ድለ

2019.01.22 Giornata mondiale per i malati di lebbra 2019.01.22 Giornata mondiale per i malati di lebbra 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብሕማም ደዌ ሃንሰን ንዝሳቀዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈጺምና ከይንርስዖም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ሕማም ደዌ ሃንሰን ወይ ለምጺን ካልኦት ብሸለልትነት ዝረኣዩ ትሮፒካዊ ሕማማትን ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቲ፡ “ናይ ካልኦት ቁስሊ ክንትንክፍን ክንፍውስን ድንን ክንብል ወይውን ክንድበርዶ ኢና? ብማለት እስኪ ርእሰ ፈተሻ ንግበር” እንክብሉ ነቶም በዚ ሕማማት ዝሳቀዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ፈጺምና ከይንርስዖም ሓደራ ቢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ፈቀዶ ኲርናዓት ዓለምና ብደዌ ሃንሰን ዝፍለጥ ለምጽን ዓለምና ሸለል ዝበሎምን ዝረሰዖምን ትሮፒካዊ ሕማማት ንዘሳቅዮምን ብምዝካር “ነዞም ብሕማም ሃንሰን ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈጺምና ክንርስዖም የብልናን’’ እንክብሉ ዕድመ ዘቅረቡሉ ንኣህጉራዊ ዓውደ መጽናዕቲ ነቶም ብለምጺን ካልእ ብሸለልትነት ዝረኣዩ ትሮፒካዊ ሕማማትን (NTDs) ዝሳቐዩ ሰባት ኣብ ምግልጋል ዘተኮረ  ሰሚናር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዩ።

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ “ንማንም ንድሕሪት ኣይትግደፍ” ዝብል ዓውደ መጽናዕቲ ካብ 23-24 ጥሪ ኣብ ሮማ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብፈረንሳዊ ራውል ፎለሮ ፋውንዴሽን፡ ኢጣልያ ኣሚቺ ዲ ራውል ፎለሮ (“ኣዕሩኽ ራውል ፎለሮ”)፡ ከምኡ’ውን እቲ ብሳሳካዋ ለምጺ ዝፍለጥ ሕማም ደዌ ሃንሰን ንምጽናዕ ዝተወስደ ተበግሶ፣ ምስ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ውሁድ ሰብዓዊ ምዕባሊ ንምድንፋዕ ዝሰርሕ ክፍሊ ቅድስት መንበር ብምትሕባባር እዩ ተኻዪዱ። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብቲ ዓለም ካብ ሕማም ለምጺ ነጻ ንምግባር “ዜሮ ለምጺ” ብዝብል ዕላማ ንዝተበገሰ ወፍሪ ንምዕዋትን ብሰንኪ ሕማም ደዌ ሃንሰንን ካልኦት NTDsን ማንም ንድሕሪት ዝተርፈሎም ዘይብሎም ማሕበራት ኣብ ምምስራትን ዘተኮረ እዩ።

ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንምብርከኽዶ ንኸውን፧

ቅዱስነቶም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ “ምስ ለምጺ ዝተተሓሓዘ ምግላልን ጸለመን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የስዕብ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ንኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብፍላይ ድማ “ኣብ ዝያዳ ዝተሓረመ ማሕበራዊ ኵነታት” ዘጥቅዕ ሕማማት ሸለል ክንብሎ ከምዘይብልና ተረዲእና ጻዕርና ነዛይድ’’ እንክብሉ ምልካታኦም ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንጻውዒቶም ኣብ “ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ናብ ሕውነት ዝገብርዎ ጸዋዕታ” ብምብጋስ ኩሉ ሰብ “ናይ ካልኦት ቁስሊ ንምፍዋስ ንምብርከኽናዶ? ንሓድሕድና ኣብ መንኵብና ክንስከም ነፍቅድዶ!’ እንክብሉ ይሓቱ እሞ ነዚ ገጢምና ዘሎ ብድሆ ንምግጣሙ ብሕጽር ዝበለ ቃላት ብትብዓት ክንገጥሞ ከምዚ ክብሉ ተማሕጸኑ።

“እዚ ሕጂ ዘሎ ብድሆ እዩ፡ ብምንም ተኣምር ከኣ ክንፈርሖ የብልናን።”

ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ምህናጽ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ ዕለተ ለምጺ ብምዝካር ተጋባእቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንዓለማለኸ መዓልቲ ለምጺ ከም ምኽንያት ተጠቒሞም ናይ ምዕባለ ሞዴላትና ክግምግሙን ነቲ ንዓለምና በኪሉ ሕማማ ኣብ ርእሲ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ኣድልዎ ንምእራም ክጽዕሩን ተላብዮም። ኣስዒቦም ድማ እዚ ዕድል እዚ ንማንም ኣብ ጐድኒ ዘይገድፍ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ቃልና ንምሕዳስ ምቹእ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም።

ናብቲ ፍሉይ ጉዳይ ሕማም ደዌ  ሃንሰን ምልስ ይብሉ “ምስ ለምጺ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ዝበለጸ ክንሰርሕ ንኽእል፣ ምሉእ ብምሉእ ከም ሰብ ክንሕዞምን ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት እናተሳተፉ ከም ዝነብሩን ንምግባር ኣብቲ ዘካይድዎ ቃልሲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃኖም ኣፍልጦ ሂብናዮምዶ ቢልና ምሉእ ኣባላት እቲ ሕብረተሰብ ክንሓትት ይግባእ’ እንክብሉ ቀንዲ ሕቶ ብምቅራብ ካብቲ ዋዕላ ንዝበይዎ ግብረ መልሲ ከምዚ ክብሉ ኣቅረቡ።

“እዚ ዋዕላ ካብ መላእ ዓለም ድምጽታት ንምእካብን ክብሪ ደቂ ሰባት ዝያዳ ንምኽባር ክውሰዱ ዝኽእሉ ስጉምትታት ንምዝታይን ክሕግዝ ተስፋ እገብር።”

ቅዱስነቶም ነቶም ብሕማም ደዌ ሃንሰን ዝሳቐዩ ዘለዉ ከምዘይረስዕዎም ብምዝኽኻር ልባዊ ድንጋጸኦም ይገልጹ እሞ፣ መንፈሳዊ ደገፍን ሕክምናዊ ክንክንን ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምሉእ ምትብባዕ ከምዝህቡ ገሊጾም።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ኩሎም ብሕይወት “እዚኦም ኣሕዋትን ኣሓትን” ወንጌል ክስበኸሎም ክፈቕዱን ምስ ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ንኽወሃሃዱ ኣብ ዝዓለመ ጻዕርታት ቅድመ ግንባር ኰይኖም ክዋስኡን ሓደራ ብማለት መልኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 January 2023, 15:14