ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢይን ጨዋን መምህር ትምህርተ ክርስቶስ”
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ነቶም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ዝዓረፉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ዓቢይን ትሑትን ወትሩ ኻልኦት ምስ ጐይታ ንኽራኸቡ ዝጸዓሩ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ” እንክብሉ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፡ ነቶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተረኽቡ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነቶም ካብ ጀርመን ዝመጹ ምእመናን ጠቒሶም፥ “ዝኣምን ንበይኑ ኣክኸውንን እዩ” ዝብል ኣገላልጻ እምነት ነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16 ኣቃሊሖም፡ ኣምላኽ ከም ኣቦ ዘለዎ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉዎ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምእንቲ ዩክረይን ኣብ ምጽላይ ኣይንድከም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ዝበዓል በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ እናሓሰቡ፥ “ከምቶም ሰብኣ ሰገል ነቲ ብርሃን ዓለምን መድሓኒ ደቂ ሰባትን ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ብኽፉት ኣእምሮ ከመይ ገይርና ከም እነለልዮ ንፍለጥ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኩሉ ምስቶም ኣብ ጽንኩር ስቓይ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ፍቕሪ ብዝመልኦ ቅርበትን ድጋፍን ከጽንዕን ውህበት ሰላም ክጽልይን” ኣተሓሳሲቦም ምእንቲ ዩክረይን ኣብ ምጽላይ ሓደራ ኣይንድከም” ቢሎም ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ብቋንቋ ላቲን መሪሖም ምስ ደገሙ ቡርኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ኣፍሊጡ።