ድለ

VATICAN POPE FRANCIS VATICAN POPE FRANCIS  (ANSA)

ስለቲ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዲ.ሪ.ኮንጎን ዘካይዶ ‘ንግደት ሰላም’ ጸልዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዘን ዝስዕባ ዕለታት ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ንክኸውን ክርስቲያን ኩሎም ክጽልዩ ይዕድሙ፣ ከመይ እዘን ክልተ ሃገራት እዚኤን ብዘጋጠመ ነዊሕ ግጭታት ኣህዛብ ኣፍሪቃ ኣዝየንተሳቅየን እየን እውን ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ‘መንፈሳዊ ነጋዲ ሰላም’ ኮይኖም ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ካብ ዕለት 31 ጥሪ – 5 ለካቲት ዝጸንሕ ሓውጾተ ኖልዎ ንከካይዱ ጽባሕ ሰሉስ ይብገሱ ኣለው። ነዚ መበል 40 ሓውጾተ ኖልዎ  ካብ ሃገረ ጣልያን ወጻኢ ቅድሚ ምጅማሮም ሰንበት 29 ጥሪ 2023 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም ሰላምታን ሠናይን ምንዮትን ኣብ ዝገለጹሉ ግዜ ናብተን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሕዝብን ናብ ኩሎም ክርስትያን ዘቅነዔን መልእኽቲ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ድሕሪ ጽባሕ ሓውጾተ ኖልዎ ንምፍጻም ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ክብገስ እየ። ንሲቪላዊ ሰበስልጣንን ንጳጳሳት እቲ ከባቢን ስለቲ ዘቅረቡለይ ዕድመን እዚ ምብጻሕ እዚ ዕውት ንክኸውን ዝገበርዎ ምድላዋትን አመስግኖም። ነቶም ዝጽበዩኒ ክቡራት ህዝብታት ድማ ፍቕሪ ዘመልኦ ሰላምታይ አቅርበሎም።”

እዘን ሃገራት እዚኤን ብነዊሕ ግጭታት ዝተፈተና እየን!  ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ብብረታዊ ግጭታትን ምዝመዛን ትሳቐ፤ ብናይ ዓመታት ኲናት ዝተበታተነት ደቡብ ሱዳን እውን እቲ ንብዙሓት ሰባት ዘመዛበለን ኣብ ዓቢ ጸገም ክነብሩ ዘገደደን ቀጻሊ ዓመጽ መወዳእታ ክትርኢ ብዙሕ ትህንጠ። ምስ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበርን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ስኮትላንድን ብሓባር ናብ ደቡብ ሱዳን ክበጽሕ እየ: በዚ ኸኣ ከም ኣሕዋት ብሓባር ናይ ሰላም ንግደት ክነስተማቅር ኢና።

“ንኩሉኹም በጃኹም እንክብል ነዚ ጉዕዞ ብጸሎት ከተሰንዩ እሓትት። ንኹሉኹም ሠናይ ሰንበት እምነየልኩም። በጃኹም ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

30 January 2023, 16:04