ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ኣብ ኵናት ደቀን ንዝሰኣና ኣዴታት ዩክሬይንን ሩሲያን ይጽልዩ

ኣብዚ ግዜ እዚ ብፍላይ ኣብታ ዘጥበበትን ዘዕበየትን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከነተኩር . . . ሓደራ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 8 ጥሪ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለይ ኣሃገራት ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኵሉ ማንቲ እቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉን ከምኡ እውን ኲናት ከብቕዕ ክጽሊ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡን ብዘይ መብራህትን መውዓይን ዝሳቐዩ ዘለዎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንዝክሮም ሓቲቶም፡ ነቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ፈጺምና ክንርስዖም የብልናን እንክብሉ ምዒዶም፥

ምእንቲ ዩክሬይናውያንን ሩስያውያንን ኣዴታት ንጸሊ!

ኣብዚ ግዜ እዚ ብፍላይ ኣብታ ዘጥበበትን ዘዕበየትን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከነተኩር ኣዘኻኺሮም ነቶም ብኲናት ምኽንያት ደቀን ዝስእና ዘከዋ ኣዴታት ዩክሬናውያንን ሩሲያውያንን ክንሓስብ ተላብዮም፡ እዚ ኩሉ ስቃይ ከብቅዕን ደው ክብልን ንጸሊ። . . . ኵሉ ሰብ ምእንቲ እተን ደቀን ዝሰኣና ኣዴታት ክጽልይ ሓደራ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Jan 2023, 15:57