ድለ

ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ውግእን ፍትሒ ምጒዳልን ኣብ ዝተቀልቀልዎ ግዜ ወትሩ ይቋወሙዎም! ር.ሊ.ጳ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መዛዘሚ ሰሙን ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ዝቀረበ ጸሎተ ኪዳን ዘሠርክ ምስ ኩሎም መራሕቲ ኣብያተክርስትያን ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለሙራ ናይ ሮማ ከምዝተሳተፉን ኩሎም ክርስትያን ወትሩ ንእግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ኣቐሚጦም ከመይ ጌሮም በደሎም ከስተንትኑን ጠመተኦም ክቕይሩን ከስተንትኑ ከምዝግብኦም ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ዓመት መጸ ካብ ዕለት 18 ክሳብ 25 ጥሪ ዘሎ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዝካየደሉ ሳምንቲ ኣብ ሮማ እውን ከምቲ ወትሩ ዝግበር ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያንን ኣብያተጸሎትን ሶሙን ምሉእ ምእንቲ ሕብረት ክርስትያን ድሕሪ ተጸልዩን ኣስተንትኖ ቀሪቡን ካብ ጥንታዊ መናድቅ ከተማ ሮማ ውጽእ ቢልካ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ዝርከቦ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ላቲናዊት ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተኣምር ለውጢ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መንገዲ ኤማሁስ እትዝክረሉ በዓል ጸሎተ ዋዜማ ዘሠርክ ብሓባር ብምብጻሕን ብኣስተንትኖን ተዛዚሙ። ቅዱስነቶም ንዘሎናዮ ግዜን ዓብሊሉና ዘሎ ሸለልትነትን ብምዝኽኻር ኣብ ቅድሚ እዚ ጸርፊ እግዚአብሔር ዝበልዎ ዓመጽ ርኢኻ ከምዘይረአኻ ኰንካ ምምልላስ ደቂሰባት ንእግዚአብሔር ብጣዕሚ ከምዘሕዝኖ ኣዘኻኺሮም።

ናይ ኩሉ ማሕበራት ክርስትያንን ኣብያተክርስትያንን ኣባላት ከኣ ኣካይዳኦም ለዊጦም ነቲ ጐይታ ኣብ ቅድሜና ዘቐመጦ ናይ ሓድነት መንገዲ ክስዕቡ እውን ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሥርዓት ዝቀረበ ንባባት ኩሉ ናብ ለውጢ ዝዕድም ምዃኑ ብምዝኽኻር ‘ብክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይንና ናይ ምእካብ ሓጐስ ነብዕል ኣሎና፣ ኣብዛ ኣዝዩ ብዘሕዝንን ዘጨንቕን ዜናታት ዝመልኦ  መዓልትታት ምብዓልና እውን ካልእ ጻውዒት የቅርበልና ከምዘሎ ነስተብህል’ እንክብሉ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ዘሎና ኩነታት ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ምናልባት ከምዚ ንዝኣመሰለ መጽሓፍ ቅዱስ ዘውግዞ ሓጢኣት ሕብረተሰብና ብቐሊሉ ክንሕፎ ንዕዘብ ንኸውን! ንሕና እውን ከም ሕብረተሰብና ክንሕፎ ንኽእል! እንተኾነ ግን ነቲ እንነብረሉ ዘለና እዋን ዓሚቝ ዘይምርግጋእ ዝስቈረና እንተኾይኑን፡ ነቲ ምእንታኡን ስለኡን ንነብር ኣሎና እንብሎ ጐይታ ዘስዕበሉ ስቃይ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንግንዘብ እንተዀናን እዚ ኣብ ሳህሮ ከእትወና ይግባእ። ብስሙ ተጋቢና ስለ ዘሎና፡ ቃሉ ኣብ ማእከል ኩሉ ጉዳያት ምእታው ክንፍጽሞ ዘሎ ዘይተርፍ ውራይ እዩ።”

ሠናይ ግበሩ ፍትሒ ድለዩ!

ቅዱስነቶም ነታ ንሎም ዘመን ንሳምንቲ  ጸሎት ሕብረት ክርስትያን መሪሕ ዝኾነት፣ “ሠናይ ግበሩ፤ ፍትሒ ድለዩ” እትብል ሓረግ ብምዝካር፣  እግዚኣብሔር ካብ ክፉእ ዘበለ ጉዳይ ክንሃድምን ክንክሕዶን ብምዕዳም ክንልወጥ ከም ዝላበወናን ዘረድእ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።

“ሎሚ ምሸት ምሳኻትኩም ከስተንትነለን ዝደሊ ክልተ ቃላት ወቀሳዊ ክስን ምኽሪ ለውጥን እየን። ብስሙ ስለ ዝተኣከብና፡ ክንዮ ቃሉ ኣብ ማእከል ጉዳያትና ኣንቢርና ምጒዕዝ እንገብሮ ነገር የለን።”

ቅዱስነቶም ነቲ  ኢሳይያስ ነቢይ  እግዚኣብሔር ካብ ሕዝቡ ንዝደልዮ ቀንዲ ጒዳይ ንከረድእ ‘ድኻ ረድኤት ክረክብ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ክወሃቦ፡ ጉዳይ መበለት ክድገፍ እምበር፡ ዕጣንን መስዋእትን ከም ዘይደሊ’ ዝገለጾ ሎሚ ንዓና እውን ብቀጥታ ይሓተና ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ንሕና እቶም ንርእስና እሙናት ኢልና እንጽውዕ፡ ንነገራትና ኣብ ምዕዛብ ቅድሚ ናቱ ኣጠማምታ ናትና ሠሪዕና ብጠመተና እንክንርእዮም፡ ኣብ ክንዲ ናይ ሰማይ ፍርዲ ዓለማዊ ፍርዲ ክንስዕብ እንከለና፡ ነቲ ቀንዲ ንሱ ዝግደሰሎምን ዚሓልየሎምን ጉዳያት ሸለል ቢልና ብግዳማዊ ሥርዓታት ጥራይ ክንዓግብ እንከሎና፡ እግዚኣብሔር ይሳቐ። እግዚአብሔር ብዘይምግዳስናን ምስትውዓልናን ይሓዝን እዩ።”

ቅዱስነቶም ብምቅጻል መኣስ እዚ ጥራይ ብዘስምዕ ቃና፣ ብዘይካ እዚ እውን ካልእ ጒዳያት ንልዑል እግዚአብሔር ዘሕርቕ ካልኣይን ዝኸበደን ጉዳይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ እቲ ጽርፈት እግዚአብሔር ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ዝፍጸም ዓመጽ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ብምረት ገለጹ።

“በቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ንዝፍጸም ውግኣትን ተግባራት ዓመጽን ጐይታ ብከመይ ዝበለ ስቃይ ከምዝዕዘቦ ክንግምት ንኽእል ኢና። እዚ ናይ ጐይታ ክሳዊ ምኽሪ፡ ከም ውልቀ ክርስትያንን ከም ማሕበረ ክርስትያናዊ ኣብያተ ክርስትያንን ብዙሕ ናይ ኣስተንትኖ ስንቂ ይህበና። እንሃድመሉ መመኽነይታ የብልና።”

መመኽነይታ የብልናን!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ‘ሎሚ ምስቲ ዝማዕበለ መንፈሳውነትናን ትምህርቲ ንባበ-መለኮትናን እነቅርቦ መመኽነይታ ከምዘይብልና ደጊመ ከዘኻኽረኩም እፈቱ’ እንክብሉ ስክፋታኦም ድሕሪ ምግላጽ፣

“ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ንዝተፈላለዩ ጸቢብ ሃገራውነትን ዓመጽን፡ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ንዕቀትን፡ ዋላ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተፈላለዩ ሰባት ዝፍጸም ግፍዒ ክድግፉ ብእምነቶም ዝተተባብዑ ወይ እንተወሓደ ዝተፈቕደሎም ዝመስሎም ዝተፈላለዩ ክርስትያን ኣለዉ። እንተኾነ እምነት፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዝንባለታት ነቐፌታዊ መርገጽ ክህልዎስ፡ ዝኾነ ነገር ንክገብሩ ርእሶም ሓፍሓፍ ኣብ ዘበሉ ኩሎም ድማ ብዘይ ንሕስያ ቕጽበታዊ ምላሽ ክትድርኽ ኣለዋ። ከመይ ምስ ኣምላኽ ኩሉ ይከኣል እዩ” እንክብሉ ደጊሞም ሓቢሩ።”

ምስ ኣምላኽ ኩሉ ይከኣል እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣስዒቦም ኩላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በደላትና ድሕሪ ምፍታሽ ጎይታ ክንእርሞ ይምሕጸነና ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

“ብሰንኪ ንኣምላኽ ክንርዳእ ብዘይምኽኣልና ኣብ ውሽጥና ካብ ዘሎ ዓመጽ ንርእስና ሓራ ከነውጽእ ዓቕሚ የብልናን። ከመይ ብዘይ ኣምላኽ ብዘይ ጸጋኡ ካብ ሓጢኣትና ኣይንፍወስን ኢና። ጸጋ ኣምላኽ ምንጪ ለውጢና’ዩ። ብገዛእ ርእስና ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና፡ ምስ ኣምላኽ ግን ኩሉ ይከኣል እዩ። ብገዛእ ርእስና ኣይንዕወትን ኢና፡ ብሓባር ግን ይከኣል እዩ።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ምልዋጥ ብባህሪኡ ማሕበረሰባውን ቤተ ክርስቲያናውን ምዃኑ ብምምልካት፣ ኹሎም ክርስትያን ክፉታት ክኾኑን ኣመለኻኽታኦም ክልውጡን ከምዚ ክብሉ ዓደሙ።

“ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ምእመናን ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ነንሕድሕዶም ሕብረት ኣለዎም። ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝጸሓፎ፣ ‘እቶም ኣብ ሮማ ዝነብሩ ነቶም ኣብ ህንዲ ዘለዉ ኣካል ናይ ሓደ ኣካል ምዃኖም ይፈልጡ እዮም’ ነዚ ከኣ ነፍስወክፍ ክርስትያን ዳግም ክረኽቦ ኣለዎ።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነዚ ናይ ሕብረት ጉዕዞን ንተሳትፎን ተገዳስነትን ብዙሓት ክርስትያን ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ዘላ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ዘለዎም ተገዳስነትን ብምምስጋን እቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እተካይዶ ዘላ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ክዓብን ኢኩመኒካዊ ክኸውንን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።  ከምኡ’ውን ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብጸሎት፡ ብምግልጋል፡ ብዘተ ብተልኮን ናብቲ ክርስቶስ ዝብህጎ ምሉእ ሓድነት ብሓባር ብምስራሕን ዕቤት ክቕጽሉ ብምዕዳም፡ ንኹሎም ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዝነበሩ ማሕበረ ክርስትያን ምስጋናኦም ከምዚ ክብሉ ኣቅረቡ።

“ኩላትና ብሓባር በቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜና ዘቐመጦ መንገዲ፡ መንገዲ ሓድነት ንጉዓዝ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
26 January 2023, 15:54