ድለ

2023.01.19 Delegazione Ecumenica della Finlandia, in occasione della Festa di Sant'Enrico 2023.01.19 Delegazione Ecumenica della Finlandia, in occasione della Festa di Sant'Enrico  (Vatican Media)

ሓድነት ክርስትያን ንምድንፋዕ ፈጺምካ ዘይምድካም! ር.ሊ.ጳ. ንኤኩሜኒካዊ ልኡኽ ፊንላንድ፡

ቅ.ኣ.ር.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ሃገረ ፊንላንድ ንዝመጸ ኤኩሜኒካዊ ልኡኽ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ፣ ሎሚ ኣብ ዓለም ንሓድነት ክርስትናን ንዕርቅን ምስራሕ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ትማሊ ሓሙስ ዕለት 19 ጥሪ 2023 ዓም ኣብ ከተማ ቫቲካን ምስ ካብ ሃገረ ፊንላንድ ዝመጸ ኢኩመኒካዊ ልኡኽ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኩሎም ብክርስቶስ ዝተጠመቑ ክርስትያን ዝካፈልዎ ናይ ሓባር ጸዋዕታ ክርስትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሕይወት ምንባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ንዕርቂ ከይተሓለሉ ክንሰርሑን፣ ኣብዛ  ብውግእ ትሕመስ ዘላ ዓለምና ሓዋርያት ዕርቂ ክኾኑን ሓደራ ቢሎም።

እዚ ጉጅለ ወከልቲ ንሮማ ዝበጽሕ ዘሎ ኣካል ናይቲ ንዝኽሪ በዓል ቅዱስ ሄንሪክ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተወልደ ኣብ ፊንላንድ ሰማዕት ዝኾነ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ኮይኑ፡ ብካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ከምኡ’ውን ብሓያሎ ኣብያተ ክርስቲያን ፕሮቴስታንትን  ብናይ ኣንግሊካን ማሕበር ውህደት ዝኽበር እዩ።

እቲ ልኡኽ ካብ ኣባላት ካቶሊክን ሉተራንን ተወከልቲ ኦርቶዶክሳውያንን ሜቶዲስትን እውን ዝሓቖፈ እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ኸኣ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣብ ዝተኸፋፈለ ዓለምን ዕርቂ ምድንፋዕ እዩ።

ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣብዛ ዝተኸፋፈለት ዓለምናን ዕርቂ ምድንፋዕ!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ብሞት ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 መራሕቲ ክርስትያን ሃገረ ፊንላንድ ንዝገበርዎ ምብጻሕን ምጽንናዕ መልእኽታቶምን ብምምስጋን እዮም መደረኦም ዝጀመሩ። ብምቅጻል ከኣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዕለት 8 ጥሪ ዝተኸበረ ናይ ጥምቀት ኢየሱስ ብምዝካር፡ እዚ ናይ ሓባር ጥምቀትና ብክርስቶስ ኣብ መንጎ ክርስትያንስ ይኹን ኣብዛ ብውግእ ትሕመስን ተመቃቂላን ዘላ ዓለምና ዕርቂ ከነስፍሕ ዝጽውዕ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ሓደ ጥምቀት ዝተቐቢልና ብምዃና፡ ንሕና ከም ኣመንቲ ልዕሊ ኩሉ ከነመስግን ዝተጸዊዕ ኢና፣ ምኽንያቱ ድማ ካብ ማያት ጥምቀት ጀሚሩ፡ ህላወና ብዓንዲ ርእሱ ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ምስ ኩሉ ፍጥረትን ተዓሪቑ እዩ። ከም ዝተዓረቑ ውሉድ መጠን፡ ኣብ መንጎና ወትሩ ዕርቂ ክህሉ ከይተሓለልና ክንሰርሕ፡ ኣብ ዓለምና ድማ መጋበሪ ዕርቂ ክንከውን ተጸዊዕና ኣለና።”

ምስ ግዳያት ኢፍትሓውነትን ኲናትን ጭቡጥ ቅርበት!

ቅዱስነቶም እዚ ጒዳይ እዚ ብፍላይ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 18-25 ጥሪ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዘዕርጋኦ ሳምንቲ ጸሎት ኣብ ዘብዕላሉ ዘለዋ እዋን ‘ሠናይ ግበሩ ፍትሒ ድለዩ’ (ኢሳ 1.17) ብዝብል መሪሕ ቃል ዝግበር ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዘን ቃላት እዚኣተን፡ መቓልሕ ጥምቀትና ንሰምዕ፡ እዚ ድማ ብጸጋ ዝጸደቕና፡ ናይ ፍትሒ ስራሕ ክንፍጽምን ምስቶም ግዳያት ኢፍትሓውነትን ምግላልን ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝተፈላለየ ናይ ቅርበት ኣገባባትን ብጭቡጥ ምልክታትን ከነቕርብ ንጽዋዕ ኣሎና። ጭቆና ብፍላይ ድማ ኲናት ክውገድ ከም መሰኻኽር ናይቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት፡ ማለት ከምቲ ንሱ ኣብ ድኻም ሰብኣዊ ኩነታትና ዝጠሓለ፡ ንሕና እውን ኣብ ቁስሊ ኩሎም እቶም ዝጽገሙ ክንጥሕል ግዴታ ኣሎና። ነዚ ድማ ብሓባር ክንፍጽሞ እንተኾይኑ ኣብ ኣሰር ቅዱስ ሄንሪክ ክንጐዓዝ የድሊ።”

ኣብ ኣሰር ቅዱስ ሄንሪክ ምጉዓዝ!

ቅዱስ ሄንሪክ “ምስክር እምነት፡ ልኡኽ ተስፋን መጋበሪ ምጽዋትን” ምንባሩ ብምዝካር ቅዱስነቶም ገለ ክንገብር ከምዘሎና ብምዝኽኻር ‘ይኹን እምበር ዓለም ምእንቲ ክትኣምን ነዚ ፍጻሜ እዚ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን ። ነቲ ሓድነት ኣካል ክርስቶስ ዝጎድአ ታሪኻዊ ምፍልላይ ኣብ መንጎ ክርስትያን ዝሃቦ ጸረ-ምስክርነት ንምስዓር ካብ ዘሎ ድሌት ተበጊስና ነቲ ካባኡ ዝምንጩ ሓቀኛ ኒሕ ክንእንግቦ የድልየና። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ሎሚ ሎሚ ከም ሎሚ ንስንብከተ ወንጌል ውዕዉዕ ቅንኣት የድልየና ኣሎ’ ኢሎም።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቃሎም ከጠቃልሉ ‘ስለዚ ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ምፍቃር ፈጺሙ ኣይሰልችወና ብተስፋ እውን ኣይንደክም ከምኡ’ውን ንኢየሱስ ንምስባኽን ነቲ ንሱ ዝብህጎ ሓድነት ንምህናጽን ዓሚቝን ብርቱዕን ድሌት ንምሕብሓብ ንጽዋዕ ኣሎና’ ምስ በሉ ነታ ካብ ማንም ጸሎታት ዝለዓለት ዝኾነት ጐይታ ባዕልኡ ዝመሃራ ጸሎት ብሓባር ምጽላይ ሓድነት ጥምቀትና ስለዝገልጽ ኣቡነዘበሰማያት ንበል ቢሎም ብሓባር ብምጽላይ እቲ ርክብ ተዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 Jan 2023, 10:44