሉን ህይወቶም ዘድሕኑ ዘለዉ መሲልዎም ምስኦም ዝነብሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክቃለሱ ብዝመርሖም ዕንክሊል ክፍኣት ይወሓጡ ኣብ መወዳእታ ድማ ውሽጦም ይቐትሉ . . . ።

ንዓመጽ ኣይፋል ንምባል ካብ ተግባራት ዓመጽ ምርሓቕ ወይ ምውጋድ ማለት ጥራሕ እዅል ኣይኮነን። ሱር ዓመጽ ማለት ስስዐ ቅንኢ ልዕሊ ኵሉ ድማ ቂምታ እውን ከነወግድ ኣሎና። . . . ከምቲ ንስኻትኩም ተበዓት መሰኻኽር ዝበልኩምና ዝገበርክምዎም ንልባትና ካብ መቑሕ ናጻ ንኸነውጽእ ክሓትት እፈቱ። ብስም ኢየሱስ ነቶም ኣእዳዉን ኣእጋሩን በምስማር ዝወግኡ፡ ኣብ መስቀል ዘንጠልጠሉ ይቕረ ዝሃበ። ንዓኡ እልምን። በጃኻትኵም ልባትኩም ካብ ኣጽዋር ናጻ ኣውጽኡ። እዚ ማለት ኣብ ቅድሚ ክፍኣት ምቑጣዕ ወይ ምኹናን ደው ከነብሎ ይግባእ ማለት ኣይኮነን። ኣይፋል! እዚ ግቡእና እዩ። ዋላ ሓንቲ ከም ዘይተፈጸመ ኮይና ምቕጻል ናጽነት ምሃብ ወይ ግፍዒ ምሕዳግ ማለት ኣይኮነን። እቲ ካባና ዝሕተት ብስም ሰላም ብስም ኣምላከ ሰላም ልብና ካብዚ ኵሉ ናጻ ምግባር ማለት እዩ። ጽልኢ ንምንጻግ ስስዐ ንምሕካኽ ምረት ንምድምሳስ ነዚ ኩሉ ነገራት ኣይፋል ምባል ድኽመት ክመስል ይኽእል። ብሓቂ ግኑ ንሱ እዩ ሰላም ዝህበናን ሓራ ዘውጽኣናን። እወ ሰላም ካብ ቂምታ ሓራ ዝወጸ ልቢ እዩ ዝወልድ።

ብኻልኣይ ደረጃ ኣይፋል ማለት ከኣ ገዛእ ርእስኻ ምርሓቕን ዘይምትእምማንን ንበይንኻ ርሒቕካ ምንባር ይሓይሽ ኢልና ክንሓስብ ዝመርሓና ተስፋ ምቑራጽ፡ ዘይምትእምማንን ምብዳህ ማለት እዩ።  . . . ብምድግጋፍ ብሓባር ምጉዓዝ ማለት እዩ። ሕጂ እውን ብስም እግዚኣብሔር ንኹሎም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዚነብሩ ሰባት ተስፋ ከይቆርጹ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ቃል ክኣትዉ እዕድም . . . መጻኢ ሰላም ካብ ሰማይ ክዘንብ እኳ እንተዘይኮነ ኵሉ ነሲብነትን ርእሰ ምግላልን ኩሉ ምስ ካልኦት ናይ ምቅርራብን ምትእስሳርን ፍርሒ ካብ ልብና እንተ ኣወጊድናዮን ግና ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ክህልው እዩ። . . . ንኹሉ ካባኻ ዝተፈልየ ቱትዚ ይኹን ሁቱ ድሕሪ ደጊም ከም ተጻባኣቲ ወይ ከም ጻላእቲ ዘይኮነ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምርኣይን . . . ኵላትና ተመሳሳሊ ድሌት ሰላም ዘሎና ኢና። ነዚ እንተ ድኣ ተኣሚናሉ ሓድሽ መጻኢ ክህልው እዩ። ኣብ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ እውን እንተኾነ ሰላም ዝከኣል እዩ! ነዚ ንእመን። ከየወከልና ድማ ምእንቲ ሰላም ዅላትና ነፍሲ ወከፍናን ንስራሕ!

መጻኢ ኣብ ውሽጢ ረብሓታትና ተዓጽዩ ዝጸንሕ ወይ ኣብ ውሽጢ ብሄራትና ወይ ስድራ ቤትና ክህነጽ ኣክእልን . . . ነቲ ብሂል ስዋሂሊ  ‘ጂራኒ ኒ ንድጉ - ጎረቤትና ሓውን ሓብትን እዩ’ ዝብል ትምህርቲ ንዘክር። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን - ኩሎም ጎረባብትኹም እምበኣር ብሩዳውያን ይኹኑ ኡጋንዳውያን ሩዋዳውያን ኣሓትኩም ኣሓትኩም እያቶም! ኩላትና ደቂ ሓደ ኣቦ ስለ ዝኾንና ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። እዚ እውን እቲ ዝዓበየ ክፋል ትምህርቲ ክርስትና እዩ። የዕንትኹም ናብ ኣምላኽ ኣልዕሉ ምኽንያቱ ንሱ ክፋእ ዘበለ ኩሉ ናብ ሰናይ ክቕይሮ እዩ . . ናይ ፍርሒ ቅዩዳት ኣይንኹን። እቲ ዘሰናኸለና ተስፋ ምቑራጽ ንዝተሓደሰ ኒሕ ንሰላም ዝግበር ተባዕ ቃልሲ ንሕውነት ዝድግፍ ኣልቦ ፍርሒ ዝኾኑ መደባት ንጽባቐ ብሓባር ምጭዳር ቦታ ይሃብ። ደጊም ንዓመጽን ንቒምታን ኢድካ ምሃብ ኣይፋል!

በዚ መገዲ እዚ ኣቢልና ናብቲ ‘እወ ንሰላምን እወ ንዕርቅን ንበጽሕ . . . ክቡራት ኣዕሩኽ ንሓድሕድኩም ይቕረ ንኽትበሃሃሉን ውግእን ግርጭን ከም መጋበርያ መፍትሕ ንፍልልያት ዝብል ምርጫ ንምጻግ ቃል ክትኣትው ትደልዩ . . . እቲ መጋበርያ ክፋእ ኢየሱስ ብፍቕሩ መጋበርያ ድሕነት ገይርዎ እዩ . . . ኣድማሳዊ መጋበርያ ዕርቂ ገረብ ህይወት ኮነ ድማ!

ኣግራብ ህይወት ኩኑ ክብለኩም እፈቱ። ከምቶም ዝተበከለ ኣየር ወሲዶም ኦክስጅን ዝህቡ ኣግራብ ኩኑ . . . ካብ ሓደ ገረብ ፍረ ከተውርድ እምኒ ትድርብየሉ እሞ እቲ ገረብ እምኒ ዘይኮነስ ፍረ ይህበካ . . . ክርስቲያናዊ ትምቢት ማለት ንእከይ ብሰናይ ንጽልኢ ብፍቕሪ ምፍልላይ ብዕርቂ ምንጻግ ዝብል እዩ።  . . . ግጭትን ቂምታን ንምውጋድ ይቕረ ንምባል ዝምነ . . . እዚ ኵሉ ካብ ክፍኣት ንላዕሊ ዝሓየለ - ሓያል እዩ። . . . በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ኦም መስቀል ዝገበሮ . . . ንኹሉ ኣብ ዝባኑ ገይሩ ቀየሮ . . . ሓጢኣትናን ክፍኣትናን ናቱ ዝገበረ . . . በዚ ንሱ ዝገበሮ ፍቕሪ ተለዊጥና ኩሉ ክፍኣት ንስዕር። ከመይሲ እዚ እዩ ንፍትሒ ሓድሽ መገዲ ዘርህው . . . ኣብ ሕሉፍ ኣመልሒቕካ ካብ ምንባር ኣብ መጻኢ ምእማን ገዛእ ርእስኻ ካብ ንውግእ ምፍቃድ ናብ ሰላም ትሕት ምባል፡ ንኻልኦት ክፉታት ንምዃን ምስኦም ሓቢርካ ናጽነት ከተስተማቕር ካብ መናድቕ ኣባይቲ ማሕቡስ ውልቃዊ ኣረእያ ንምርሕቕ . . .

“እወ ንተስፋ” ንዕርቂ ከም ገረብ ከም ፍርያም ኦም ስየ እንተሓሲብናዮ፡ ተስፋ እቲ ነታ ገረብ ከም እትዕምብብ ዝገብራ ማይ እዩ። ተስፋ ፈልፋሊ እዩ . . . ፈልፋሊ ማይ ዓይኒ ድማ ኣለዎ። እቲ ዓይኒ ማይ ድማ ስም ኣለዎ . . . ንሱ ኸኣ ምሳኹም ሓቢርና ክንእውጆ እንደሊ ‘ኢየሱስ’ እዩ። ምስ ኢየሱስ ድሕሪ ደጊም ክፍኣት ኣብ ልዕሊ ህይወት ናይ መወዳእታ ቃል የብሉን። . . . ምስ ኢየሱስ ኩሉ መቓብርር . . . ከም መደቀስ ንእዲ ነፍሲ ወከፍ ቀራንዮ ድማ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ፋሲካ ክኸውን ይኽእል። ምስ ኢየሱስ ተስፋ ትውለድን ብቐጻሊ ዳግማይ ትውለድን . . . ምእንቲ ኩሉ . . . ክፍኣት ዝፈጸመን ክፍኣት ዝተጻወረን . . . ንኣኻትኩም ተቐማጦ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝተዳለወ እዩ . . . መሰልኩም ድማ እዩ። . . . መዓልቲ መዓልቲ ብትዕግስቲ ሰላም ብምዝራእ፡ ነቲ ተስፋ እትገብርሉ ፍረታት ናይ ምርካብ . . . ኣባኹም እውን እንተዘይተዓትረ ናብ መጻኢ ወለዶታት ዘብል እዩ ዝኸውን . . . ሰናይ ምዝራእ ንዓና ጽቡቕን ቅሳነትን እዩ። ካብ ጸቢብ ሓልዮትን ውልቃዊ ረብሓ ናጻ ይገብረናን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽንነብር ምኽንይታት ይህበናን ንህይወትና ብለጋስነት ምሉእ ይገብሮ፡ ዝያዳ ከምቲ ከይተሓለለ  ዘርኢ ተስፋ ዝዘርእ ዘራኢ ኣምላኽ ይገብረና፥ . . .

ሎሚ ንዅሎም ኣብዛ ሃገር ዝሰርሑ ዘራእቲ ሰላም እሓስብ። እባርኾም ድማ፡ እቶም ኣብ ምሃብ ሓገዝን ነቶም ግዳያት ዓመጽን ምዝመዛን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ልግሲ ዝኾነ መልሶም ውልቀሰባትን ትካላትን እቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ንምስጓም ብዝብል ድሌት ተደሪኽኩም ናብዚ ዝመጻእኩምን ገሊኦም ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ህይወቶም ዝሰውኡ ከም ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝነበሩ ዝተቐትሉ ሉካ ኣታናስዮን ሓይሊ ጸጥታ ዓጃቢኦም ቪቶሪዮ ያኮቫቺን መራሒ ማኪናኦም ሙስታፋ ሚላምቦ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተቐትሉ። ዘራእቲ ተስፋ ስለ ዝነበሩ መስዋእቶም ዋጋ ኣልቦ ኮይኑ ኣይክተርፍን እዩ!

ኣሕዋትን ኣሓትን ኣወዳትን ኣዋልድን ኢቱሪ ከምኡ እውን ናይ ሰሜንን ደቡብን ኪቪ ተቐማጦ . . . ኣነ ቀረባኹም እየ። እሓቕፎኩምን እባርኸኩምን። ንነፍሲ ወከፍ ቆልዓን ዓቢን ኣረጋውን ኣረጋውትን ንዅሎም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈጸመ ዓመጽ ዝቖሰሉ ብፍላይ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲን ንነፍሲ ወከፍ ኣደን እባርኽ። ኩለን ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ክኽበራ ኣለወን። ክኽበራን ክሕለዋን እጽሊ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዝፍጸም እዩ፡ ካብ ሰበይቲ ካብ ኣደ ሰብኣዊ ኩነታትና ዝወሰደ ኢየሱስ ሓውና ኣብ ልቢ ጸልማት ሓጢኣትን መከራን ኦም ህይወት መስቀል ዝተኸለ ኣምላኽ ዕርቂ ብኣኻን ኣብ ሃገርካን ኣብ መጻኢኻን ዝኣምን ኣምላኽ ተስፋ ይባርኹም . . . የጸናንዓኩም። ሰላሙ ኣብ ልብኹምን ስድራቤትኩምን ኣብ ልዕሊ መላእ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን የፍስስ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ምስ ግዳያት ምብራቕ ይራኸቡ
02 February 2023, 09:03