ድለ

2020.01.26 Santa Messa in occasione della Domenica della Parola di Dio 2020.01.26 Santa Messa in occasione della Domenica della Parola di Dio  (Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰንበት ቃለ እግዚአብሔር መሥዋዕተ ቅዳሴ ክሠርዑ እዮም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብ2019 ዓ.ም. መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ንምድንፋዕ ዚኣወጅዎ ሰንበት ዘቃለ እግዚአብሔር ንምኽባር ዝመጽእ ሰንበት ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ቅዳሴ ክሠርዑ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ንስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ነቲ ካብ 2019 ዓም ዝተኣወጀን ዓመት መጸ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ወርሒ ጥሪ ዝኽበር ሰንበት ዘቃለ እግዚአብሔር ንምብዓል ብዝምልከት ዝርዝር ኣውጺኡ ኣሎ። ናይ ሎምዘመን ሰንበት ዘቃለ እግዚአብሔር ዕለት 22 ጥሪ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም መሪሕ ቃል ድማ ካብ መልእኽቲ ዮሓንስ "ነቲ ዝረአናዮ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና’ ዝብል ጥቕሲ እዩ (1 ዮሃ 1፡3)።

ዕላማ ናይዚ ፍሉይ ዝክረ በዓል፡ ኩሎም ኣመንቲ ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘለዎም ፍልጠት ንምዕማቝ ንመዝነት ምእመናን ሓድሽ ህይወት ንምሃብ እዩ። ከም ኣካል ናይ ምድንፋዕ ጻዕሪ፡ ነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝሳተፉ፡ ንእሽቶ መጽሓፍ ወንጌል ማቴዎስ ክወሃቦም እዩ።

ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዝኾነ ኣብ ዓለም ስብከተ ወንጌል ንምክያድ ዝቀርቡ መሰረታውያን ሕቶታት ዝከታተል ክፍሊ ትማሊ ሶኑይ ነዚ ሓበሬታ ኣውጺኡ ድሮ ነቲ በዓል የዳሉ ኣሎ።

ምዕዳል ተልእኮታት!

ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሥራዕ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ንገለ ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ሰለስተ ሰባት ከም ኣንበብቲ፡ ሸውዓተ ድማ ከም መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ተልእኮ ክዕድሉ ምዃኖም እንክምልከት እዞም ሰባ ካብ ኢጣልያ፡ ኮንጎ፡ ፊሊፒን፡ ሜክሲኮን ዌልስን ዓባይ ብሪጣንያን ዝመጹ ምዃኖም ተመልኪቱ።

እቲ ሥርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብማዕከናት ዜና ቫቲካን ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መርበባት ቴሌቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ቃል ኣምላኽ ኣብ ማሕበረሰብ ብስድራቤትን ብውልቂን ንምስትምቃር ዝሕግዝ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ተልእኮ ጽሑፋት እውን ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ጽሑፋት እዚ ብቋንቋ ጣልያን ብመልክዕ መጽሓፍ ብሻሎም ኣሕተምቲ ተሓቲሙ ንኩሉ ቅሩብ እንክኸውን ብቋንቋታት እንግሊዝ፡ ስጳኛ፡ ፖርቱጋልን ፈረንሳን እውን ካብ ኢንተርነት ኣራጊፍካ ንምጥቃም ተሰናድዩ ኣሎ።

ቀንዲ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፋት ኣብ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ስድራቤት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ምስ ቃል ኣምላኽ ዝዓሞቐ ርክብ ዘተባብዕ ሓሳባት ዘቕርብ ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ኣስተንትኖታትን፡ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝሕግዝን ንሕጻናት ዝኸውን ንጥፈታትን ጒስነታዊ ሓሳባትን ዘጠቓልል እዩ።

ምድላው ኢዮቤል 2025!

ከም ኣካል ምድላዋት ኢዮቤል 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንኣርባዕተ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዳግም ከንብቡ ሓደራ ብዝበልዎ መሠረት ንስብከተወንጌል ዚሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት "ጽሑፋት ጉባኤ" ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ዝሕተሙ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ከዳሉ መዲቡ ይሰርሓሉ ኣሎ። እዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ድኳናት መጻሕፍትን ኣብ ኢንተርነትን ክዝርጋሕ እዩ።

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንሰንበት ዘቃለ እግዚአብሔር ብ2019 ዕለት 30 መስከረም ብዝኣወጅዎ ብሞቱ ፕሮፕሪዮ "ኣፐሩት ኢሊስ" ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ "ሳልሰይቲ ሰንበት ወርሒ ጥሪ ኣብ ስሩዕ ግዜ ንዝኽሪ በዓልን መጽናዕትን ምዝርጋሕን ቃል እግዚአብሔር ክትውፈ ከም ዘለዋ ነቊማ ኣሎና" እንክብሉ ሰንበት ዘቃለ እግዚአብሔር  መስሪቶም።

ካህናት ኣብቲ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ነዚ ከኣ ምስ ቤት ጽሕፈት ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምልዛብ ከማኡ እውን ብቀጥታ ብመንገዲ ኢንተርነት https://biglietti.liturgiepontificie.va/ ብምምዝጋብ ክሳተፉ ይኽእሉ። ካልኦት ኣብቲ ቅዳሴ ንምስታፍ ትኬት ኣብ ህንጻ ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ኣብ ጐደና ኮቺልያስዮነ ቊ. 7፡ ሓሙስ 19 ጥሪ፡ ዓርቢ 20 ጥሪ፡ ከምኡ’ውን ቀዳም 21 ጥሪ ካብ ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ ክሳብ ሰዓት 1፡30 ድ.ቀ. ከምኡ’ውን ካብ ሰዓት ካብ 3፡00 ድ.ቀ. ክሳብ 5፡30 ድ.ቀ. ብምኻድ ክወስዱ ይኽእሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 Jan 2023, 13:48