ጉዳይ ጥዕና ቅንጦት ኣይኮነን፣ መንግሥታት ንኩሉ ዝኸውን ኣገልግሎት ጥዕና ከውሕሱ ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ንወከልቲ ናይዞም ብደረጃ ሃገር ዝተወደቡ ሃገራዊ ፈደረይሽን ራድዮሎጂስትን ሕሙማት ኣብ ምሕዋይ ዝሕግዙ ተክኒሻናት ሕክምናን ናይ ምክልኻል ሕማም ክኢላታትን ዝኾኑ ሰብሞያ ጥዕና ሃገረ ጣልያን ተቀቢሎም ሰላምታን ምስጋናን ምስ ተለዋወጡ ዓለምና እንተደኣ መጻኢ ክህልዋ ኮይኑ ክጥንቀቀሉ ዘለዋ ጉዳያት ብቀዳምነት ከምዚ ክብሉ ገለጹ፣ “ሕሙማት እትድርቢ ዓለም፡ ንሕክምና ዓቕሚ ዘይብሎም ዘይትሕግዝ ዓለም፡ ስኒታዊት እያ፡ መጻኢ እውን የብላን” እንክብሉ ምስ ኣስመሩሉ ስለቲ ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ-19 ዘርኣይዎ ተወፋይነት እውን ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦምሎም።
ተወፋይነት ኣብ እዋን ለበዳ Covid-19!
ቅዱስነቶም ኣብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ንኩሎም ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ምስ ካልኦት ወለንተኛታትን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን ስለቲ ተወፋይነቶምን ተገዳስነቶምን ኣመስጊኖም። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ንሶም ዘወፈይዎ ሓገዝን ደኺምና ከይበሉ ዝገበርዎ ጻዕርን እንተዘይህሉ ነሩ፡ ኣብዘን ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዙሓት ሕሙማት ኣገልግሎት ሕክምና ኣይምረኸቡን ነሮም እንክብሉ ዘበርከትዎ ግደን ታራን መማዝንቲ ከምዘይብሉ ኣመልኪቶም። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነቲ ኣብ ዓለምና ዓብሊሉ ዝነበረ ባህሊ ብኽነት ወይውን ምጒሓፍ በቲ ውሕሉል ባህሊ ክንክን ስለዝሰዓርዎ ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።
ባህሊ ክንክን ኣንጻር ባህሊ ብኽነት!
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዕለት 11 ለካቲት ዝዝከር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማት ብምዝኽኻር፡ እዛ ዕለት እዚኣ ብዛዕባ ተመኩሮ ሕማም ንምስትንታን ዕድል እትህብ እያ፣ እዚ ድማ “ሎሚ ዝያዳ ክንገብሮ ዝግበኣናን ብሓቂ ኣድላዪን እዩ፣ ምኽንያቱ ከኣ ብዙሕ ግዜ ዓብላሊ “ባህሊ ብቕዓትን ብኽነትን` ነዚ ሓቅ’ዚ ክንክሕዶ ስለዝደፋፍኣን እዩ። ባህሊ ክንክን ግን ብኣንጻሩ ከም እንሰርሕን፡ ኣብቲ ኣብነቱ ክንስዕቦ ዝግበኣና ሕያዋይ ሳምራዊ ዘተኮረ ምዃኑን ከም እንግንዘብ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሸነኽ ክንክን ጥዕና ብምብራህ፡ንኢጣልያውያን ክኢላታት ክንክን ጥዕና፡ ነቲ ንሰብ ኣብ ኩሉ ሸነኻቱ (ስጋዊ፡ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን) ኣብ ማእከል ስርሖም ዘንብርዎ ሰብኣውነት ብምምራጾም፡ ከማኡ እውን ምንም ፍረ ዘይብሉ ብቕዓት ወይውን ፕሮቶኮል ንምሕላው ዝረኤ ዛሕሊ ኢዶም ብዘይምሃቦም ናእዳኦምን ምስጋናኦምን ገሊጾምሎም። ስለዚ ማእከል ኩሉ ሥራሖም ሰብኣውነት ይኹን ኢሎም።
ሰብኣውነት ሕመረት ኩሉ ይኹን!
ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ዝተዋፈሩ ሰባት ከማና ሰባት ምዃኖም ንእንዝንግዕ ንምንቅቃሕ ዚኣክል ቅዱስነቶም "እዞም ሰባት እዚኦም ከምቲ ሕሙማት ሰባት ክሕከሙን ሓልዮት ክስምዖምን ዝደልዩ ንሶም እውን ክንፈልጠሎም ዝደልዮ ነገራት ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ነቲ ዝህቡና ኣገልግሎት ዋጋ ክብርን ክንህቦ ናይ ሥራሕ ዓውዶም ዘድሊ ክንክን ክግበረሉ ዚኣክል ቁጽሪ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ብምቊጻር፡ "ዝከናኸኖም ሰብ" ዘድልዮም ሰባት'ውን ምዃኖም ኣይንረስዕ’’ ኢሎም።
ጉዳይ ጥዕና ቅንጦት ኣይኮነን!
እሞኸ ደኣ ጉዳይ ጥዕና መን ይከናኸኖ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ከመስሉ ቅዱስነቶም፡ ከምቲ ንመበል 31 ዓለምልኸ መዓልቲ ሕሙማት ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ ‘መንግሥታት ናይ ነፍስወከፍ ግለሰብ መሰረታዊ መሰል ንምውሓስ መሰረታውን ቕርጥውን ክንክን ሓለዋ ጥዕና ንምርግጋጽ፡ “ስትራተጂታትን ምንጪ ኣታውን” ክረኽባ ኣለወን’ እንክብሉ ጻውዒቶም ዳግም ኣቅሪቦም። ጉዳይ ጥዕና መሠረታዊ መሰል እምበር ቅንጦት ኣይኮነን ብማለት እውን ኣስሚሮምሉ።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ቃሎም እንክድምድሙ ከም ኣገልገልቲ ክንክን ጥዕና ሞራላዊ መምዘኒ ክተርፍ ዘይብሉ መታካእታ ኣልቦ መወከሲኦም ክኸውን፣ እዚ ምስ ሳይንሳዊ ፍልጠት ብጽቡቕ እንተተዋሃሂዱን ምስ ኣድላዪ ክእለት እንተተደሚሩን፡ ነቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቡኻ ሰባት ብዝበለጸ መንገዲ ከተሰንዮምን ክተገልግሎምን ከምዝከኣል ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።