ድለ

ነፍስሄር ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ነፍስሄር ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብምኽንያት ሞት ብጹዕ ካርዲናል ፐል ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስለ ምስክርነቶምን ኣገልግሎቶምን ብፍላይ ኣብ ግዜ ፈተና ከይተናወጹ ብጽንዓት ንጐይታ ዝሰዓቡ እሙን ኣገልጋሊ ጐይታ ኣብ ፍስሓ ሰማይ ኪቕበሎም ዓስቢ ዘለኣለማዊ ሰላም ክጽግዎም እጽሊ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብጹዕ ካርዲናል ፐል ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን፥ “ካርዲናል ፐል ኣብ እዋን ፈተና እውን ከይተረፈ ብዘይ ነውጺ ብጽንዓት ንጐይታ ዝሰዓቡ ወዲ ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነፍስሄር ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ዘይለዋወጡ ውፉይን ንምስክርነት ንወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን ዘገልገሉ ብፍላይ ድማ ምስ ቅድስቲ መንበር ኣብ ጽገና ጒዳያት ቁጠባ ብትግሃትን ብምሉእ ምትሕብባርን ብቆራጽነትን ጥበብን መሰረት ዘንበሩ” እንክብሉ ኣብቲ ናብ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጒባኤ ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ረ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ምሕኵልቲ መጥባሕቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 10 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ከም ዝዓረፉን፥ ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ልሂቅ ህየንተ ካርዲናል ፐል ዕረፍት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ተለግራም፥ ምስ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ረን ምስ መላእ ስድራ ቤት ነፍስሄር ብጹዕ ካርዲናል ፐል ኣብ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖም ገሊጾም፥ ስለ ምስክርነቶምን ኣገልግሎቶምን ብፍላይ ኣብ ግዜ ፈተና ከይተናወጹ ብጽንዓት ንጐይታ ዝሰዓቡ እሙን ኣገልጋሊ ጐይታ ኣብ ፍስሓ ሰማይ ኪቕበሎም ዓስቢ ዘለኣለማዊ ሰላም ክጽግዎም እጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

12 Jan 2023, 16:15