ድለ

2023.01.10 ር.ሊ.ጳ.፥ ስነ ምግባር ሰብ ሰርሖ ብልሕነት ንሰናይ ሰብኣዊ ስራቤት ክሕሉ ኣለዎ! 2023.01.10 ር.ሊ.ጳ.፥ ስነ ምግባር ሰብ ሰርሖ ብልሕነት ንሰናይ ሰብኣዊ ስራቤት ክሕሉ ኣለዎ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ስነ ምግባር ሰብ ሰርሖ ብልሕነት ንሰናይ ሰብኣዊ ስራቤት ክሕሉ ኣለዎ!

ነዚ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ኩሉን ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን ዘቐምጥ ባህሊ ኣብ ምድንፋዕ እትገብርዎ ምትእስሳር ንብዙሓት ካልኦት ኣብነት እዩ!

ዕለት 10 ጥሪ ር.ሊ.ጳ ነቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋምን ማሕበር ዘመን ዳግማይ ውልደትን ዘነቓቐሖ ናይ ሮማ ጻውዒት ንስነ ምግባር ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ብልሕነት ዘርእስቱ ሰነድ ዝኸተሙ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ልኡኻን ተቐቢሎም፥ ንሰናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንምሕላው ኣብ መንጎ ኵሉ ሓባራዊ ስነ ምግባርን ሕውነትን ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ብልሕነት ካብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማኡ ንቑሓትንምዃን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ብልሕነት ብዘይግብኡ ካብ ምጥቃም ክንቁጠብ ከም ዘሎና እንከጠንቕቑ፥ ነዚ መሳርሒ እዚ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ብዝሕሉን ናይ ሓባር ጥቕሚ ብዘስፍሕን ኣገባብ ምጥቃም ከም ዘድሊ ኣተባቢዕም፡ ነቶም “ጻውዒት ሮማ - ስነ ምግባር ንሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ብልሕነት” ዘርእስቱ ሰነድ ዝኸተሙ፡ እዚ ጐደና ምዕባለ እዚ ዘንብሮም ብድሆታት ምኽንያት ኣብ ኣጠቓቕማኡ መሰረት ዝኸውን ሓባራዊ ስነ ምግባር ንኽህሉ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ስነ ምግባር ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ብልሕነት

ሰብ ማእከል ዝገበረ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንሰብኣውነትን ብሓፈሻ ዘገልግል ኣብ ስነ ምግባር ዝተሓንጸ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ብልሕነት ክምዕብልን ክብሪ ሰብ ዘኽብር ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ተጠቃሚ ክኸውን” ከምኡ እውን ናይዚ ምዕባለ እዚ ሸቶ ዝዓበየ መኽሰብን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ቀስ ብቐስ ሰብ ንምትካእን ዝብል ክኸውን የብሉ” ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዝተኸተመ ሰነድ ተነቢሩ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን እንክሕብር፥

ሓባራዊ ስነ ምግባራዊ ስሮታትን ሕውነትን

ቅዱስነቶም ነቶም ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስልቲያንን ሃይማኖት ኣይሁድን ኣስላምን ዝተዋጽኡ ልኡካን ተሳተፍቲ ኣመስጊቦም፥

ነዚ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ኩሉን ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን ዘቐምጥ ባህሊ ኣብ ምድንፋዕ እትገብርዎ ምትእስሳር ንብዙሓት ካልኦት ኣብነት እዩ!

ኣብ መንጎ ኩሎም ሕውነት ምዕባለ እደ ጥበብ እውን ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣብ ኣገልግት ፍትሕን ሰላምን ክውዕል ዝብል ሓሳብ ከም ቅድመ ኩነት ዝተነብሮ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥

ምስፋሕ ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ምዕባለ

ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ኩሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወትና እናወሰኸ ብምምጽኡ ንዓለምን ንገዛእ ርእስናን ኣብ ምርዳእ እውን ከይተረፈ ይጸልው ምህላዊ ብምግንዛብ ብስነ ምግባር ዝምራሕን ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕልን ክኸውን ዝግበር ዘሎ ናይ ሓባር ጻዕሪ ክቕጽል ከም ዘተባብዑን ሜላዊ ኣገባብ ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ዝመሃዙ ጥራሕ ዘይኮነ ንምህዞ እዚ ዓይነት ምዕባለ እዚ ኣብ ዝግበር ምርምርን ኪደትን ኵሉ ክህሉ ኣተባቢዕም፥

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓቂ ሰብኣውን ደጋፍን ምዕባለ ከስተማቕር ክኽእል ኣለዎ፥ ዝኾነ ሰብ ከይተገለለ!

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንቑሕ ምዃን

“ስለዚ ንቑሓት ክንከውንን ኣድልዎ ዝመልኦ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ እቶም ኣዚዮም ዝተገለሉን ተኣፋፍያንን ዋጋ ኣብ ዘኽፍል ኣጠቓቕማ ሱር ከይሰድድ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ይግባእ” ቢሎም፥ “እቲ ነቶም ኣዚዩም ንኡሳንን ድኹማትን ተኣፋፍያንን ዝኾኑ ኣሕዋትና እንህቦም ዋጋ ኣብ ሰብኣውነት እንህቦ ክቡር ዋጋ እንታይ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረት ንዘተ ዝጠቕም መጋበርያ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንሰብኣዊ ፍጥረት ‘ሰናይ’

ኣብቲ እተግብርዎ ጻዕሪ እድግፈኩምን እሰንየኩምን ንዅሎም እቶም ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ዚጠቕሙ ሰባት ብዝያዳ ክሳተፉ ዝገብሮም መገድታት ንምርካብ ድማ ብትብዓትን ብምስትውዓልን ንቕድሚት ክትብሉ እዕድመኵም፥ ኣብ ልዕሊ ኹሎም . . . ብረኸት እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ድንግል ማርያም ትሓግዝኩም ቡራኬይ እውን የሰንየኩም! እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Jan 2023, 16:06