ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቅድሚ ኑክሊየሳዊ ስግኣትን ንናጽነት ዘስግእ ሓደጋታት ብሓባር ሰላም ንህነጽ
ዕለት 9 ጥሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮቶም ንምግላጽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ግጭት ብህጹጽ ከብቅዕ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምስሕሓብ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝብል ውሳኔ ፍታሕ ክረክብን ኣብ ዓለም ዘንጸላልው ዘሎ ስግኣት ኑክለስያዊ ኣጽዋር ክውገድን ብስም ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ብሓድሽ ዓመት ምኽንያት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ብርክት ዝበሉ ዓለም ለኻዊ ዛዕባታት ዝድህስስ መደረ ከም ዘስምዑን። ንዓለም ኣጋጢምዋ ዘሎ ንዅሉ ዝጸሉውን ወሳንን ብድሆታት ከም ኲናት ኣብ ዩክረይን እቲ ሓዲግዎ ዝሓልፍ ናይ ሞት ባህልን ዕንወትን ኣጉሊሖም፡ ሰባት ብቦምብታት ጥራሕ ዘይኮነስ ብጥሜትን ቁርን እውን ይሞቱ ኣለዉ። ኣብ ብራዚልን ፐሩን ሃይቲን ዝርአ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዝፍጸም ዓመጽ፡ ኣብ ኢራን ናይ ሞት ፍርዲ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ካብ መደብ ትምህርቲ ምግላል ዝብል ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኣርእስታት ጠቒሶም ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ቅልውላዋት ኣቃልቦ ሂቦም፡ ብኲናት ዝተሃስያ ሶርያን የመንን ግብረ ሽበራ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ካውካሰስ ዝርአ ዘሎ ግጭታት፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከምኡ እውን ማእከላይ ባሕሪ ናብ መቓብር ዝቕይሮ ዝርአ ዘሎ መዓትን ከም ዝጠቐሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሳልሳይ ውግእ ዓለም
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ ሰፊሕ መደረ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት ሓፈሻዊ ትንታነ ከም ዝሃቡን፡ ሎሚ ኣብ ሓሙሽተ ክፋል ዓለም ግጭትን ወጥርን ዝካየደሉ ከባቢታት ጠቒሶም፡ እዚ እውን ሓደ ካብቲ ተበታቲኑ ዝካየድ ዘሎ “ሳልሳይ ኲናት ዓለም” እዩ። ብሓቂ ዓለም ሓቆፍ ባህሪ ዘለዎ “ግጭታት ንገለ ከባቢታት ዘሳትፍ እውን እንተመሰለ ብሓቂ ንዅለን ሃገራት ዘሳትፍ እዩ ከም ብዘሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ደሞክራሲ ምድኻም
ኵሉ ሰብ ብሓባር ሰላም ክሃንጽን ነቲ ብሰንኪ “ፖለቲካውን ማሕበራውን ውልትውና” ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ደሞክራሲ ዳግማይ ምሕያል ከም ዘድልን . . . ኣብ ፐሩን ሃይቲን ኣብ ዝሓለፉ ሰዓታት እውን ኣብ ብራዚል ዝርአ ዘሎ ወጥሪ፡ ናይቲ ፖለቲካዊ ውልትውና ዘምጽኦ ዘሎ ውጥርን ዓመጽን ኣብነታት ምዃኑ ጠቒሶም፥
ወገናዊ ኣተሓሳስባ ምብዳህን ንሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ ምስራሕን ቀጻሊ ኣድላይነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ!
ከም ዝበሉ የመላኽት።
ስምምዕ ምስ ቻይና
ንዅሎም ብምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሓዘን መግለጺ መልእክቲ ንዘመሓላለፉ ኣመስጊኖም፡ ኣስዒቦም ኣብ መንጎ ቻይናን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዛዕባ ሽመት ጳጳሳት ዝምልከት ዝተበጽሐ ስምምዕ፥ “ናይ ምክብባርን ናይ ሃናጺ ዘተን” ውጽኢት ምዃኑ ገሊጾም፥
እዚ ናይ ምትሕብባር ዝምድና ክውስኽ ዝድርክ እዩ። ንረብሓ ህይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ህዝቢ ቻይናን ከም ዝኸውን ተስፋይ እዩ!
ኑክለሳዊ ስግኣት
ቀጺሎም ናብቲ ሕጂ መበል 60 ዓመት ዘኽብር ዘሎ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ኣብቲ እዋን ኑክለሳዊ ስግኣት ህያው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝጸሓፍዎ ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር፡ “ሰብኣውነት ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምጥፋእ ሓደ ስግሙት ጥራይ ርሑቕ ብምህላዉ ኣብዚ ኩነት እዚ ዘተ ተዓዋቲ ንምግባር ዝከኣል እንተዘይኮይኑ እቲ ስግኣት ወትሩ ክህሉ እዩ . . . ዓለም እውን ኣብ ዳግማዊ ፍርሒ እያ ዘላ።”
“ኣቶማዊ ኣጽዋር ምሓዝ ስነ ምግባራዊ ኣይኮነን” እንክብሉ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡ ምኽንያቱ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ዝተዓዘብዎ “እቲ ባርዕ ሓዊ ብገለ ኣጋጣምን ኣብ ዘይተጸበናዮን ኩነታት ክብገስ ከም ዝኽእል ዝኽሕድ ክህሉ ኣይክእልን። ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘስዕቦ ሓደጋታትን ዘስካሕክሕ ሰብኣውን ምህዳራውን ዕንወት” ብምዝኽኻር፥ ብዛዕባ ኑክለሳዊ ጸዓት ምስ ኢራን ዝግበር ዝነበረ ዘተ ምቁራጹ ከም ዘሰክፎም ገሊጾም፡ “ዝያዳ ውስሕ መጻኢ ንምርግጋጽ” ብቕልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ተስፋ ኣሎኒ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብ ዩክሬይን ገይሮም ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ትሕተ ቅርጽታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኮኒኖም፡ “ብሰንኪ ተኹስን ተግባራት ዓመጽን ጥራይ ዘይኮነስ ብጥሜትን ቁርን ህይወት የጥፍእ ኣሎ።”
ሎሚ እዚ ትርጉም ኣልቦ ግጭት ብቕጽበት ከብቅዕ ጻውዒተይ ከሐድስ ግድን ኮይኑ ይስምዓኒ። ሳዕቤናቱ ኣብ መላእ ዞባታት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢን ይስማዕ ኣሎ። ብስነኪ ኣብ መዳያት ጸዓትን ምፍራይ መግብን ልዕሊ ዅሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዘስዕብ ጸገም ከቢድ እዩ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እውን ከምኡ!
ናይ ሞት ፍርዲ ምስራዝ
ህልው ኩነታት ኢራን፥ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ክኽበር ዝጽውዑ ዝካየዱ ናይ ሰላማዊ ሰልፍታት ከምኡ እውን ፍርዲ ሞት እውን ዘሰክፍ እዩ፥
ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንሓደ ናይ መንግስቲ ፍትሒ መጋበርያ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ንግዳያት መከላኸሊ ወይ ንህዝቢ ፍትሒ ዘምጽእ ስለ ዘይኮነ፡ ሰለዚ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ . . . ወትሩ ክውገድ! ኣብ ሕጊ ኵለን ሃገራት ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክንጸግ ኣለዎ። . . . ሓደ ሰብ ክሳብ ባህርያዊ ሕልፈቱ ክንሳሕን ክቕየርን ከም ዝኽእል ሸለል ክንብሎ የብልናን . . .
ክልተ ጎረባብቲ መንግስታት ዝብል መፍትሒ
ኣስዒቦም ኣቃልቦኦም ናብታ ክሳብ ሕጂ ብድኽነትን እገዳን ትሳቐ ዘላ ሃገረ ሶርያ ኣቕኒዖም፥ “ዳግማይ ልደት እታ ሃገር ብዘድሊ ጽገናታት እንኮላይ ብቅዋማዊ ጽገናታት ክመጽእ ኣለዎ፡”። . . . ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ግዳያትን ምኽንያት ስክፍታኦም ገሊጾም፡ “ምሉእ ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማንን” ዘስዕቦ ዘሎ ኩነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ናይ ኢየሩሳሌም ህልዊ ኩነታት ክረጋገጽን ክኽበርን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ድሮ በቕድስቲ መንበር ብተደጋጋሚ ዝግለጽ፥ “ክልተ ጎረባብቲ ሉኣላውያን ሃገራትን - መንግስታትን” ዝብል መርገጺ ከም ዘቃልሑን፥
ሰበ ስልጣን ሃገረ እስራኤልን ናይ ሃገረ ፍልስጥኤምን ነቲ ናይ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ብኹሉ መዳያቱ ንምትግባር ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምስምማዕ ብቐጥታ ንምዝታይ ዝነበሮም ትብዓትን ቆራጽነትን ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ውሳነታት መሰረት ዳግም ከረጋግጹ ተስፋይ እገልጽ።”
ብድሆታት ኣብ ኣፍሪቃ ካውካሰስን ማእከላይ ምብራቕን
መደረኦም ብምቕጻል፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ከም “ነጋዳይ ሰላም” ምብጻሕ ኣብ ዘካይዱለን ሃገራት ዘሎ ዓመጽ ክቋረጽ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ኵነታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣቃልብኦም ገይሮም ሰላም ክረጋገጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰላም ድምጺ ብዓውታ ክስማዕ እተባቢዖም።
ኣብ ደብብ ካውካሰስ “ቶኽሲ ደው ክብል እምሕጸን፡” ወተሃደራውን በረገሳውያንን እሱራት ክፍትሑ ጻውዒት አቕረብ። ኣብ የመን ዋላ’ኳ ቶኽሲ ደው ምባል እተሃለወ፡ ብሰንኪ ዝተቐብሩ ነታጒ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ብዙሓት ምዃኖም ገሊጾም፡ ኣብታ ሃገርን ኣብ ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምካት ዝግበር ተወፋይነት ከሕይል ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ሱዳን ማሊ ጫድ ጊኒን ቡርኪናፋሶን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምስግጋር “ንሕጋዊ ባህግታት ብምኽባር” ክካየድ ተስፋ ብምግባር፡ ህዝብታት ቡርኪናፋሶ ማሊን ናይጀሪያን ዘጋጥሞም ዘሎ ቅልውላዊ ዘሰክፎም ምዃኑ ገሊጾም፡ ናብ እስያ ብምቕናዕ “ንኽልተ ዓመት ዓመጽን ስቓይን ሞትን ዘጋጥማ” ዘላ ምያንማር፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ሓውሲ ድሴት ኮርያ ሰናይ ድልየትን ተወፋይነትን መሰረት ሰላምን ምዕባለን ክርከብ” ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምሉእ ምርጋፍ ኣጽዋር
ኵሉ ግጭታት ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንቐታሊ ሳዕቤናቱ ንምሕያል ዝግበር ምርምርን ምህርትን ሓደስቲ ኣጽዋር ሃብቲ ሃገር ከም ዝፈስስን እዚ እውን ብዙሕ እዋን ሰላም ኣብ መሰረት ማዕረ ሚዛን ኣጽዋር ውሑስ ክኸውን ኣይክእልን ብዝብል ስነ ሞጐት ምኽኑይ ከም ዝግበር ገሊጾም፥
መሳርሕታት ሞት ኣብ ዝበዝሓሉ ሰላም ዘለ ዘይከኣል ነቲ ኣተሓሳስባ ምቕያርን ናብ ናይ ኵሉ ምሉእ ኵለንተናዊ ምሉእ ምፍታሕ ኣጽዋር ምጉዓዝን የድሊ!
ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባር
“ናይ ሰላም ፈትሊ ከም ብሓድሽ ንምእላም” ካብ ሓቂ ፍትሒ ናጽነትን ምትሕግጋዝን ክንብገስ ዝዓደሙ ናይ ሮማ ጳጳስ፡ ብቐዳምነት ሰብኣውነት ሰብ “መሰል ህይወትን ኣካላዊ ኵለንተናውነት” ከነኽብር ኣሎና። እዚ ብፍላይ ነተን ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት “ከም ካላኣይ ደረጃ ዜጋታት” ተገይረን ዝሕሰባ ወይ ድማ “ኣደዳ ዓመጽን ናይ ስራሕን ትምህርትን ክእለተን ናይ ምውፋርን መሰለን ክንክን ጥዕናን መግብን ናይምርካብ መሰልን ዝገሃሰን ደቂ ኣንስትዮ እናሓሰቡ፥
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ዘለወን ግደን ቀዳሞት መሓዙት ሰላም ብምዃነን ፍሉይ ኣበርክቶ ከቕርባ ይኽእላ እየን!
ኣይፋል ምንጻል ጥንሲ
ሰላም ንህይወት ክንከላኸል ይጠልብ። እዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ብዙሕ ግዜ እውን ገና ኣብ ማሕጸን ኣደ እንከሎ ከይተረፈ ብመገዲ ምድንፋዕ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝበሃል ውሳኔን ጎስጓሳትን” ንሞት ዝቃላዕ ህይወት ምኽባር ይግባእ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህይወት ሰብ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተኣፋፍያንን ድኹማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ህይወት ሞትን ሕውየትን ናይ ምሃብ መሰል የብሉን። ሕልና ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም መሰል ናይቶም ተኣፋፍያን ንምሕላው ክጽዕሩን ነቲ ኣረጋውያንን ህሙማንን ዝንጽል ጓሓፋይ ባህሊ ክቃለሱን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍርሒ ኣብ ልዕሊ ህይወት
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ “ንሕይወት ምፍራሕ” ማለት ስድራ ቤት ኣብ ምፍጣርን ቈልዑ ናብ ዓለም ኣብ ምምጻእን ፍርሒ ዘሕድር እዩ፡ ኢጣልያ ሓደ ኣብነት ናይቲ “ሓደገይና ምንቁልቋል መጠን ውልደት” ምዃና ጠቒሶም፡ ኣስዒብ ኣቢሎም “ፍርሒ ብድንቁርናን ቅድመ ፍርድን ይባራዕ ቀጺሉ ናብ ግርጭት የብጽሕ” ቢሎም፥
ትምህርቲ ጸረ መርዚ ፍርሒ እዩ
እቲ ጸረ መርዚ ትምህርቲ እዩ፡ “ዕዮ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ምሉእ ኵለንተናዊ ኣኽብሮት ሰብ ይሓትት ከምኡ እውን ልበ ወለዳውን ዝተደናገረን ራእይ ወዲ ሰብ ምጽዓን ክውገድ ከም ዘለዎ የተሓሳስብ . . .
ከምቲ ብፍጹም ቅብሉ ክኸውን ዘይክእል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ዘጋይጥም ዘሎ ገለ ክፋል ህዝቢ ካብ ትምህርቲ ክግለላ ኣለወን ዝብል ኣረኣእያ!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ትምህርቲ ኣብ ዝምልከት ሓሳቦም፥ ኣክንዲ ንትምህርቲ ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ካብ መጠን ንላዕሊ ክብ ዝበለ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ “መንግስታት ነቲ ዘሕፍር ተግባር ክቕይሩ ትብዓት ክህልዎም ከም እተላበዉ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ናይ ሃይማኖት ናጽነት
ብተወሳኺ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኣድማሳዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ እትሪሮም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ሰባት እምነቶም ብግልጺ ዘርእዩን ዝነብሩን ንስደት ይዳረጉ ምህላዎም ዘሰክፍ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብተን ክርስቲያን ውሑዳት ኣብ ዘይኮኑለን ሃገራት ከይተፈ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ።”
ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ኣምልኾ ጥራይ ክሕጸር የብሉን፡ ሃይማኖት ሓደ ካብቲ ክቡር ኣነባብራ ምንባር ክህሉ ዝገብር እውን እዩ፣ መንግስታት ነዚ መሰል ናይ ምሕላውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ናይ ሓባር ረብሓ ብዝሰማማዕ መገዲ ናይ ምርግጋጽን ኣብ ህዝባዊ ጽላላትን ኣብ ሞያኡን ኩሉ ምስ ሕልና ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክዋሳእ ባይታ ኣብ ምፍጣር ግዴታ ኣለዎም።
“ሃይማኖት ብትኽክል “ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ናይ ዘተን ርክብን ሓቀይና ዕድላት ዝህብ እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣብ 2019 ዓ.ም. ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገብረዎ ሰነድ ዘረጋግጾ ሓሳብ ደጊሞም ከም ዘቃልሑ የመላኽት።
ብዝሓ - ጐናውነት
እዛ ኣዚያ ዝተገማምዐተ ዓለም ዘድልያ ፍትሒ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም፡ እዚ ድማ ብጭቡጥ ኣዘራርባ ናብ ብዝሓ - ጐናውነት ዝትርጐም እዩ። እዚ እውን እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ቅልውላው ዘነጽሮ ሓቂ እዩ። ስለዚ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ንዅሎም ህዝብታት ዘድልዮም ነጋራትን ስምዒታትን ብሓቂ ዝውክሉ ምእንቲ ክኾኑ፡ ኣብዚ መዳይ እውን ምእንቲ ክዓዩ ተሓድሶ ከም ዘድልዮም ይሕብር። እዚ ኣገባብ እዚ ንገሊኦም ዝያዳ ዘኽብር ንገሊኦም ድማ ዝጐድእ ኣገባባት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ የኽእሎም።”
ልፍንቲ ምፍጣር ዘይኮነስ ኵሉ ሰብ ኣብ ዘተ መሻርኽቲ ክኸውን ዕድላት ምፍጣር እዩ!
ሃልዩኣዊ መግዛእቲ
ንስደተይናታትን ንምርጋፍ ኣጽዋርን ዝድግፍ “ዝነኣዱ ተበግሶታት” ምፍጻም ወይ “ድኽነትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን” ንምምካት “ብሓባር ምዕያይ” ዝዓበየ ሰናይ ሸቶታት ንምውቃዕ ዝሕግዝ እዩ። እንተ ኾነ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ “ኣህጉራውያን መድረኻት ውልትውነትን ሓደ ኣተሓሳስባ ንምጽዓን ዝግበር ፈተናታት ክውስኽ ተራእዩ እዩ። እዚ ድማ ንዘተ ዝዕንቅፍን ነቶም ኵነታት ብዝተፋላለዩ ማእዝናት ዝርእዩ መገድታት ዘወግድ እዩ፥ እዚ ሓደጋ እዚ ድማ ከምቲ ዝርአ ዘሎ ናብ ሃልዮኣዊ ምልካውነት ዘብጽሕ እዩ። . . . እዚ ድማ ዘይምጽውዋር፡ ምግሃስ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልናን ናጽነት የስዕብ።”
. . . ቁጠባዊ ሓገዝ ምቕራብ ምስ ምቕባል ኣመለኻኽታን ሃልዩ ክተኣሳሰር ይርአ። እዚ ተግባር እዚ ውሽጣዊ ክትዕ ይዓብጥ፥ ሓይሊ ሚዛን ሽርክነት ክኸውን ድማ ይገብር።
ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ብዛዕባ ደቀባት ዘጋጥሞም ዝተፈላለየ መከራ እውን ዘኪሮም ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝገበረዎ ምብጻሕ ምስ ደቀባት ካናዳ ከም እተራኸቡ ዘኪሮም፥ “ምይይጥን ክትዕን ምዕጋት ወይ መሰል ምቕዋፍ ዝያዳ ንምፍልላይ ነዳዲ እዩ ዝኸውን።”
ስደተይናታት ምሕጋዝ
ቅዱስነቶም ከምቲ ለበዳ ኮቪድ - 19 ከም ዘረጋግጸልና ይብሉ “በይኑ ክድሕን ዝኽእል ሰብ የሎን፡ ስለዚ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ኣዚዩ ዝተኣሳሰረ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና፡ ኣብ መወዳእታ ተግባራት ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኵሉ ሳዕቤን ኣለዎ። ብፍላይ ብዛዕባ ስደት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዓቢይ ትኩረን ተወፋይነትን ክህሉ ተላብዮም። ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝምልከት ጉዳይ ብሃንደበት መልሲ ክህንበሉ ከም ዘይብልና እቲ ክፉት መቓብር ኮይኑ ዘሎ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዘርእየና ሓቂ እዩ። . . . ኣብ ኤውሮጳ ስደተይናታት ንምቕባል ንምስጓምን ንምውህሃድን ዝምችእ መምርሕታት ንምትግባር ዝድርኽ ሓድሽ ውዕል ዛዕባ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ክህሉን በዚ ኣቢልካ ነቲ ናይ ምምሕዳሩ ቅርጺ ምድልዳል ኣድላይነት ኣለዎ።”
ስራሕን ከባብን
ቅዱስነቶም ብተወሳኺ “ኣብ ዕዳጋን ስራሕን ክብሪ ክምለስ ኣለዎ፥ እዚ ኵሉ ዓይነት ምዝመዛ ከብቅዕን ሰራሕተይና ከም ዕዳጋ ምሕሳብ ንምውጋድ ከምኡ እውን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዘስዕብ ኣዕናዊ ኤኮኖሚ ኣብ ግምት ብምእታውን እዚ ኩሉ ከይህሉ ብምግባር ሓባራዊ ቤትና ኣብ ምክንኻን ምርኻብ የድሊ።
ጉረቤትና፥ ኣሕዋትናን ኣሓትናን
“ሰላም ንምህናጽ ግዝኣታዊ ንውሓት ይኹን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብዘየገድስ ናጽነትን ቅንዕናን ድሕነትን ካልኦት ሃገራት ዝገሃሰሉ ቦታ ከይህሉ ይጠልብ” ቢሎም “እዚ ክኸውን ዚእኽል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ እቲ ጎረቤትና ከም ሓውን ወይ ሓብትን ክንቅበሎን ክንሓቑፎን ምስ እንኽእል እዩ፡ ከም ጸላኢ ዝርእይ ባህሊ ጭቆናን ምጥቓዕን ምስ ዘይህሉ ጥራይ እዩ ሰላም ዝህነጽ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።