ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ህይወትኩም ኣንብርዎ! ር.ሊ.ጳ.
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ልሙድ ሰላምታን ቃለ ምስጋናን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሎሚ ከም ሎሚ ብቀንዱ ክገብርዎ ዘለዎም ብቀዳምነት ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ህይወቶምን ተልእኮኦምን ከንብሩ ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ኩሉ ተግባሮም መሰኻኽር ፍቅሪ ኣምላኽ ክኾኑ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ገሊጾምሎም። ኮንፈደረሽን ገዳማት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብ1959 ዓ.ም.ፈ ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝቆመ እዩ።
ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን እሰ ከም ማይ እዩ፡ “ማይ እንተዘይወሓዘ፡ ይጽይእ ወይውን ይምሽምሽ”፡ ከማኡ እውን ከም ጨው ክንምልከቶ ንኽእል፡ "ጨው ምቀረቱ እንተ ኣጥፊኡ፡ ዘይጠቅም ይኸውን" እንክብሉ ክንቀሳቀሱን መቀረቶም ክዕቅቡን ሓደራ በልዎም። ኣብ ገዳማዊ ሕይወት ብዙሕ ተጋድሎ እኳ ዘድሊ እንተኾነ ከም ኣብ ግዳም ዘሎኻ በይንኻ ኰይኑ ከምዝስመዓካ ዝግበር ተነጽሎ ክጥንቀቁ ከማኡ እውን ሱር ውድቀት ዝኾነ ትዕቢት ኣጥቂዕዎም ኣብ ኣነነት ከይወድቁ ክሕለው ብምዝኽኻር ገዳማውያንን ገዳማውያትን ወትሩ ብሓባር ክሰርሑን ነንሕድሕዶም ክተሓጋገዙን ኣተባብዑዎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ታሪኽ ገዳማት ምልስ ይብሉ እሞ ነቲ ዝሓለፈ ዝሓለፉ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝፈጸምዎ ታሪኽ ዋጋ ክህብዎ ድሕሪ ምዝኽኻር ጠመተኦም ግን ወትሩ ኣብ ህልው ግዜ ብምልኣትን ብዘይ ምንም ፍርሕን ክነብሩ እሞ ንመጻኢኦም ብዝተሓደሰ ተስፋ ሃንጐፋይ ቢሎም ክቅበሉ በዚ ከኣ ክርስቶስ ኣብ ውሽጦም ከምዝነብር ከረጋግጹ ከምዝኽእሉ ገለጹሎም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ምናዳ ተኸተልቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ መጻኢኦም ኪሓንጹሉ ዝኽእሉ ዓቢይ ታሪኽ ከምዘለዎም እንተደኣ በዚ መሠረት እዚ ገስጊሶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ ዓበይቲ ነገራት ንክፍጽሙ ሓይሉ ከምዝህቦም ኣረጋገጹሎም።
ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ ልብና ይነብር!
ቅዱስነቶም መሠረታዊ ሕጊ ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ነቲ ብወንጌል ዝቐረበ ክርስቶስ ምስዓብ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ቀዳማይ ፍቕርና ክርስቶስ እዩ።
ወንጌል እንታይ ይምህረና ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ቅዱስነቶም ወንጌል ብቀጻሊ ዘዘኻኽረና ጉዳይ እንተልዩ ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ሕይወትናን ተልእኾናን ንክንገብር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹሎም።
ቅዱስነቶም በዛ ጥቅሲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ገቢሮም ቀንዲ ዕላም ፍጥረትና ምስ ገለጹ ናብቶም ገዳማውያን ምልስ ብምባል ‘ከም ኣባላት ናይዚ ስሩዕ ቀኖና፡ ቀንዲ ውራዮም ቀጻልን መዓልታውን ምድላይ ጐይታ’ ክኸውን ይግባእ፣ ነዚ ከኣ ንእግዚአብሔር ንምድላይ እንጥቀመሎም ኩሎም መንገድታት ክጥቀሙ ኣዘኻኸርዎም።
ኩሉ መገድታት ንእግዚኣብሔር ንምድላይ!
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ንጐይታ ክደልዩሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለየ መንገድታት ከምዘሎ ብምምልካት፣ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትስ ይኹን ኣብቲ ህይወት ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ኣብ ገጻቱ ሓቊፉ ቅዱስ መጽሓፍ ብትግሃት ብምንባብ ንጐይታ ክደልዩ ኣዘኻኸሩ። ተኸተልቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝኾኑ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከኣ ሕልፍ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፍላይ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ከማኡ’ውን ኣብ መጽናዕትን ኣብ ዕለታዊ ሓዋርያዊ ጉስነትን ንእግዚአብሔር ክደልዩ ዓደምዎም።
እግዚአብሔር ወትሩ የብርህ!
ቅዱስነቶም ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስወን መንገድታት ክፋል ናይቲ ዝተፈላለዩ ኣስተንትኖን ውሳጣዊ መንፈሳዊ ጒዕዞን ኮይኖም ናብ ፍልጠን ፍቅርን ጐይታ ዝመርሑና ምዃኑ ይገልጹ እሞ፣ ወትሩ ናይቲ መሥራቲኦም ዝኾነ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ቃላት ክዝክሩ እሞ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተመሊሶም ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሓቂ ንምርካብ ክጋደሉ ሓደራ ቢሎም። በዚ መንገዲ’ዚ ብርሃን ጐይታ ውሽጣዊ መምህር ኮይኑ ግዝያዊ ክውንነትና የብርሃልና ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ርክቦም እዚ ምስ ተካኢ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ርክብ ንተኸተልቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝኾኑ ገዳማት ንፍሉይ መንፈሳዊ ውህበታት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዳግም ክምልከትዎን ኣብ ውሽጢ ማሕበራቶምን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ግን ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ቅርበርት ከሐድሱ ክሕግዞም ጸለዩ። ኣብ ቤተክርስትያን ብዝበርክትዎ ኣገልግሎትን ብዝህብዎ ምስክርነትን ኣመስጊኖም፣ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሓሉኽምን ሕዘልኩምን ተማልደልኩምን! ንዓኹምን ንማሕበራትኩምን ብምሉእ ልበይ እባርኽኩም ኣለኹ! እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።