ድለ

2023.01.26 Membri dell'Associazione Italiana Fondazioni ed Enti Filantropici 2023.01.26 Membri dell'Associazione Italiana Fondazioni ed Enti Filantropici   (Vatican Media)

ዘይነጻጸል ኩለንትናዊ ሠናይ ጒዳይ ደቂሰባት ኣደንፍዑ! ር.ሊ.ጳ ንገበርቲ ሠናይ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 26 ጥሪ 2023 ዓም ምስ ኣባላት ብኣሲፈሮ ዝፍለጡ ማሕበራትን መሠረታትን ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ሃገረ ኢጣልያ ተራኺቦም ኣብ ሠለስተ መሠረታውያን ክብርታት ደቂሰባት ኣበርክቶኦም ከስፍሑ ሓደራ ቢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ካብ ዝምሥረቱ መበል 20 ዓመቶም ንዘብዕሉ ዘለው ኣባላት ማሕበራትን መሠረታትን ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ቫቲካን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ፣ ንነፍሲ ​​ወከፎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝፈጸምዎ ስራሕ ብምምስጋን ሰላምታ ኣቅሪቦም። ነቲ ተግብራቶም ከኣ ብንጹር ክርስትናዊ መሪሕ ዝተደፋፍአ ሠናይ ተግባራት ብምፍጻሞምን በዚ ኣገባብ ከኣ መበል 20 ዓመት ንምብዓል ብምብቃዖም እንቋዕ ሓጎሰኩም ሓጐሶምን ዕግበቶምን ገሊጾምሎም።

ቅዱስነቶም እዚ ማሕበር እዚ ምስ ብዙሓት ኣብ ሃገረ ጣልያንን ወጻእን ዝርከባ ናይ ግብረሠናይ ማሕበራት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ማለት ካብ ምምዕባል ግለሰብ ጀሚርካ ክሳብ ጥዑይን ዝደጋገፍን  ማሕበራውን ቁጠባውን ሞዴላት ንምልላይ ዝሰርሑ ብዙሓት ናይ ብሕትን ማሕበራውን መሠረታት ዘተሓባብር ምዃኑ ኣመልኪቶም እዚ ብዙሕነት እዚ ከኣ ቂሐጽልማዊ ጽባቄ ከምዝውንን ገሊጾም።

ጽባቐ ብዙሕነት!

ከምዚ ዓይነት ማሕበራት ዘለዎም ዝሓሸ ብልጫ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ናይዚ ማሕበራት ኣባላት ካብ ዝተፈላለየ መበቆልን ድሕረ ባይታን ዝመጹ ብምዃኖም፡ ቅርሲ ዓውድታት ንጥፈታትን፡ ክእለታትን፡ ከምኡ’ውን ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝተፈላለየ ዓይነት ሒዞም ብምምጻእ፡ ጽባቀ ፍልልያትን ብዙህነትን ዘንጸባርቀሉ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።

“በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መደባትኩም ንሠለስተ ኣገደስቲ ክብርታት ብፍሉይ ኣቓልቦ ክትገብሩሎም እላቦ፡ እዚ ክብርታት እዚ ከኣ ድማ ድሮ ኣብ ኣእምሮኹም ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ክብሪ ምድንፋዕ ናይቲ ዘይነጻጸል ኩለንትናዊ ሠናይ ደቂሰብ፤ እቲ ካልኣይ ንማሕበረሰባት ከባቢ ጽን ቢልካ፤ ሳልሳይ ድማ ናብ ዝተሓቱን ዝነኣሱን ቅርበት ምግባር፡ ኮይኑ ሓደ ካብ ክብርታት ኣምላኽ ከኣ ቅርበት ምዃኑ ፈጺምኩም ኣይትረስዑ።”

ምድንፋዕ ኩለንትናዊ ሠናይ ሰብ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነተን ሰለስተ ክብርታት ብምስፋሕ፡ ምድንፋዕ ዘይነጻጸል ኩለንትናዊ ሰናይ ሰብ ማለት ንዋታዊ ሓገዝ ንሰባትምብርካት ናብ ሓራ ምውጻእ ናይቲ ዝሕገዝ ሰብ ዝዓለመ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ እቶም ዝሕገዙ ሰባት ኣብቲ ዝውፈየሎም ውልቃውን ማሕበራውን ዕብየቶምን፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሞምን ውህበታቶምን፡  ቀንዲ ተዋሳእቲ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። እዚ ከኣ ብደረጃ ውልቀሰብን ብደረጃ ማሕበርን ብቑዕ ምግባር ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም ።

ንማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ጽን ቢልካ ምስማዕ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ክብሪ ዝበልዎ እንክገልጹ ‘እዚ ክብሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ነናይ ክልሉ ኣባላት ክሳብ እቶም ዝነኣሱ ጽን ቢልካ ከይሰማዕካ እትገብሮ ምትእትታው ክጸበብ ወይውን ንግዜኡ ጥራይ ኮይኑ ቀጻልነት ዘይብሉ ክኸውን ስለዝኽእል ናብ ስፍሕ ዝበለ ደረጃ ክብ ንምባሉ ከምቲ ሓልዮት ኣምላኽ ዝገልጸልኩም ንመጻኤ ዝኸውን ዘርኢ ዝርኡ።

ቅርበት ናብቶም ዝተሓቱ ክፍሊ ማሕበረሰብ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክብሪ ዝበልዎ እንከብርሁ፣ 'ሰንሰለት ክሳብ ዝደኸመ መላግቦኡ ጥራይ እዩ ዝድልድል' ዝብል ምስላ ዘኪሮም፣ "ምስቶም 'ዝነኣሱ' ምቅርራብ፡ ናብ ቁስሎም ምድሃብ፡ ድሌታቶም ምሕላው፡ ኣብ ምህናጽ ስሙርን ድልዱልን ማሕበረሰባት፡ ንዝሓሸ ዓለምን መጻኢ ሰላምን ጽቡቕ መሰረት ምቕማጥ'ዩ" እንክብሉ ኣብርሁ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣባላት ብዝገበሩሎም ምብጻሕ ኣመስጊኖም "ብውዕዉዕ መንፈስን ጥበብን" ንቕድሚት ክግስግሱ ብምትባባዕ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 January 2023, 14:32