ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ውግእን ፍትሒ ምጒዳልን ኣብ ዝተቀልቀልዎ ግዜ ወትሩ ይቋወሙዎም! ር.ሊ.ጳ.
ዜና ቫቲካን!
ዓመት መጸ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 25 ጥሪ ዘሎ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዝካየደሉ ሳምንቲ ኣብ ሮማ እውን ከምቲ ወትሩ ዝግበር ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያንን ኣብያተጸሎትን ሶሙን ምሉእ ምእንቲ ሕብረት ክርስትያን ድሕሪ ተጸልዩን ኣስተንትኖ ቀሪቡን ካብ ጥንታዊ መናድቅ ከተማ ሮማ ውጽእ ቢልካ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ዝርከቦ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ላቲናዊት ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተኣምር ለውጢ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መንገዲ ኤማሁስ እትዝክረሉ በዓል ጸሎተ ዋዜማ ዘሠርክ ብሓባር ብምብጻሕን ብኣስተንትኖን ተዛዚሙ። ቅዱስነቶም ንዘሎናዮ ግዜን ዓብሊሉና ዘሎ ሸለልትነትን ብምዝኽኻር ኣብ ቅድሚ እዚ ጸርፊ እግዚአብሔር ዝበልዎ ዓመጽ ርኢኻ ከምዘይረአኻ ኰንካ ምምልላስ ደቂሰባት ንእግዚአብሔር ብጣዕሚ ከምዘሕዝኖ ኣዘኻኺሮም።
ናይ ኩሉ ማሕበራት ክርስትያንን ኣብያተክርስትያንን ኣባላት ከኣ ኣካይዳኦም ለዊጦም ነቲ ጐይታ ኣብ ቅድሜና ዘቐመጦ ናይ ሓድነት መንገዲ ክስዕቡ እውን ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ሥርዓት ዝቀረበ ንባባት ኩሉ ናብ ለውጢ ዝዕድም ምዃኑ ብምዝኽኻር ‘ብክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይንና ናይ ምእካብ ሓጐስ ነብዕል ኣሎና፣ ኣብዛ ኣዝዩ ብዘሕዝንን ዘጨንቕን ዜናታት ዝመልኦ መዓልትታት ምብዓልና እውን ካልእ ጻውዒት የቅርበልና ከምዘሎ ነስተብህል’ እንክብሉ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ዘሎና ኩነታት ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ሠናይ ግበሩ ፍትሒ ድለዩ!
ቅዱስነቶም ነታ ንሎም ዘመን ንሳምንቲ ጸሎት ሕብረት ክርስትያን መሪሕ ዝኾነት፣ “ሠናይ ግበሩ፤ ፍትሒ ድለዩ” እትብል ሓረግ ብምዝካር፣ እግዚኣብሔር ካብ ክፉእ ዘበለ ጉዳይ ክንሃድምን ክንክሕዶን ብምዕዳም ክንልወጥ ከም ዝላበወናን ዘረድእ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።
ቅዱስነቶም ነቲ ኢሳይያስ ነቢይ እግዚኣብሔር ካብ ሕዝቡ ንዝደልዮ ቀንዲ ጒዳይ ንከረድእ ‘ድኻ ረድኤት ክረክብ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ክወሃቦ፡ ጉዳይ መበለት ክድገፍ እምበር፡ ዕጣንን መስዋእትን ከም ዘይደሊ’ ዝገለጾ ሎሚ ንዓና እውን ብቀጥታ ይሓተና ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ብምቅጻል መኣስ እዚ ጥራይ ብዘስምዕ ቃና፣ ብዘይካ እዚ እውን ካልእ ጒዳያት ንልዑል እግዚአብሔር ዘሕርቕ ካልኣይን ዝኸበደን ጉዳይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ እቲ ጽርፈት እግዚአብሔር ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ዝፍጸም ዓመጽ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ብምረት ገለጹ።
መመኽነይታ የብልናን!
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ‘ሎሚ ምስቲ ዝማዕበለ መንፈሳውነትናን ትምህርቲ ንባበ-መለኮትናን እነቅርቦ መመኽነይታ ከምዘይብልና ደጊመ ከዘኻኽረኩም እፈቱ’ እንክብሉ ስክፋታኦም ድሕሪ ምግላጽ፣
ምስ ኣምላኽ ኩሉ ይከኣል እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣስዒቦም ኩላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በደላትና ድሕሪ ምፍታሽ ጎይታ ክንእርሞ ይምሕጸነና ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ምልዋጥ ብባህሪኡ ማሕበረሰባውን ቤተ ክርስቲያናውን ምዃኑ ብምምልካት፣ ኹሎም ክርስትያን ክፉታት ክኾኑን ኣመለኻኽታኦም ክልውጡን ከምዚ ክብሉ ዓደሙ።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነዚ ናይ ሕብረት ጉዕዞን ንተሳትፎን ተገዳስነትን ብዙሓት ክርስትያን ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ዘላ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ዘለዎም ተገዳስነትን ብምምስጋን እቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እተካይዶ ዘላ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ክዓብን ኢኩመኒካዊ ክኸውንን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም። ከምኡ’ውን ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብጸሎት፡ ብምግልጋል፡ ብዘተ ብተልኮን ናብቲ ክርስቶስ ዝብህጎ ምሉእ ሓድነት ብሓባር ብምስራሕን ዕቤት ክቕጽሉ ብምዕዳም፡ ንኹሎም ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዝነበሩ ማሕበረ ክርስትያን ምስጋናኦም ከምዚ ክብሉ ኣቅረቡ።