ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ብመዓሙቕ ልቢ ምርኻብ ኲናት ክገትእ ይኽእል! ር.ሊ.ጳ.፥ ብመዓሙቕ ልቢ ምርኻብ ኲናት ክገትእ ይኽእል!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ብመዓሙቕ ልቢ ምርኻብ ኲናት ክገትእ ይኽእል!

ኣብቲ መዓልታዊ ዓለም ሃዋህውና ከይተረፈ እቶም ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካላትን ሓባርያንን ጋዜጠይናታትን ነቲ “ልኡም ሓይሊ ፍቕሪ” ዘመሓላልፉ ክኾኑ

“ብልቢ ምዝራብ - ሓቂ ብግብረ ሰናይ” ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ቅድሚ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝዝከር ኣህጉራዊ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምኽንያት ዘመሓላልፍዎ መበል 57 መልእኽቲ ዕለት 24 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ሓላዊ ጋዜጠይናታት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ሓበሬታ ዘቕርቡን ኩሎም ካብ ልቢ ክዛረቡን ዝሓሸ ስልጣነ ንምህናጽ ቅኑዕ ቃላት ክረኽቡ ጻውዒት የቕርቡ፥ ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብታ ብምኽንያት ዕለት 24 ጥሪ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ስብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይናታትን ቅዱስ ፍራንቸስ ደ ሳለስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፥“ብልቢ ምዝራብ - ሓቂ ብግብረ ሰናይ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 57 ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ዕለት 24 ጥሪ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ከም ዝኾነን፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ  መላእ ዓለም ኣብ  ዝርከባ ሰበኻታት ቅድሚ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘላ ዕለተ ሰበት ዝኽበር ኮይኑ፡ ለምዘበን ዕለት 21 ግንቦት ዝውዕል ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን እቲ ናይ ለምዘበን መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መርሕ ቃል ምስቲ “ብእዝነ ልቢ ምስማዕ” ዝብል ምስ ናይ 2022 ዓ.ም. መርሕ ቃል ዝተኣሳሰረ ከም ዝኾነን፡ እቲ ናይ ሎሚ ዓመት መልእኽቲ መራኸቢ ብዙሓን ብፍቕሪ ክረዳድኡን ተጻባኢ ርክባት ፈጺሞም ከየስዕብ ዝላበው ምዃኑ የመላኽት።

ዋላ ነቲ ተሪር ልቢ ዝዛረብን ዝትክንፍን ቃል

ኣብዛ “ኣዚያ ናብ ዘይምግዳስን ቁጥዐን ዝዘንበለት ዓለም ሓድሓደ ግዜ እውን ነቲ ሓቂ ዘየቕርብን ዘይነግርን ኢሓባራዊ ሓበሬታ እንተሃለወ” እዚ ሓቂ ንምእዋጅ ዘይምቹእ ዝኾነ ጉዳይ እውን እንተሎ ሓቂ ንምእዋጅ ቦታ ከም ዘሎ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ፡ ንኻልኦት ጽቡቕ ንኽገብሩ ዝድርኾም ዋላ ነቲ “ኣዚዩ ዝተረረ ልቢ” ዝትክፉ  ቃላት ክህልው ይላበዉ። ኣብቲ መዓልታዊ ዓለም ሃዋህውና ከይተረፈ እቶም ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካላትን ሓባርያንን ጋዜጠይናታትን ነቲ “ልኡም ሓይሊ ፍቕሪ” ዘመሓላልፉ ክኾኑ ይምዕዱ። መልእኽቶም ናብቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዩ ጋዜጠይናታት ዘቕንዔ እውን እንተኾነ፡ ግን ኩሉ ሰብ “ብኽፉት ልብን ጽንዓትን” ሓቂ ናይ ምዝራብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዘጉልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

በነዲክቶስ መበል 16: ‘ዝርኢ ልቢ’

ቅዱስነቶም “ስማዕ - ምስማዕ” ዝብል ቃል ዘለዎ ኣገዳስነት፥ በነዲክቶስ መበል 16 “ካብ ትምህርቲ ኢየሱስ ዝተወስደ ዕማም ክርስትያን ፍቕሪ ኣብ ዘድልየሉን ብግብእን ‘ብእዝነ ልቢ’ ምስራሕ ዝብል እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኢየሱስ ናብ ኤማሁስ ጉዕዞኡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝገበሮ ልባዊ ዘተ ዘኪሮም፥ ኢየሱስ ንኣኣቶም ብፍቕሪ ይዛረቦምን የሰንዮምን ከም ዝነበረ ኣስተብሂሎም፥

ኣብዚ ብውልትውናን ንጽጽርን ውደራን ዝልለይ ታሪኻዊ እዋን - ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ማሕበርሰብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ናጻ ዝኾነሉ  - እቲ ‘ብኽፉት ልብን ጽንዓትን’ ንምርድዳእ ዝግበር ተወፋይነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ርክባት ዘለዉ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን፡ ናይ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት እዩ!

ኩላትናን ሓቂ ክንደሊን ክንዛረብን ይግባእ። እዚ ኸኣ ብግብረ ሰናይ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ኣጽኒዖም፡ መርዛም ዝምድናን ጽልእን ዘስፋሕፍሕ ሓበሬታን መራኻቢ ብዙሓንን ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ሓደገይና ኣተሓሳስባታት ዝዘርእ ዝገትእን ዘራኽብ መራኸቢ ብዙሃን ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቅረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍሉይን ሓለፋ ዘለዎ ምስክርነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ቅዱስ ሓላዊ ካቶሊካውያን ጋዜጠናታት ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ንመራኸቢ ብዙሓን ጠቓምን ዝነኣድን ኣብነት ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ኣብ እዋን ብርቱዕ ግጭት ኣብ ጀኖቫ ጳጳስ ዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ዓቢዪ ቅዱስ፥ “ሰብኣውነት” ብቓልን ህይወት ከም ዝመስከረን ምስ ኩሉ ሰብ ብትዕግስቲ ኪዘራረብ ፍቓደይና ከም ዝነበረ እውን ታሪኽ ማህደሩ ጠቒሶም ዝገለጹ ቅዱስነቶም፥ “ምስቶም ምስኡ ዘይሰማምዑ” እውን ከይተረፈ ብትዕግስቲ ምርኻብን ምዝራብን ሓላፋ ዝበለ ምስክር ናይ ምሕረት ፍቕሪ ኣምላኽ” ክኸውን ከም ዝገበሮን፡ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ “ነጸብራቕ ነፍሲ” ከምኡ እውን መግለጺ ፍቕሪ እዩ ነይሩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደላሳል ስለዚ እዩ ድማ “ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ዘራኽቦ (ዝህቦ ሓበሬታ) ምዃንና” ዝገልጸልና። ዓለም ከም ናትና ዘይኮነስ ከምቲ እትደልዮ ገይራ ምእንቲ ክትርእየና መብዛሕቲኡ ግዜ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ቀዳምነት ክንህበሉ ይግባእ . . . ኣዚዩ ባህ ዜብልን ዚምህርን ዜነቓቕሕን ምስክርነት ምሃብ” ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅኑዕ ቃላት ውግእ ንምግታእ ክሕግዝ ይኽእል እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶ ነቲ ዝጋጥመና ዘሎ ዓለማዊ ግጭት ደጊሞም ብምርኣይ፡ “ጽልእን ቅርሕንትን ክብድህ ዝኽእል ናይ ሰላም ባህሊ ንምስራጽ ተጻባኢ ዘይኮነ ወጅሂ ርክብን ምርኻብን” ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፥ ሎሚ ፍጥረት ሰብ ዝፈርሖ ዘሎ ብምራኽ ኲናት “ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ደው ክብል ኣለዎ፡ ብደረጃ ርክብ ሓበሬታን እውን ከምኡ፡ ምኽንያቱ ቃላት መብዛሕቲኡ ግዜ ናብ ውግእ ዝኣመሰሉ ጽዩፍ ተግባርን ዓመጽን ስለ ዝቕየር” ቢሎም፥ “ምይይጥ ኪግበር ዘይንጽል ምጒዳል ኣጽዋር ኣብ ምድንፋዕ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ልብና ሰፊሩ ዘሎ ተጻባእነት ኬጥፍኡ ዝጽዕሩ መራኸቢ ብዙሓን የድልዩና፡ . . . ኵሉ ዘገራጭው ዘረባን ንሓቂ ዝቆጻጸር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ደዓየትን ክነጽግ ዘለዎ በዚ ምኽያት እዚ እዩ - ኣብ ክንዱኡስ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዚፍጠር ባእሲ ንምፍታሕ ዜኽእል ሓበሬታ ናይ ምልዋጥ መትረብ ምዝርጋሕ የድሊ።”

ቅዱስነቶም ምእንቲ ጋዜጠይናታትን ንዅሎም ነቶም ሓባርያን ጸሎትም ብምርግጋጽ።  ህርመት ልብና ጽን ክንብልን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ንገዛእ ርእስና እንደገና ንኽንረኽባ ከምኡ እውን ነቲ ዝኸፋፍለና ናይ ጽልኢ ኣጽዋር ንኸነራግፍ ንሓድሕድና ዝተሓላለዩ ምዃንና ክስምዓና ሓቂ ብግብረ ሰናይ ከነራኽብ ኢየሱስ ይሓግዘና” እንክብሉ መልእኽቶ ከም ዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 January 2023, 16:11