ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ምምስጋን ስለ እቶም እሙን ኣገልጋሊ ወንጌል ንሕበር!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖምን ኣዕሪጎምን ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ነፍሰ ሄር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዝዘከሩን፡ ዕለት 31 ታሕሳስ ናብቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ሬሳ ዝተነብረሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ኣምላኽ ከይዶም ጸሎት ከም ዘዕረጉን ምእመናን ንነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16 ክብረቶም ንኽገልጹን ጸሎት ንኸቕርቡ 2 ጥሪ ሬሳኦም ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሰጋገር ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓድሽ ዓመት መበገሲት ዕለት፡ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ንዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም እመ ኣምላኽ ከም እተወፍያን፡ በዛ ዕለት እዚኣ እውን ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ምስ ዝቑጸሩ ምእመናን ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሔር ምስ ኣዕረጉ፡ ነቶም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ዝዓረፉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16:
ብሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ንእግዚኣብሔር ስለ ህያብ እቶም እሙን ኣገልጋሊ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን ነመስግን፥
ኣንክብሉ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ፍራንቸስኮ ነዚ ናይ ፍቕርን ሓዘንን ቃላት ብሞት ቅድሚኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ዘቕረቡ እኳ እንተኾነ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሔር ናብ ሓድሽ ዓመት ዘሰጋግረና ኣብ ዝቐርብ ናይ ምስጋና ጸሎት ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ህያብ እግዚኣብሔር” እንክብሉ ገሊጾም ምስጋና ከም ዘቕረቡን፥ “ሕያዋይ ኣቦ ሓጎን - ኣቦን - ሓውን” እክብሉ ነቶም ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዝዘከርዎም ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. በቶም ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉይ ጸሓፊ ብዝኾኑ ብሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጊዮርግ ጋንስዋይን በነዲክቶስ መበል 16 ልክዕ ሰዓት 09.34 ደቃይቕ ከም ዝዓረፉ ምስ ተሓበሮም፡ ሰዓት 10.00 ናብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝዓረፍሉ ገዳመ እመ ኣምላኽ ከይዶም ኣብ ፊት ሬሳ ነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16 ተረኺቦም ፍሉይ ጸሎት ከም ዘዕረጉ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ካብ ዕለት 2 ጥሪ ሬሳ ነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተነብረን ምእመናን ዝተፈላለዩ ኣካልት እውን ንኽብሮም ምብጻሕ የይዱን ናይ ግሊ ጸሎት የዕርጉን ከም ዘለዉን ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 5 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክፍጸም ምዃኑ እውን ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።