ድለ

2023.01.11 ር.ሊ.ጳ.፥ ሕሱም ስቓይ ዘጋጥማ ዘሎ ዩክሬይን ወትሩ ኣብ ልብና እያ! 2023.01.11 ር.ሊ.ጳ.፥ ሕሱም ስቓይ ዘጋጥማ ዘሎ ዩክሬይን ወትሩ ኣብ ልብና እያ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ሕሱም ስቓይ ዘጋጥማ ዘሎ ዩክሬይን ወትሩ ኣብ ልብና እያ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን ከይንርስዕ ሓድራ ቢሎም፥ “ኣብ ልብና እያ፡” ነቲ ሕሱም ስቓይ ዘጋጥሞ ዘሎ ህዝቢ ፍቕርናን ቅርበትናን ጸሎትናን ነረጋገጸሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ስቓይ ብምዝካር፡ ኣብ ፊት እታ ብህብዚ ዩክሬይንን በይሎሩስን ፍቕርቲ ዝኾነት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ሰላም ክወርድ በማላድነታ ከም ዝጸለዩን ኣብነት በነዲክቶስ መበል 16 ብምዝካር ድማ፥ “እምነቶም ኣብ ናይ ወንጌል ሓቂ ዝተመርኮዘ መንፈሳዊ ዕብየት የነቓቕሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን ከይንርስዕ ሓድራ ቢሎም፥ “ኣብ ልብና እያ፡” ነቲ ሕሱም ስቓይ ዘጋጥሞ ዘሎ ህዝቢ ፍቕርናን ቅርበትናን ጸሎትናን ነረጋገጸሉ። በማላድነት እታ ንህብዚ ዩክሬይንን በይሎሩስን ክብርትን ፍትውትን ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ፊት ኮይኖም፡ ንኹሎም ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክሬይን በማላድነት ማርያም ኣብ ዝዕርግዎ ጸሎት፥

ኣብ ጸሎተይ ብመንፈስ ክትሓብሩ እዕድምኩም

ቢሎም ምእንቲ ሰላም ናይ ጽሞና ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ትምህርቲ በነዲክቶስ መበል 16

ንኹሎም ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ንበነዲክቶስ መበል 16 ስለ ምስክርነቶምን ትምህርቶም ኣብነቶምን ንእግዚኣብሔር ምስጋና ኣቕሪብና፥

እምነቶም ኣባና ኣብ ናይ ወንጌል ሓቅን ሕውነታውን ፍቕርን ዝተመርኮሰ ኣብ ስድራ ቤት ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ንዝምስክር መፍነሳዊ ዕብየት የነቓቕሓና።

“ከምቲ ር.ሊ.ጳ. በነድክቶስ መበል 16 ዝመሃሩና ናብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኣማንነት ክትጥምቱ እዕድመኩም፡ በዚ ከኣ ከም ሃዋርያ ማቴዎስ ፍቕርን ምሕረትን ጐይታ ክንረክብ ኢና” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Jan 2023, 16:15