ድለ

2023.01.31 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም 2023.01.31 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም

“ንድጂሊ” ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉን ብናይታ ሃገር መራሔ መግንስቲ ዣን ሚሸል ሳማ ሉኮንደ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሰላምን ዕርቅን ዘማእከለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካይድዎ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኽጅምሩ ሎሚ ንጎሆ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ሸሞንተን ዓሰርተን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ስዒቡ እውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካይድዎ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኸካይዱ ሎሚ ዕለት 31 ጥሪ ከም ዝነቐቕሉን በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ሰለስተ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ “ንድጂሊ” ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተዉን ብናይታ ሃገር መራሔ መግንስቲ ዣን ሚሸል ሳማ ሉኮንደ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ንኽብሮም ብናይታ ሃገር ክቡር ዘበዐይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ምስ ቀረበ ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ንኽብሪ መንግስትን ህዝብን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናብ ቤተ መንግስቲ “ብሔራዊ ሕንጻ” ነቒሎም ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ኣብኡ ምስ በጽሑ ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ትሺሰከዲ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ክቡር ዘበዐይና ድሕሪ ዘቕረቦ ሰላምታ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ  ኮንጎ ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ቅዱስነቶምን ምስ ርእሰ ብሔር ኣብ ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈት ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ተኻይዱን ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ተለልዮምን ብቐጥታ ብርእሰ ብሔር ተሰንዮም ናብቲ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ናብ ዝርከብ ናይ ኣታኽትሊ ስፍራ ከይዶም ምስ ናይታ ሃገር ናይ መግንስትን ሃይማኖትን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ኪንሻሻ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ ርእሰ ብሔር ትሺሰኪዲ ድሕሪ ዘቕረብዎ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍቅንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም
31 January 2023, 15:55