ድለ

2023.01.23 Volontari dell'Opera di Promozione dell'Alfabetizzazione nel Mondo 2023.01.23 Volontari dell'Opera di Promozione dell'Alfabetizzazione nel Mondo  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፥ ሰላም ልምዓትን ትምህርትን የድልዮ!

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንወለንተኛታት ናይ ኢጣልያ ተቊዋም ግብረ ሰናይ ምድንፋዕ ትምህርቲ ኣብ ዓለም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ምስ ተቀበልዎም ድኽነት ንምስዓርን ሰላም ንምስፋንን ቀንዲ መጋበሪታት ትምህርትን ምዕባሌን ስለዝኾነ ነዚ ብተወፋይነት ኣብ ምድንፋዕ ክቃለሱ ከምዘተባብዕዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ትማሊ ሶኑይ ምስ ወለንተኛታት ናይ ኢጣልያዊ ተቁዋም ግብረ ሰናይ ምድንፋዕ ትምህርቲ ዓለም ማለት ምጥፋእ መሃይምነት (Opera di Promozione dell’Alfabetizzazione nel Mondo - OPAM) ኣብ ዘካየዱሉ እዋን፡ እቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ካቶሊካዊ  ተቊዋም ንመሰል ትምህርቲ ንምዕባይን ድኽነት ንምስዓርን ብተወፋይነት ክሰርሕ ብዙሕ ትጽቢት ከምዘለዎም ገሊጾምሎም።

እቲ ተቊዋም ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ነባሪ ልምዓትን ሰብኣዊ ክብርን ንምድንፋዕ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምህናጽን ምድጋፍን፣ ስልጠና መምህራን፣ ትምህርቲ ምጽሓፍን ምንባብን ማለት ምጥፋእ መሃይምነትን ሞያዊ ስልጠናን ንዓበይቲ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምብርካት ተዋፊሩ ይርከብ። ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ንዝርከባ ዝማዕበላ ኣብያተ ትምህርቲ ምስተን ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ዝርከባ ድኻታት ኣብያተ ትምህርቲ ብምልፋንን ምሕዝነት ብምፍጣር ኣብ መንጎ ባህልታት ዝካየድ ፕሮጀክትታት ብምውዳብ በዚ  ኣቢሉ እውን ባህሊ ሰላም ንምድንፋዕ ዕቱብ ኣበርክቶ ከምዝገብር ተመልኪቱ።

እዚ ብኦፓም ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ተቊዋም ግብረ ሠናይ ብ1972 ብሓደ ኢጣልያዊ ካህን ዶን ካርሎ ሙራቶረ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ ቬንዙዌላ ንሓያሎ ዓመታት ከም ሚስዮናዊ ኮይኑ ድሕሪ ምስራሕ፡ መሃይምነት ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ድኽነት ምዃኑ ብምግንዛብ ከምዝተበገሰ እውን እንክምልከት ምጥፋይ መሃይምነት ጥራይ ዘይኮነ እታ ናብ ሰላም እትወስድ ጐዳና መንገዲ ትምህርቲ ምዃና ብምእማን እውን ነበረ።

ትምህርቲ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ እዩ!

ቅዱስነቶም ነዚ እምንቶ ኣባ ካርሎ ብምስማር ‘እቲ ምእማን እቲ፡ ኣብ ሕመረት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ፖፑሎሩም ፕፕሮግረስዮ እትብል ሓዋርያዊት መልኽትን ካልኦት ፍሉያት ሰነዳት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ 1960ታት ምዃኑን፡ “ልምዓት ከም መንገዲ ሰላም ብንጹር ዘመልክት”ን ብዘይካኡ ማለት ብዘይ ትምህርቲ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ክህሉ ከምዘይክእል ይምልከት’ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ሰነዳት እንክገልጹ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝተጻሕፈ ፓቸም ኢን ተሪ ወሰላም በምድር እትብል (ብ1963 ዓም) ሓዊስካ – ኣብዛ  ብሰንኪ እቲ “ሞዴል ልምዓት ስለዘይተቐየረ” ምንም ዘይተቀየረላ ዓለምና ሱር ጠንቂ ትሑት ምዕባለ ናይ ሎሚ ዓለምና ንሱ ስለዝኾነ ገና ትሕዝቶ ናይዘን ሰነዳት ሎሚ እውን  ኣገደስቲ እየን’ እንክብሉ ምስ ኣመልከቱ ቀንዲ ኣበርክቶ ኦፓም ከዝ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኣብዚ’ዩ እምበር እቲ ወደር ኣልቦ ኣበርክቶ ኦፓም ዝመጽእ፡ “ስራሕኩም ብልክዕ ካብቶም ጠንቂ ትሑት ምዕባለ ዝኾኑ ሓደ፡ ማለት መሃይምነት ንምእላይ ዝዓለመ’ዩ ።”

ናይ እግዚኣብሔር 'ሕልሚ' ሕውነታዊ ዓለም እዩ!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ነታ "ሕልሚ" ብማለት ደጋጊሞ ዝገልጽዋ እግዚአብሔር ንዓለምን ኣብኡ ዘሎ ኩሉን ክፈጥር እንከሎ ዝነበሮ መደብን ባህግን ሕውነታዊ ዓለም ምዃኑ ዝጠቀስዎ ብምዝካር ሕልሚ ናይታ በዓለ ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝጸሓፍዋ   ፖፑሎሩም ፕሮግረስዮ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ምስታ ንሶም ዝጸሓፍዋ ፍራተሊ ቱቲ  ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሓደ ምዃኑ ብምስማር: ክልቲኤን ንሕልሚ እግዚኣብሔር ንምዝኻኽር እዩ፣  ሕልሚ እግዚአብሔር ከኣ “ኩላትና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሙሉእ ክብሪ ክንነብረላ እንኽእል ዓለም እዩ ዝምነ” ኢሎም።

“ንስኻትኩም ምስ ብዙሓት ‘ኣብ ባይታ’ ዝሰርሑ ሚስዮናውያን ብምትሕብባር፡ ትምህርታዊ ፕሮጀክትታት፡ ወይ ናይ ቤት ትምህርቲ ደገፍ፡ ወይውን ብርሑቅ ብዝተፈላለየ መራኸቢታታ ክትምህሩ ተልእኮታትኩም ከተካይዱን እንከከለኹም፡ ‘ክፉት ዓለም ንምፍጣር’፡ ‘ኩሉ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝስነየሉ’ ኣበርክቶ ብምግባር ናይ ህይወት፡ መሰረታዊ ድሌታቶም ብምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ዝበለጸ ንኺህቡ ክእለትን ድሌትን ከምዘጥርዩ ብምግባር እዩ።”

ንስራሕኩም ብመንፈስ ወንጌል መግብዎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ናይ ተወፋይነቶም ምትብባዕን ድርኺትን ህያው ምእንቲ ክገብሮ፡ ወለንተኛታት ኦፓም ኣብ ምድንፋዕ ስራሕቶም ንቕድሚት ክጽዕሩ ብምትብባዕ፡ ብቐጻሊ “ብመንፈስ ወንጌል” ብምምጋብ ክገብርዎ ሓድራ ብማለት በዘን ዝስዕባ ምርቃ ቃሎም ዛዚሞም።

ቅድስት እመቤትና ድንግል ማርያም ወትሩ ተሰኒኹም! ከምቲ ንሳ ጸገም ኤልሳቤጥ ንክተቅልል ተቀላጢፋ ኣብ ዝባውንቲ ይሁዳ ዝጐየየት ናብ ኩሎም ሓገዝ ዘድልዮም ‘ተቀላጢፍካ ናይ ምኻድ’ ሓጐስ እውን ተዓድልኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 January 2023, 15:06