ድለ

2023.01.26 ር.ሊ.ጳ. ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ክሕሎ ኣለዎ! 2023.01.26 ር.ሊ.ጳ. ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ክሕሎ ኣለዎ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ክሕሎ ኣለዎ!

“ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተን ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ትውፊት ምርድዳእን ምትሕብባርን ንምዕባይን ቆሪጻ እትዓዪ ምዃና ገሊጾም፡ ንተጋባእያን ነፍሲ ወከፎም ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት ንዓለም ዘቕርብዎ ጥበብ ከምዘለዎልም ኣብሪሆም

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ብዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተዳልዩ ካብ ዕለት 25 – 27 ጥሪ  “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ዘተ ባህሊ ይሃንጻ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ እተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተጋባእያን ዕለት 26 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስነቶም ከም እተራኸባን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ መደብ ምስ ማሕበር ካቶሊካውያን ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ምስ ዝጥርንፍ ማሕበር ብምትሕብባር ዝተዳለወን ብሃገረ ቫቲካን ተኣንጊዱ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም ዝተኻየደ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ንተጋባእያን ብሓጎስ ተቐቢሎም፥ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓድሕድ ሃይማኖታት ናይ ምትእስሳር ባህሊ ይሃንጻ” ኣብ ዝብል ኣህጉራዊ ዋዕላ ንዝትሳተፋን ኣብዚ መዳይ ንዝገብራኦ ተወፋይነትን ኣመስጊኖም፥  ነተን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኣ ሰዓብቲ ዓሰርተ ክልተ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኣብታ ብውግእ እትልለ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምድንፋዕ ንዝግበር ርክብን ዘተን ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሕቶታት ክዛተዩ” ልሙድ ከምዘይኮነ ኣስተብሂሎም፥

እተካይድኦ ዋዕላ ንተመኩሮታትን ኣረኣእያታትን ደቂ ኣንስትዮ ንምስማዕ ውፉይ ምዃን ዝያዳ ዋጋ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ንሰላም እንገብሮ ጻዕሪ እናወሰኸ ክኸይድ ስለ ዘለዎ . . . ደቂ ኣንስትዮ ንዓለም ሓልዮትን ህይወትን ስለ ዝህባ ንገዛእ ርእሰን ባዕለን እውን ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ እየን!

ተወፋይነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

“ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተን ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ትውፊት ምርድዳእን ምትሕብባርን ንምዕባይን ቆሪጻ እትዓዪ ምዃና ገሊጾም፡ ንተጋባእያን ነፍሲ ወከፎም ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት ንዓለም ዘቕርብዎ ጥበብ ከምዘለዎልም ኣብሪሆም በዚ ድማ “ናይ ውዕዉዕን ፈውስን ሕውነት መንፈስን” የውሕሱላ።

ነቲ መዳያት ደቂ ኣንስትዮን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዳግማይ ንምርካብ ኣብ ናይ ርክብ ባህሊ ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ንምግላጽ ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣመጊኖም፥ ኣብዚ ርክብን ዘተን ሳሕቲ ዝኾነሉ ዓለም እቲ ዝካየድ ዋዕላ ንኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ሕብረተሰብ ክቀራረቡ ዝድርኽ ዓቢይ ህያብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምኽባር

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ኣገዳሲ ዕዮ ናይተን ተጋባእያን ክቕጽልን ክሰፍሕን ኣተባቢዖም ነቲ ዘለወን ምስትውዓልን ብሉጻት ተግባራትን ከካፍላን፥

ብፍላይ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምዕባይ ንዝገበርክምዎን እተገብርዎን ጻዕርን ተወፋይነትን ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም

እንክብሉ ንተጋባእያን ኣተባቢዖም ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓድሕድ ሃይማኖታት ናይ ርክብ ባህሊ ምህናጽ”

እቲ ዋዕላ ኵሉ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባርን ፍሉይ ኣበርክቶአን ንምድናቕን ዝዓለመ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ካልኦት ሃይማኖታዊ ልምዲ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ንኽዝትያን ክጓዓዛን ብሓባር ብምስራሕን ነፍሲ ወከፈን ክብሪ ኵሉ ዝድግፍ ዝሓሸ ዓለም ንምምዕባል ዘተ ክርህው ይገብራ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብኣካል ዝተገብረ ምትእኽኻብ ብዛዕባ “ናይ ባህሊ ርክብ” ብዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝያዳ ንምስትንታን መትከላት ዘተ ኣብ ኩነታቶም ኣብ ምትግባር ብሓባር ንምስራሕ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዋዕላ ከምኡ እውን ኣዳለውቲ ተራ ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ህይወት ብደረጃ ከባቢ ሃገራውን ኣህጉራውን መንፈሳዊ ጸዓትና ዳግማይ ንምንቅቓሕ ንዓናን ንዓለምን ንምፍዋስ በብወገንና ሃይማኖታዊ ኵለ መዳዊ ሃብትታት ንምክፋል ካብ ተመክሮን ታሪኽን ደቂ ኣንስትዮ ተበጊስካ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ዘተ ባህሊ ብምስፋሕ በዚ ድማ ኣብ ዓለም ነዚ ባህሊ ንምህናጽ መገዲ ዘለልይ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

27 January 2023, 16:25