ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናይ ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የወክፉ! ር.ሊ.ጳ. ናይ ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የወክፉ! 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻኦም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የወክፉ !

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር “ብዕጡቓት ሓይልታት ዝካየድ ግጭትን ምዝመዛን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ” ከምኡ እውን ንደቡብ ሱዳን “ንዓመታት ብውግእ ተዋሒጡ” ንዘሎ ህብዚ “ብዙሓት ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ዚዝገብሮም ዘሎ ቀጻሊ ዓመጽ” ከብቅዕ ሃረር እብል እጽልን”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ሓቆፍ መደብ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ንምቃሎምን ምምላሶምን ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ፥ ዕለት 31 ጥሪ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ቀጺሎም እውን ናብ ደቡብ ሱዳን ዘካይድዎ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ዕለት 30 ጥሪ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ባዝሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ነዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዜማ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ቀጺሎም እውን ናብ ደቡብ ሱዳን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዕለት 31 ጥሪ ቅድሚ ምብጋሶም ዕለት 30 ጥሪ ድሕሪ ቀትሪ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጎም ሓዋርያዊ መገሻኦም ነማላድነታ ሕድሪ ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን  መግለጺ ኣፍሊጡ።

ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን

ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብታ ኣብቲ እዋን ዛየር ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረ ሃገር ኣብ 1985 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሎሚ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብዝብል ስም እትፈልጥ ዘላ ሃገር ብሓደ ር.ሊ.ጳ. ክትብጻሕ ንመጀመሪያ ግዜ ምዃኑን እቲ ካልኣይ ክፋል ናይዚ መበል 40 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምገሻ ደቡብ ሱዳን ዘጠቓልል ኮይኑ እዛ ሃገር ብር.ሊ.ጳ. ክትብጻሕ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከመላኽት እንከሎ ቅዱስነቶም ናብዘን ሃገራት ናይ “ዕርቅን ተስፋን” መልእኽቲ ሒዞም ከም ናይ “ሰላም ነጋዲ” ክበጽሕወን እዮን እንክብል ይሕብር።

ቅዱስነቶም ናብዘን ሃገራት ቅድሚ ምንቃሎም ናብ ህዝቢ እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር “ብዕጡቓት ሓይልታት ዝካየድ ግጭትን ምዝመዛን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ” ከምኡ እውን ንደቡብ ሱዳን “ንዓመታት ብውግእ ተዋሒጡ” ንዘሎ ህብዚ “ብዙሓት ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ዚዝገብሮም ዘሎ ቀጻሊ ዓመጽ” ከብቅዕ ሃረር እብል እጽልን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 3 ለካቲት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምገሻ ዛዚሞም ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳዕ ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኑ ይሕብር።

31 January 2023, 10:15